ተስፋይ ኣይመተን

Posted on 2015-01-23 · 1260 · 0 · 0

20 resources uploaded

ዮሃ. 11.1–44
ኣብ ሓንቲ ቢታንያ ኣብ ትብሃል ካብ የሩሳሌም ኣብ ወገን ምብራቕ ሓሙሽተ ኪ.ሜ. ርሒቓ ኣብ ክነጀው ከረን ዘይቲ እትርከብ ዓዲ ማርያምን ማርታን ኣልኣዛርን ዝብሃሉ ኢያ። ሓደ ማዓልቲ ኣልኣዛር ብርቱዕ ሕማም ይሓምም እሞ ኣሕዋቱ ብሕማም ሓወን ኣዚየን ተጨነቃ። ማርታን ማርያምን ግና እቲ ኣብ ገዝኦም ኩሉ ግዜ ኣታውን ወጻን ዝነበረ ኢዱ ድማ ንብዝሓት ዕውራትን ሓንካሳትን ዱንሳትን ዘሕወየ የሱስ ናዝራዊ መጺኡ ንክፍውሶ ተስፋ ገበራ። ተስፍኤን ንክፍጸም ድማ ተደጋጋሚ መልእክቲ ናብ የሱስ፣ እቲ እተፍቅሮስ ኣልኣዛር ሓውና እንበር እንሆ፡ ሐሚሙ አሎ፡ በጃካ ርዳኣና ብዘይካኻ ነዚ ሕማም ዝፍውሶ የሎን ብዘስምዕ ብዙሕ ግዜ መእክቲ ክጽሕፋሉ ጀመራ። እንተኮነ የሱስ ግና ክከይድ ኣይታሃወከን። እዚ ሕማም እዚ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሞት ኣይኰነን ኢሉ ንደቂ መዛምርቱ ተዛረቦም። እንተኮነ ማርታን ማርያምን ብሞት ናይ ዝፈትውኦ ሓወን ኣዚየን ጉህየን ብንብዓት ኣዒንተን ሓቢጡ ምእባድ ክስብ ዝስእና ኮይነን ነብራ። የሱስ ድሕሪ ኣርባዕተ ማዓልቲ ንደቂ መዛምርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ንዑናይ፣ ንኣልኣዛር ከተስኦ ኢየ በሎም። ከመይ ጊይሩ ንምውት ከተስእ በሉ ብውሽጦም።

ማርታ ምምጽእ የሱስ ሰሚዓ፡ ክትቅበሎ ወጸት። ማርያም ግና ኣብ ቤት ተቐሚጣ ነበረት። ሽዑ ማርታ ንየሱስ፡ ጐይታየ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሐወይ ኣይምሞተን ነይሩ፧ ክትብልን ክትክዝን ጀመረት። ንማርታን ንማርያምን ናይ ኣልኣዛር ነገር ኣብቂዑ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ግና ኣበይ ቀቢርክሞ፣ ነቲ መቃብር ክፈትሉ በለ። ሓብቱ ብዓውታ፣ ራብዕቱ ገይሩ ጨንዩ ኢዩ በለት ፣ ኣይትከፍቶን ኢካ ብዘስምዕ ድምጺ። የሱስ ግና ኣልኣዛር በለ ብዓቢ ድምጺ። እዚ ኣብቂዑ እዩ፣ ድሕሪ ደጊም ተስፋ የብሉን፣ ኣይሰምን፣ ኣይርእን፣ ሞይቱ፣ እሮማይ ጨንዩ ዝተባህለ ኣልኣዛር ካብቲ መቃብር ቦሎክ ክብል ጀመረ። እዚ ጻዊዒት እዚ ጻዊዒት ጥራይ ኣይኮነን ነይሩ ንኣልኣዛር። እዚ ጻዊዒት እዚ ፋሕ ፋሕ ዝበለ ኣዕጽምቲ ዝገጣጥም ፣ ህይወት ዝህብ፣ ኣእዛን ምውት ዝከፍት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዘውጽእ ነገራት ግልብጥብጥ ዘብል፣ኖ ኣይትሓልፍን ኢካ ኢሉ ዝዓጸወካ ማዕጾታት ሓሸምሸም ዝብል ጻዊዒት ኢዩ ኔሩ።
ስለዚ ብርክቲ ሓብተይ ብሩክ ሓወይ ነገራት ሽንክርክር ኢሎም ምፍታሕ ኣብዮምካ እሮማይ እዚ ናተይ ሽግር እንበር ከ ክውዳእ ዲዩ፣ መከራ በዚሕካ ንህይወትካ ተፋታትኖም ኣብ ሕማምን ቃንዛ ዘብጽሕካ፣ እሮማይ ኢልካ ተስፋ ዝቆረጽካሎም፣ ሕጂ ግና እቲ ህይወት ኣልኣዛር ካብ ዝጨነወ ሬሳ ዘተስኤ፣ ንዓካ ዓጺዩ ኣይትሓልፍን ኣይትባረክን ኣትፍወስን ኣይትትስእን ኣይትፈርን ዝበለካ፣ ጎይታ የሱስ ንዝከልከለካ ቅጽሪ ከፍርሶ መጺልካ ኣሎ።

እቲ ሞት ሒዙ ከጽንዖ ዘይካለ፣ ምርሖን ሞትን ኣብ ኢዱ ዝኮነ የሱስ እነኩልካ ጸውዓኒ ይብል። ምክንያቱ ንሱ ታዓዲሙ እንበር፣ ቢኢደዋኒኑ ኣይኣቱን፣ ምክንያቱ ናይ ፍቃድ ኣምላክ ስለ ዝኮነ። ሰለዚ ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም ማትውስ 11.28–30። ኣምላክ ከምዚ ክብል ኮሎ ንሱ ዝበሎ ዝገብር ፣ዝሓስቦ ዝፍጽም ኣምላክ ስለ ዝኮነ ኢዩ። ስለዚ ኣበየ ቦቱኡ እትነብሩ ኣሕዋተይ ጎይታ ግና ንዑ ደቀይ ኣነ ኢየ መዕረፊ ፣ ጸልማትኩም ከብርህ መጋረጃኩም ክቅንጥጥ ንብዓትኩም ኽደርዝ ኢደይ ምስ ዘርጋሕኩ ኢየ። ከምቲ ሃና ነግራታ፣ ዝከብዳ ናባይ ምስ ደርበዮቶ ማዕጾ ህይወታ ዝተከፍተ፣ ኣብ ቤታ ድማ ሓጎስ ዝኮነላ፣

ኣነ ቐቅድሜኻ ክኸይድ፡ ንድንጉር ከኣ ሰጥ ከብሎ፡ ንመዓጹ ኣስራዚ ሓሸምሸም ከብሎ፡ ንመሸጐሪ ሓጺን ድማ ክሰባብሮ እየ። ኣነ ብስምካ ዝጸዋዕኩኻ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ እስራኤል ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ መዝገብ ጸልማትን ኣብ ስውር እተሐብኤ ሃብትን ክህበካ እየ ኢሰያስ 45.2-3። ስለዚ ነገርና ናብቲ ኩሉ ዝክእል ንደርብዮ ። ስለዚ ንሕና ብዘይተጸበናዮ እዋንን ግዜን ከምቲ ጣኦት ናይ ፍልስተማውያን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ትጎላዒሙ ዝጸንሖም፣ ነገርካ ድማ ኣብዘይተጸበካዮ ኣብ ቅድሜካ ብዘደንቅ ነገር ተጎልዒሙ ክጸንሓካ ኢዩ። ምክንያቱ እግዚኣብሄር ንገበንካ ኸም ደበና፡ ንሓጢኣትካውን ከም ግመ ዘጥፍእ ስለዝኮነ። ስለዚ ብሩካት ኣህዋተይ እምነትና ናብቲ ኩሉ ዝክክእል ንግበር። እግዚኣብሄር ነቶም ዚጽበይዎ፡ ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ። ንእግዚኣብሄር ዝጽበ ሰብ ጥራይ ኢዱ ዝተመለሰ ኣብ ዘመናት ኣይተራየን። ስለዚ ንእግዚኣብሄር ንዝደለይዎ ይርከበሎም አዩ። ዳዊት ሽግር ምስበሎ ዝተዛረቦ ኣብ መዝ34.4-7 ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፣ ንሱውን መለሰለይ፣ ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ። ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣ ገጾምውን ከቶ ኣይሐፍርን። እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፣ እግዚኣብሄርውን ሰምዖ፣ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ።ጎይታ ዝጎደለካ ክምል፣ ሰጣን ዝወሰደልካ ክመልስ፣ ታዓጺይካ ዝነበረ ማዕጾታት ክኸፍት እምነትካ ናብቲ ኩሉን ብኩሉን ፈጻምን ደምዳምን ዝኮነ የሱስ ጠምት፣ጎይታ የሱስ ኣብዚሑ ይባርኩም ሓብትኩም ሪመይ ተፎም።

0 comments
Other Article