ገንዘብ ጐይታኻ ዶ ኣገልጋሊኻ?

Posted on 2012-02-12 · 1865 · 0 · 2

32 resources uploaded

ገንዘብ እንተ ገዚእካ ጐይታኻ እዩ። ንስኻ እንተ መሊኽካዮ ግና ኣገልጋሊኻ እዩ ዝብል ኣበሃሃል ሰሚዕኩም ትዀኑ። ኣብዛ ዓለም ክትነብር መቸመ ብዘይገንዘብ ኣይትንቀሳቐስን ኢኻ። ናይ ምንባር ተኽእሎኻ እውን ሒደት እዩ። ኩሉ ናይዚ ዓለም ነገር ብገዝንዘብ እዩ ዝዕደግ፣ ገንዘብ መሳርሒ ጹቡቕን ሕማቕን እዩ። እዚ ሕጂ እዋን ብሰንኪ ገንዘባዊ ስስዐ ሰባት ምስ ሰባት ሃገር ምስ ሃገር ይናቖታ ኣለዋ። ብገንዘብ ክንደይ ተሃኒጹ ብሰንኪ ገንዘብ ከኣ ክንደይ ዓኒዩ። እቲ ጸገም ኣብቲ ገንዘብ ኣይኰነን ዘሎ እቲ ኣበሳ ኣብ ልዕሊ ፍቕሪ ገንዘብ እዩ። ቃል ኣምላኽ ክዛረብ “ፍቕሪ ገንዘብ ሱር ኩላ ሓጥያት እዩ ገሊኣቶም ናብኡ እንዳ ተመጣጠሩ ካብ እምነት ዘንቢሎም እዮም” ብምባል ኣብ 1ጢሞ 6፣10 ይዛረብ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ክዛረብ ከሎ ድማ ንገንዘብን ንኣምላኽን ከተፍቅሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም ኢሉ ኣሎ። ኣምላኽ ኣብዛ ዓለም ዝሃበና ንብረት ኰነ ጥሪት ኩሉ ንኽብሩ ከነውዕሎ እምበር ጐይታና ኰይኑ ክመልከና ኣይኰነን።

ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ኣስተምህሮ እቲ ዝበዝሕ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ እዩ። ገንዝብ መላኺና ምስ ዝኸውን እቲ ኣብ ልዕሊ ህይወትና ጐይታ ዀይኑ ዝመርሕ ንሱ እምበር ባዕላትና ኣይኰናን ብሓጺሩ ባሮት ናቱ ዀይና ብዝደለዮ ጐደና ህይወት ይመርሓና። ሎሚ ዘመን ከምዚ ዓይነት ህይወት እምብዛ ስለ ዝበዝሐ ንቦታ ኣምላኽ ገንዘብ ተኪኢዎ ይርከብ። ኣብ ህይወት ሰባትመላኽን ገዛእን ቀዳምነት ዝሕዝ ነገር እዩ ። ፈታዊ ገንዘብ ምዃን ጸላኢ ኣምላኽ ምዃን ማለት እዩ። ነዚ እዩ መድሓኒ ሃብታም ናብ መንግቲ ኣምላኽ ካብ ዝኣቱ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል ዝበለ። ጐይታ ከምዚ ምባል ብዛዕባ ሃብታም ምኻን ዘይኰነ ዝዛረብ ዘሎ ብዛዕባ ፍቕሪ ገንዘብ እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ንገንዘብ ዘፍቅር ሰብ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ እዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ሰብ ብስስዐ ምልኡ ብዘይናትካ ምድላይ ትሑዝ ንዓይ ብምባል ድማ ቐዳማይ እዩ። ሎሚ ዓለምና በዚ ግናይ ሕማም ስለ ዝተታሕዘት እያ ዘይፍትሓነትን ዓመጽን ቅትለትን ምንዝርን በዚሑ ዘሎ። ፍቕሪ ገንዘብ ኣብ ህይወትካ ዘምጾ ሳዕቤን ኣዚዩ ብዙሕ እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቶዎስ ካብዚ ክሃድም ደድሕሪ ጽድቂ ድማ ክስዕብ ነጊርዎ። ብፍላይ ኣብቲ ምዕራፍ 6 ጥቕሲ ካብ 6-10 ክዛረብ ከሎ “ግናኸ ኣምልኾ ምስ ይኣኽለኒ ምባል ዓቢ ረብሓ እዩ። ማለት ናብ ዓለም ሓንቲ ኣኳ ኣየምጻናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከኣለናን እዩ። ቀለብናን ክዳና እንተሎናስ ንሱ ይኣኽለና። እቶም ክህብቱም ዝደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥም ናይ ዕሽነትን ጉድኣትን ትምኒት እዮም ዝወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብ ሱር ኩላ ክፍኣት እዩ ገሊኦም ንዕኡ እናጠመጣጠሩ ካብ እምነት ዘምበሉ ናብ ርእሶም እውን ቡዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ” ብምባል ሳዕቤን ሕልፉ ፍትወት ገንዘብ እንታይ ምኻኑ የርእየና። እስከ ቐጺልና ሳዕቤን ናይዚ ፍቕሪ ገንዘብ እንታይ ከም ዝመስል ክንርኢ ኢና።

1. ካብ ንኣምላኽ ምስዓብ ይዕንቅጸካ
ሓደ ግዜ ሓደ ጐቦዝ ንየሱስ ናይ ዘልኣለም ህይወት ክረክብ እንታይ ይገብር ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ድማ ነቲ ጐበዝ እምብዛ ፈተዎ እሞ። ናይ ዘልኣለም ህይወት ክትረክብ ድኣ ነትን ትእዛዛት ሓሉ በሎ። እቲ ጐበዝ ድማ ነዚ እሞ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ይሕልዎ እየ። የሱስ ድማ እሞ ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ እሞ በሎ። እሳ ከኣ ዘሎ ንብረትካ ሸይጥካ ንድኻታት ሃቦም ደሓራይ ሰዓበኒ በሎ። ወይ ጐበዝ እምብዛ ተኸፍኣ ነዚ ዘረባ መድሓኒ ክቕበሎ ኣይደለየን። ካብ ምስዓብ ጐይታ ድማ ጥሪቱ እምብዛ ስለ ዝሓዞ ንድሕሪት ተመልሰ። እዚ መንእሰይ ጐበዝ ቅድሚ ኣምላኽ ነቲ ሓላፊ ኣማዕድዩ ክብሪ ገዛእ ርእሱ ደልዩ። ሎሚ ግና እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ህይወት ኣብዚ መንእሰይ ጥራይ ኣይከነን ተራእዩ ኣብዚ ዘመና ገኒኑ ዝረኣዘሎ ጉዳይ እዩ። ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ምስዓብ እናደለዩ ግና ፍቕሪ ገንዘብ ዓትዒቱ ስለ ዝሓዞም ንድሕሪት ዝምለሱ ዘለዉ ብዙሓት እዮም። ነዚኣቶም መድሓኒ የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ዘራእን ዘርእን ክዛረብ ከሎ “ገሊኡ ኣብ እሾኽ ወደቐ እቲ እሾኽ ምስ ዓበየ ሓነቖ። ትርምጉ ናይዚ ክህብ ከሎ እቲ ኣብ እሾኽ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ዚሰምዖ እዩ ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ግና ነቲ ቓል ይሓንቆ ከይፈረየውን ይተርፍ” ማቴ 13፣7,21

ካልእ ኣንጻር እዚ ሰብኣይ ዝዀነ ሰብኣይ ኣሎ። ኤልሳእ እዩ ዝብሃል። ኤልሳእ ኣዚዩ ሃብታም ከም ዝነበረ ካብ ዝነበርዎ ከብትን ናይ ሕርሻ ቦታን ንርዳእ። እዚ ሰብ እዚ ብኣምላኽ ተቐቢኡ ኣሰር እቲ ኣሰር ኣብቲ ዘመን ዝነበረ ነቢይ ኤልሳእ ክስዕብ ተነግሮ። ኤልሳእ ዝገበሮ ነገር እንተ ኔሩ ዘለዎ ከብቲ ንኹሉ ሓሪዱ ንዕኡ ጥራይ ክስዕብ ይሕሸኒ ብምባል ንኣምላኽ ሲዒቡ። ኣብ ዘመኑ ድማ ኣምላኽ ተጠቂምሉ ሓሊፉ። እቲ ሓጥያት ሃብታማት ክንከውን ምድላይና ዘይኰነስ ዘሎና ሃብቲ ንኣምላኽ ክንስውእ ክንድምንታይ ፍቓደኛታት ዝብል እዩ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንስዓብቱ ዝብሎም ሓንቲ ቓል ኣላ መስቀሉ ኣልዕሊሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ወዲ መዝሙረይ ክኸውን ኣይበቅዕን እዩ።

ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቶም ፍቕሪ ገንዘብ ወይ ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣን ዋኒናን ሒዝዎም ንጻዊዒቱ ሸለል ንዝበሉ ሰባት ብምስላ ተዛሪብሎም ኣሎ። ኣብ ማቴ 22 ካብ 1-14 ንረኽቦ “መንግስተ ሰማይ ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል ነቶም ንመርዓ ዝተዓደሙ ኺጽውዕ ባሮቱ ለኣኸ ግናኸ ምምጻእ ኣበዩ። ከም ብሓድ ድማ ነቶም ዕዱማት እንሆ መኣደይ ኣዳለኹ ሰባሕተይን ኣስዋረይን ሓሪደ ኩሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ ናብ መርዓ ንዑ በልዎም። ኢሉ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ። ንስቶም ግና ሸለል ኢሎም ገሊኦም ናብ ግራቶም ገሊኦም ከኣ ናብ ንግዶም ከዱ” ቀጺልና ነቲ ታሪኽ እንተ ኣንቢብናዮ እዞም ሸለል ኢሎም ዝኣበዩ ናብ ጸልማትን ምሕርቃም ኣሳናን እዮም ተደርብዮም። ፍቕሪ ዋኒንን ገንዘብን ካብቲ ዘልኣለማዊ ርስቲ ዓጽይዎም። ፈርሳውያን ካብቲ ሓደ ንመድሓኒ ከይስዕቡ ዝጸገሞሞ ፍቕሪ ገንዘብ ስለ ዝነበሮም እዩ። ነዚ ድማ እዩ ቃል ኣምላኽ እቶም ገንዘብ ዚፈትዉ ዝነበሩ ፈርሳውያን ከእ እዚ ኹሉ እናሰመዑ የላግጽሉ ነበሩ ዝብለና። ሎሚ ፍቕሪ እዛ ዓለም እዚኣ የዕሹዩ መወዳእታና ከይበላሾ ንኣምላኽ ንምስዓብ ቆሪጽና ንተንስእ። ጽድቂ ኣምላኽ ዘለዎ ሃብቲ እዩ፣ ዓስቢ ኣብዛ ምድርን ዘልኣለማውነትን ዘለዎ። ዘሎካ ሓዲግካ ንየሱስ ምስዓብ ማለት ሓለፋ ገንዘብካ ንዕኡ ምቕዳምን ንገንዘብን ረብሓን ክትብል ንኣምላኽ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይምእታው ማለት እዩ። ሎሚ ገንዘብካ ተኻፋሊ ዘልኣለማዊ ህይወት ከይትኸውን ከይዓግተካ ወሲንካ ንኣምላኽ ሰዓብ።

2. መርገምን ፍርድን የምጻልካ
ፍቕሪ ገንዘብ ነቶም ካብ ኣምላክ ወጻኢ ዘለዎ ንኣምላኽ ድማ ንምስዓብ ዝጽገሙ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቶም ንኣምላኽ ንፈልጥ ኢና ዝብሉ ግና በዚ ብፍቕሪ እዚ ዝተታሕዙ ሰባት ከይተረፈ ሳዕቤን ኣለዎ። ብዙሓት ከኣ ነዚ ኽብሉ ካብ እምነት ዘንቢሎም ኣብ ህይወቶም ዓቢ መርገም ኣምጽእዮም እዮም። እስከ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 5 ዘሎ ታሪኽ ሃናንያን ሰጲራን ንምጻእ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚእሞ ንመድሓኒ ብምሉእ ልቦም ክስዕቡ ዝተንስኡ ሰባት እዮም። ኣብቲ እዋን እቲ ሃዋርያትን እቶም ምእመንን ዘለዎም ኩሉ ንጐይታ ክብሉ ሓዲጎሞ ይስዕብ ነበሩ። እዞም ሰባ ሓዳር ከም ኩሉ ነገርሞ ኩሉ ሸይጦም ክስዕቡ ተሰማምዑ። ይኹን እምበር ካብቲ ዝሸጥዎ ገለ ኣጉዲሎም ሓቢኦም ናብ ሃዋርያት ክቐርቡ ተማኺሮም ንኣምላኽ ከታልል ተንስእዮም። እዞም ሰዓብቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ንኣምላኽ ብምልኣት ዘይኰነ ኣብ ውሽጦም ፍቕሪ ገንዘብ መሊኦም እዮም ዝመላለሱ ኔሮም። ካብ መንፈስ ኣምላኽ ዝሕባእ ስለ ዘየለ ግና ኣብ ህይወቶም መርገምን ሞትን ጸውዕዮም።

ሎሚ ብሰንኪ ሕብኡ ኣብ ውሽጥና ዝተጠጀኣ ፍቕሪ ገንዘብ ኣብ ህይወትና መርገም ከይነምጽእ ንጠንቀቕ። ምናልባት ከምቲ ሃናንያን ሰጲራን ብቕጽበት ዝተቐዝፍዎ ኣይንቕዘፍን ንኸውን ግና መዓልታኢ መንፈስና እናሞተ ክኸይድ ምኻኑ ኣይንረስዕ። እዞም ሰባ ሓዳር ዘይፈለጥዎ ሚስጥር ከይሃቡ ናቶም ኔሩ ምስ ሃብዉ እውን ናቶም እዩ። ሓለፋ ገንዘብን ጥሪትን ካልእን ንኣምላኽ ምፍቃር ክሳራ ኣይኰነን መኽሰብ እዩ። እኒ ጴጥሮስ ንጐይታ ኩሉ ሓዲጎም እዮም ስዒቦሞ ነዚ ኸኣ እዮም ንሕና ኩሉ ሓዲግና ሲዕብናካ ዓስብና እንታይ እዩ ኢሎም ሓቲቶሞ። መድሓኒ የሱስ ክምልስ ከሎ ንዓይ ኢልኩም ኩሉ ምሕዳግኩም ኣብዛ ምድሪ ሚእቲ ካዕበት ምስ ስደት ኣብ ሰማይ ከኣ ናይ ዘልኣለም ህይወት ብምባል ንልቦም ገጥ ኣቢልዎ። እምብኣር ጐደሎ ልቢ ሒዝካ ብፍቕሪ ገንዘብ ዝተመልኣ ህይወት ሒዝካ ንኣምላኽ ምስዓብ ነዚ ጐይታ ዝበሎ ዓስቢ ከይትረክብ ይዓግት እዩ።

ይሁዳ እቲ ወዲ መዝሙር ክኸውን ዝተሓርየ። ምስ መድሓኒ ዝተመላለአ ሰናይነት የሱስ ዝረኣየ ብየዒንቱ ድንቅን ተኣምራትን ዝረኣየ ንሱ ባዕሉ እውን ተላኢኹ ትኣምራት ዝገበረ ሰብ እዩ። ግና ዝነበሮ ሕሉፍ ፍቕሪ ገንዘብ ንመድሓኒኡ የሒልፉ ሂቡ። መወዳእትኡ ድማ ብፍርዲ ተዛዚሙ። ሎሚ ክንደይ ኣለዉ ዝብሃሉ ኣገልገልቲን ምእመንን በዚ ግናይ ሕማም ተጠላሊፎም ወዲቖም ዘለዉ። ንሕና እውን እንተ ዘይተጠንቂቕና ዓስብና ካብኣቶም ኣይክፍለን እዩ። ብፍላይ እዚ ዘመን እዚ ኩሉ ነገር ምስ ገንዘብ ምትሕሓዝ ዘለዎ እዩ ኰይኑ። ኣነን ንስኻትኩም ከምቶም ዝሓለፉ ናይ እምነት ኣቦታት ካብ ፍቕሪ ገንዘብ ወጽእዮም ንመድሓኒ ክስዕቡ ዝተጋደሉ ኣዚና ክንጋደል ይግብኣና። ኣብ ውሽጥና ፍቕሪ ገንዘብ እናማዕበልና እንተ ኸይድና ከብድና ኣምላኽና ይኸውን ጸላእቲ መሰቀል እውን ንኸውን። ፍቕሪ ገንዘብ ውሽጡ ዝመለኾ ሰብ ሕያውነት ኣምላኽ ኣይርኣዮን ኣምላኽ ኣብኡን ብእኡን ዝገበሮ እንታይ ምኻኑ ድማ ኣይስተውዕሎን። መዛግብቲ ልብና በዚ ሓላፊ ነገር ከይተሓዝ ንጠንቐቕ ደኣ። ኤሳው ሓው ያቆብ ወዲ ኢሳቕ ነቲ ኣምላኽ ንቡኽርነት ዝሃቦ ሓይሊ ብሓላፊ ነገር ሸይጥዎ። ታሪኹ ከኣ ነበረያ ነበረ ኰይኑ ብመርገም ተወዲኡ። ሎሚ ነቲ ኣምላኽ ንኽብርን ንበረኸትን ንፈውስን ዝሃበና ብኹርነት ብሓላፊ ገንዘብ ዓመጻ ከይንልውጦ ንጠንቀቕ።

3. ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ተሳዓሪ ይገብረካ
ፍቕሪ ገንዘብ ኣብ ህይወትካ ዝሓድጎ ዘርኢ ስስዐ ንርእሰይ ይጥዓመኒ እዩ። ጸላኢ ድማ ነዚ ባይታ ተጠቂሙ ወትሩ ኣብ መጻወድይኡ ኣቲዩ ይስዕረካ። ታሪክ ደቂ እስራኤል ንዝክሮ ንኸውን ኢና። እያሱ ንእስራኤላውያን መሪሑ ንከንኣን ክኣቱ ከሎ ንዕርዲ ያሪኮ ነቲ ኣዚዩ ጽኑዕ ግንቢ ብምስጋና ጢሒሶም ነቶም ዓበይቲ ጸላእቶም ዝብሃሉ ሲዒሮም ይግስግሱ ነበሩ። ኣብ ያርኮ ዝተረኽበ ንብረት ብኣምላኽ ሕሩም እዩ ተባሂሉ ነበረ። ሓደ ካብቶም ህዝቢ ግና ኣካን ዝብሃል ካብቲ ሑርም ነገር ወሲዱ ንዕኡ ኣትርፈ። እቶም ህዝቢ ምስ እያሱ ነታ ንእሽቶይ ዓይ ትበሃል ከተማ ክዋግእዋ ተላዕሉ። ከም ዝስዕሩ ኣይተጠራጠሩን። የግዳስ ከም ዝሓሰብዎ ኣይጸንሕምን ኣብ ቅድሚ እቶም ሒደትን ዓቕሚ ዘይብሎም ጸላእቶም ተሳዕሩ። በታ መዓልቲ ኸኣ 36 ሰባት ወደቕዎም እዚ ንእያሱን ንህዝቢ እስራኤልን እምብዛ ኣጨነቖም። እያሱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስ ተደፍኣ ኣምላኽ ንምንታይ ኣብ ቅድመይ ትድፋኣ ኣብ ማእከልኩም ኣበሳ ዀይኑ ኣሎ ኢሉ ምስ ነገሮ። እቲ ጉዳይ ምስ ተጻረየ እቲ ጠንቂ ብሰንኪ ኣካን ምዃኑ ተፈልጠ። ኣካን ከኣ ብዳርባ እምኒ ተጨፍለቐ ብሰንኪ ፍቕሪ ገንዘብ ከኣ ንባዕሉን ንህዝቢ ኣምላኽን ዓቢ ዕንቅፋት ኰነ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ ሳዕቤን ፍቕሪ ገንዘብ ካባኻ ሓሊፉ ኣብ ብዘሎ ዓሌትካን ዘርእኻን መርገም ስዕረት እዩ ዘምጽእ። ኣብ ህይወትካ ቡሉጽ ዓወት ተለማሚድካ ክትከውን ይከኣል እዩ ግና ብሰንኪ ንእሽቶይ ፍቕሪ ገንዘብ ግና ተሳዓሪ ምኻን ይከኣል እዩ። ኩሉ ተፈቒድልና ክነሱ ንኽብሪ ኣምላኽ ዘይጥዕም ምስ ዝኸውን ግና ንሓድጎ።

ሓሳብ ኣካን ንዳሕራይ ምቕማጥ ኣብታ ናይ ተስፋ ምድሪ ምስ ኣትዉ በቲ ዝሓብኦ ክህብትም እዩ ኔሩ። እንተ ዀነ ንሱ ዘይተረደኦ ኰይኑ እምበር ኣብ ናይ በረኸት ቦታ እዩ ዝኸይድ ኔሩ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ውሽጥና ፍቕሪ ገንዘብ ምምልኡ ሓለፍ ካልእ ከም ዘሎ ስለ ንርስዕ ኢና። ሎሚ ብስንኪ እዚ ኩፍእ መርዚ ዝቐተልናዮም ከይሰግሩ ዝዓገትናዮም ክንደይ እዮም። እቲ ዝግባኣና ይኣኽለና ክነሱ ብሕብኡ ቆፈና ነማዕብል ዘሎና ክንደይ ኢና? እዚ ኩሉ ተደሚሩ ኣብ ቅድሚ እቲ ቅድሜና ዘሎ ከም እንሰዓር ግና ኣይንዘንግዕ ኢና። ኣካን ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ኣይኰነን በዲሉ ንህዝቢ እስራኤል ከይተረፈ እዩ ንምኽንያት ሓዘን ኰይኑ። ገሓዚ ዝብሃለ ባርያ ነቢዪ ኤልሳእ ዝንበረ ሰብ እውን ከምዚ ዝዓይነቱ ተመሳሳሊ ዕጫ ገጢምሞ ኣሎ። ገሓዚ ነቲ ኤልሳእ ዝተጸየፎን ዝፈንፈኖን ውህበት ናይቲ ካብ ሶርያ መጽዩ ዝተፈወሰ ንእማን ኣሰር ኣሰሩ ሲዒቡ ብምትላል ህያብ ተቐቢሉ ኣብ ገዛእ ርእሱን ወለድኡን መረገም ዓጺዱ። ኩቱር ፍቕሪ ገንዘብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ባርያ ኣምላኽን ፉንፉን ጌርዎ። ኣምላኽ ካብዚ ከምዚ መንፈስ ይሰውረና።

ፍቕሪ ገንዘብ ንኣምላኽ ምስዓብ ይዓግት ምኻኑ ፈሊጥና እሞ ካብ ናይ ዘልኣለም ህይወት ከይትርፈና ሓለፋ ገንዘብ ንኣምላኽ ንምረጽ። ፍቕሪ ገንዘብ ኣብ ህይወትካ ዘምጾ መቕዘፍቲ ኣብ ስጋኻ ዘምጾ ሕሰም ብዙሕ ምኻኑ ተገንዚብና ብዘይ ገለ ልባዊ ሕርኽርኽ ንኣምላኽ ንስዓብ። ፍቕሪ ገንዘብ ዓወት ዘይብሉ ናብራ ክምንመርሕ ስለ ዝገበርና ከይገዝኣና ንጠንቀቐሉ። ንሕና ካብዚ ነገር ሃዲምና ደድሕሪ ጽድቂ ይኣክለኒ ምባል ምክፋል ረብሓ ካልኦት ናብ ምድላይ ንስዓብ። ኣምላኽ ሰማይ ንልብና ብፍቕሩ ይምልኣዮ ኣሜን

2 comments

ናይብሓቂ እዋናዊ መልእኽቲ....ጎይታ ይባርኽካ ሓኒባል ሓውና።

ጎይታ ብቡዙሕ ይባርኽካ ሓኒባል ሓወይ ሃናጺ መልእኽቲ...
Other Article