ቤተ-ክርስትያንን ሕላገት ኣብነታውያን ኣገልገልታን
መተንባህታይ ክፍልም፡ በቓውማ ቤተክርስትያን
‘ታ ባዕላ ዘይነጠበት፡ ንርእሳ ብምትምያን
እንታይነቶም ዘነጸረት ንረሲኣን፡ መንፈሰ ድውያን
ሃቐና ክርስቶስ’ያ፡ ናይቲ ኳ ‘ምብዛ መናን
ኤጲስ ቖጶሳታ ዝውፈዩላ፡ ዝቖሙላ ኣብ የማን
ሃንቀውታ’ቲ መርዓዊ ‘ንድያ፡ ኣማን ብኣማን።
እንትርፎ ክርስቶስ፡ ካልእ ዘይሰረታ
‘ቲ እምነ-ኩርናዓ፡ ዘንበረላ ንጴጥሮስ ኮረታ
ጳውሎስን ሰዓብቱን ነደቑዋ፡ ብብሩራታ
ኰስኰስዋ ገረቦም፡ ክትዓቢ ብጥዕይታ
ዓስባቶም ተገልጸ: ብሃልሃልታ ኣብ ባይታ።
እሞ ቤት-መቕደስ ኣምላኽ ምዃንና፡ ይስቖረናዶ?
መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝሓደረናኸ፡ ይስወጠናዶ?
ብዓንደ-ርእሱ ቤት መቕደሱ ምዃንና፡ ይፈለጠናዶ?
ተጋሂዱልና ዶ ዋላሲ ሕጅውን፡ ኮይኑና’ሎ ጋዶ?
ኣብ ጐይታ ኣሚንና ካብ ደሓንና
መንፈስ ቕዱስ’ውን ካብ ተቐበልና
ልግዐ ጥራሕ ዶ ጠበውና፡ ሰነቕና?
ከም ሰብ ቈረንቶስ ዶ ተዳህለልና?
ወይሲ ዕጹም መግቢ ኣስተማቐርና?
ታተ ሓዲግና፡ ንምስጓም’ ዶ በቓዕና?
ነቲ እንመገቦ ይኹን ፡ ነቲ እንሰትዮ
ነቲ እንውፍዮ ይኹን ፡ ነቲ ነረስትዮ
ነቲ እንሓስቦ ይኹን፡ ነቲ እንረድዮ
ኩሉ ንኽብሪ ጐይታ ፡ ኢና እንፈድዮ።
እቲ ዝማሬ ዘለዎ ይኹን ፡ እቲ ምህሮ
ብልሳን ዝጽሊ ይኹን፡ ክንበ ዘህርሮ
ምልላይ መናፍስቲ፡ ብግቡእ ክምርምሮ
ጎይታ ዝጥቐመሉ፡ ክፍውሶ ክምሕሮ።
ጐይታ ይሓሪ፡ ነቲ ቓል ጥበብን ፍልጠትን ዘስንቖ
ንተርጓማይ’ውን ይመዝዝ፡ ከነጽር ንሰብ ዘጨንቖ
ነቲ ወናኒ እምነት የለሊ፡ እቲ’ኳ ኩነታቱ ዘይነጥቖ
ተኣምራቱ ንዘግህደሉ ኣገልጋሊ’ስ፡ የልቦን ዘይዕጥቖ ።
1ይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ቈረንቶስ
ጳውሎስ ክኣልዮም፡ ካብ ጐዛዛዪ ሕቶስ
ምትራኽ ክሓድጉ ጳውሎስ፡ ኬፋ ዶ ኣጵሎስ
‘ቲ ፈታኒ ኣእምሮኦም ወኒኑ ፡ መታን ከይብሕቶስ
መልእኽቱ ኣስሪጹ’ዩ፡ ሰይጣን ከይመጣጠሮስ።
ጳውሎስ መዓደ፡ ሰሚሮም ከውክኡ ሓደ ዘረባ
ኣንነትን ትዕቢትን ፡ ከይኖቕቶኦም ናብ ዛሬባ
ከለልዩ፡ ‘ታ ፍረ ከም ዘይትበልጽ ካብ ገረባ
ኣስተብሃለ፡ ቓል ጐይታ ኣብኣቶም ሰሪባ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ተመሃራዩ ቲቱስ
ከጋጥሞ ዝኽእል መስገደል፡ ኣሚቱስ
ሃቦ መልእኽቲ፡ ሳዕቤናቱ ገሚቱስ
ንብቕዓት ኤጶስቆጶሳት፡ ሚዛን ኣቐሚጡስ።
ክረቚሕ ጀመረ ፡ ጳውሎስ በብሓንቲ
ሰናይ ሕላገት፡ ኣብነታውያን መራሕቲ
ንኤጲስቆጶስ ዝበቕዕ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ
ቃሉን ተግባሩን መሳንይቲ፡ መዓልቲ ምስ ለይቲ።
የማነ ጸጋም ዘመዛዝን፡ ህዱእ ለባም
ልሳኑ ንኸየላግስ፡ ወትሩ ዝገብረሉ ልጓም
ዉርጹጽ ዘርብኡ፡ ዘየድልዮ ምድጋም
ዘረብኡ እሩም፡ ዘይዋጋእ ከም ዓጋም።
ትኩር፡ ከተንብህ ዘይስርነቕ፡ ጥንቑቕ
ርእሰ-ምግታእ ዘዘውትር፡ ጥቑብ፡ ዘይሕንቑቕ
ኣስተውዒሉ ዝመሚ፡ ንሓጥያት ዝብርቑቕ
ኣይሓብእን ፍልጠቱ፡ ዘይኮነ ዘርአ-ብቑቕ።
ዘየጓኒ ተቐባሊ ጋሻ፡ ልዳቱ ዘይዓጹ
ዘላቶ ዘማቕል፡ በቲ ፍሕሽው ገጹ
ዘየዋስን፡ ዘይሻሩ ምስ ክዳን ዘጻዕዱ
ንቕረብኡ ጠሚቱ፡ ንርሑቕ ዘማዕዱ ።
ዘይኮርዕ ዘይዕበ ዘይንየት ዋላ’ውን ዘይትዕነን
ደረት ዓቕሙ ዝሕንጽጽ፡ ዘይምካሕ ዘይእነን
ዓስብታት ብድዐን ትዕቢትን፡ ኣበይ ምስ ሰሓተን
ይፈልጠን’ዩ፡ መጣፍእቲ መሓዙት ዉድቀት ምዃነን።
ስስዐ ንዋይ ኮነ ፡ ነፍሰ-ፍትወት፡ ኣይምልከቶን
ዳንጋ ጐይታ ዓትዒቱስ፡ ድያብሎስ ኣይጐትቶን
ወዮ ተተሃንደደ ሰይጣን፡ ክድርብዮ ናብ እቶን
መጋርይኡ ተገልቢጣ ደኣ፡ ኣቃጸለቶን ኣሕረረቶን።
ኣብ ቓል ጐይታ ዝነብር፡ ዝፈልጥ ዘፍልጥ
ዘስተምህር፡ ልዙብ ኣላዪ ፡ ሓላዪ ዘይቕጥቕጥ
ብቓል ኣምላኽ ተሞኽልዩ፡ ዓለሙ ዘይምልጥጥ
ንትርጉም ጽሑፋቱ ዘየዘንብዕ፡ ዘይብሎ ምጥጥ።
ካብ ወይኒ ዝርሕቕ፡ ዘየብል ጐርዳዕ
መዓስ’ሞ ይስሕታ፡ መስተ ምዃና ከዳዕ
ካብ ዝርጋን ይእለ፡ ኣይናቱን ሸብዳዕዳዕ
ሰናይ ዓስቢ ካብኣ ዘይጽበ፥ እንትርፎ ምግዳዕ ።
ኩላቶም ኣመንቲ ዝደቑ፡ በገባብ ዘኽብርዎ
ሰብ ቐረባን ርሑቕን፡ ኣብ ሰፈሩ ዘንብርዎ
የግዳስ ኣይህመልን፡ በቶም ዝፍትኑ ክጥብርዎ
ኣንነት ብሰላሕታ ከየልግቡሉ፡ በቲ ዝገብርዎ
መን ከማይ ከየጥብቑሉ፡ በቲ ንኸንቱ ዝሰፍርዎ።
ዘይሕመ፡ መንቕብ ዜብሉ ዘይክሰስ
ተጻረርቱ ገበን ደልዮምሉ፥ እንተበሉ ሃሰስ
ኣበር መታን ክረኽቡሉ፡ እንተበሉ ጣሕሰስ
መፈንጠራኦም ተሳጊሩ፡ ይብል’ባ መሰስ።
ዘይቑጣዕ ቶግ ዘይብል፡ ከም እሳተ-ጐመራ
ንዝገንፈሉ ዘህድእ፡ ዘይኣቱ ኣብ ፍርዳዊ መርመራ
ኣይክልክሎምን’ዩ ኣይገብርሎምን ገርገራ
ኣየዋስኖምን፡ ይጽልየሎም ደኣ ክሰግሩ መግደራ።
ቕንዕና ዝሕላገቱ፥ ቕድስና ዝለበሰ
ቲ‘ሓላዪ፡ ንብዓት ብዙሓት ዝሓበሰ
እሙን ንጐይታ፡ ብስጋ ዘይበስበሰ
ርግጽ በገባብ ይግስጽ፡ ነቲ ዝኣበሰ።
ዉሉድ ኣምላኽ’ዩ፡ ዝምሰጥ ብጐይታ
ኣብነታዊ ኣገልጋሊ፡ ኣብ ጭቡጥ ኣብ ባይታ
ብትግሃት ዝልለ፡ ዘየመሳምስ ብመመኽነይታ
ንነብሱ ዘርሕቓ፡ ብናታን ዘይናታን ዘየነይታ
ንኹላቶም ደቒ-ማሕበሩ፡ ብሕልና ዘገልግል
ብዓለም ተሰኒፉ፡ ንፍትሒ ዘይሕምትል
ንጥቕሲ ኣጫሊዱ ፡ ዘይምንጥል ብቑንጽል
ምሉእ ስእሊ’ምበር፡ ዘየልዕሎ ብጫፉ ብንጽል ።
ንዝጠፍኦኦ ኣባጊዕ፡ ከይተሓለለ ዘናዲ
ምስኡ ንዘለዋ፡ ዝመርሐን መንገዲ
ዘዕቑብ፥ ኣብ ትሕቲ ናይ ጐይታ ዓንዲ
መታን ከይብተኻ፡ ካብቲ ናቱ ጉንዲ ።
ኤጲስ ቖጶስሲ’ሞ ምናልባሽ ፍጹም ዶ ይኸውን?
ኣይፋል! ፍጹምነት ብዘይ ጐይታ መን ይውንን?!
የግዳስ፡ ንጠንቐቐሉ፡ ንምስሊ ኣገልጋሊ ዘደውን
ኣብ ዘይወዓሎ ኣጸሊሙ፡ ዝጽንብር ማይን ሓውን።
ይሰኣን ‘ዶ ትብሉ ዝጥቕን ፡ ንሕሶት ዘካውን
ንቐደም 2-3 ሳምዕ ይመስክሩ፡ ነቲ ሓቒ ክውን
ከይንህወኽ ሓደራ፡ ከይነብሎ ነቲ ሓቂ ድብን
1ይ ጢሞቴዎስ 5:19 ንሃቦ ቐልብን ልብን።
ዕዙዝ ክብርን ሞሳን ንጐይታና ይብጸሓዮ!!
ቢንያም የማነ - ካብ ማህበር ሕብረት ክርስትያን ካልጋሪ - ካናዳ