1. መለኸት ኣብ ኣፍካ ግበር፣ ኪዳነይ ኣፍሪሶምሕገይ ከኣ ግሂሶም እዮም እሞ፣ ከም ንስሪ ኣብ ልዕሊ ቤት እግዚኣብሄር ኪወርድ እዩ።

2. ንሳቶም፡ ኣምላኸይ፡ ንሕና እስራኤል ንፈልጠካ ኢና፡ ኣናበሉ ናባይ ኬእውዩ እዮ።

3. እስራኤል ንሰናይ ደርብዩጸላኢ ኺሰጎ እዩ።

4. ነገስታት ኣንገሱ፣ ግናኸ ብኣይ ኣይኰነን፣ መሳፍንቲ ግበሩ፣ ኣነውን ኣትፈለጥኩን። ምእንቲ ኺጥርፍኡስ ብብሩሮምን ብወርቆምን ንርእሶም ጣኦታት ገብሩ

5. ሰማርያብተይካ ደርበየካቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኦም ነደደ፣ ክሳዕ መኣዝ እዮም ኪጸርዩ ዘይከኣሎም

6. እዚ ኸኣ ካብ እስራኤል እዩ፣ ንሱ ኣምላኽ ኣይኰነን፣ ሓደ ዓያዪ ዝገበሮ እዩ። ብተይ ሰማርያ ኺሰባበር እዩ።

7. ንፋስ ይዘርኡ አለዉ፡ ህቦብላ ኺዐጽዱ እዮም። ቃንጫ የብሉን፡ እቲ ብቋልያ ሓርጭ ኣየውጽእን። እንተ ኣውጽኤ እኳ፡ ጓኖት መወሐጥዎ

8. እስራኤል ተዋሕጠ። ሕጂ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ባህ ከም ዘየብል ኣቕሓ ዀኑ።

9. ከምቲ ንበይኑ ዚነብር ኣድጊ ኸደን ናብ ኣሶር ውጺኦም አለዉ። ኤፍሬም ብህያብ ፈተውቲ ገበረ

10. ንህዝብታት እኳ ህያብ እንተ ሀቡ፡ ኣነ ሎሚ ኽእክቦም እየ። ብጾር እቲ ንጉስ መሳፍንቲ ኸኣ ምውሓድ ኪጅምሩ እዮም።

11. ኤፍሬም ሓጢኣት ንምግባር መሰውኢታት ኣብዚሑ እዩ እሞ፣ እቲ መሰውኢታት ድማ ንሓጢኣት ኰኖ።

12. ኣእላፋት ሕገይ እኳ እንተ ጸሐፍኩሎምጓና ዀይኑ እዩ ዚቝጸር

13. መስዋእተይ የቕርቡ፣ ስጋ ይስውኡ እሞ ይበልዕዎእግዚኣብሄር ግና ኣይቅበሎምን። ሕጂ ንኣበሳኦም ኪዝክሮ ንሓጢኣቶም ከኣ ኪቐጽዖ እዩ። ንሳቶም ናብ ግብጺ ኺምለሱ እዮም።

14. እስራኤል ንፈጣሪኡ ረስዖ፡ ኣዳራሻት ሀነጸይሁዳ ኸኣ እተዐርደ ኸተማታት ኣብዝሔ። ኣነ ግና ናብ ከተማታቱ ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ንሱውን ንግምብታቱ ምዅ ኬብሎ እዩ።