1. እስራኤል ብዙሕ ዝጨናፍሩን ብዙሕ ፍረ ዚፈርን ወይኒ እዩ። ከም መጠን ምብዛሕ ፍሬኡ መሰውኢታት ኣብዝሔ፣ ከም መጠን ምጽባቕ ሃገሩ ሓውልትታት ኣጸበቐ።
2. ልቦም ተመቕለ፣ ሕጂ ገበነኛታት ኰይኖም ተረኽቡ። ንሱ ንመስውኢታቶም ይሰባብሮ፣ ንሓወልትታቶም ከኣ ሐሸምሸም የብሎ።
3. ኤረ ሕጅስ ንእግዚኣብሄር ኣይፈርህናዮን እሞ፣ ንጉስ የብልናን፣ ንጉስከ እንታይ ኪገብረልና እዩ፡ ይብሉ።
4. ዘረባ ይዛረቡ፡ ብሓሶት ይምሕሉ፡ ኪዳን ይኣትዉ፡ ስለዚ ፍርዲ ኸም መርዛም ሰዕሪ ኣብ ነግሒ ግራት ይበቍል።
5. እቶም ኣብ ሰማርያ ዚነብሩ ስለ እቲ ብተይ ቤት-ኣዌን ይፈርሁ። ክብረት ኻብኡ ስለ ዝኸደ፡ እቲ ህዝቢ ንእኡ ይሐዝነሉ፡ እቶም ካህናት ጣኦታት ድማ ስሊኡ የንቀጥቅጡ።
6. ንሱ እኳ፣ ንንጉስ ያሬብ ኪውሀብሲ፣ ናብ ኣሶር ይውሰድ። ኤፍሬም ይሐፍር፣ እስራኤል ከኣ ብምኽሩ ይሐንኽ።
7. ሰማርያ ምስ ንጉሳ ኸም ዓፍራ ኣብ ልዕሊ ማይ ትጠፍእ።
8. እቲ በረኽቲ ቦታ ኣዌን፣ ሓጠኣት እስራኤልውን፣ ይጠፍእ፣ ኣብ ልዕሊ መሰውኢኦም እሾዅን ተዀርባን ይበቍል። ንሳቶም ከኣ ነኽራን፣ ክደኑና፣ ንዅርባታት ድማ፣ ውደቑና፣ ይብልዎም።
9. ዎ እስራኤል፡ ካብ መዓልትታት ጊብዓ ጀሚርካ ሓጢኣት ገብርካ፡ ንሳቶም ኣብኡ ቘሙ፡ እቲ ኣብ ደቂ ኣበሳ ዝዀነ ውግእ ኣብ ጊብዓ ኣይረኽቦምን እዩ።
10. ከም ፍቓደይ ክቐጽዖም እየ፡ ኣብቲ ኽልተ ሓጢኣቶም ምስ ተኣስሩ፡ ህዝብታት ንጕድኣቶም ኪእክቡ እዮም።
11. ኤፍሬም መኼዳ ዝለመደት እሞ መኼዳ እትፈቱ ኣርሒ እዩ፣ ኣነ ግና በቲ ጽቡቕ ክሳዳ ሐከፍኩ። ንኤፍሬም ክጸምዶ እየ፣ ይሁዳ ኺሐርስ፣ ያእቆብውን ኪጕልጕል እዩ።
12. ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ጽድቂ ኸኣ ክሳዕ ዜዝንመልኩምሲ፡ ንእግዚኣብሄር እትደልዩሉ ጊዜ እዩ እሞ፡ ንኣካትኩም ብጽድቂ ዝርኡ፡ ከም መጠን ምሕረቱ ኸኣ ዕጸዱ፡ ሓድሽ ጽግኢውን ጽግኡ።
13. ንስኻ ብመገድኻ፡ ብብዝሒ ጀጋኑኻ ተአሚንካ ኢኻ እሞ፡ ረሲእነት ሓረስኩም፡ ኣበሳ ዐጸድኩም፡ ፍረ ሓሶት በላዕኩም።
14. ከምቲ ብመዕልቲ ውግእ እታ ኣደ ምስ ደቃ ኽትጭፍለቕ ከላ፡ ሳልማን ብቤት-ኣርብኤል ዘጥፍኣ፡ ኣብ ማእከል ህዝብኻ ታዕታዕ ኩለዐል፡ ኵሉ ዕርድታትካውን ኪፈርስ እዩ።
15. ብሰሪ ሕሰም ክፍኣትኩም ቤት-ኤል ከምኡ ይገብረኩም፣ ምድሪ ኽወግሕ ከሎ ድማ፣ ንጉስ እስራኤል ጥራስ ይተፍእ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...