1. ኣብ ሚጽጳ መንፈጠራ፣ ኣብ ታቦር ከኣ እተዘርግሔት መርበብ ስለ ዝዀንኩም፣ ፍርዲ ኣባኻትኩም እዩ እሞ፣ ኣቱም ካህናት፣ እዚ ስምዑ፣ ኣቱም ቤት እስራኤልኣድህቡ፣ ኣቱም ቤት ንጉስጽን በሉ።

2. እቶም ዓለወኛታት ኣብዚሖም ይሐርዱ፣ ኣነ ግና ነዚኣቶም ኵሎም ክቐጾኦም እየ።

3. ኣታ ኤፍሬም፣ ንስኻ ሕጂ መንዚርካእስራኤል ድማ ረኺሱ እዩ እሞ፣ ኣነ ንኤፍሬም እፈልጦ እየ፣ እስራኤልውን ኣይተሰወረንን

4. መንፈስ ምንዝርና ኣብ ውሽጦም አሎ፣ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፣ ናብ ኣምላኮም ከይምለሱስ ግብሮም ይኸልኦም

5. ትዕቢት እስራኤል ኣብ ገጹ ይምስኽርእስራኤልን ኤፍሬምን ከኣ ብኣበሳኦም ይወድቁ፣ ይሁዳውን ምስኦም ይወድቕ

6. ኣባጊዖምን ከብቶምን ሒዞም ንእግዚኣብሄር ኪደልይዎ ይኸዱ፣ ግናከ ኣይረክብዎን፣ ንሱስ ካብኦም ርሑቑ እዩ።

7. ድቓላታት ደቂ ስለ ዝወለዱ ንእግዚኣብሄር ጠለሙ። ሕጂ ድማ ሰርቂ ወርሑ ምስ ርስቶም ኪውሕጦም እዩ።

8. ኣብ ጊብዓ ቐርኒ፣ ኣብ ራማ ኸኣ መለኸት ንፍሑ፣ ናብ ቤት-ኣዌን ድማ፣ ኣታ ብንያም፣ ኣብ ድሕሬኻ፣ ኢልኩም ኣእውዩ

9. ኤፍሬም ብመዓልቲ ቕጽዓት ኪባድም እዩ፣ ኣነ ኣብ ነገድ እስራኤል ርግጽ ነገር ኣፍለጥኩ

10. ሓላቑ ይሁዳ ኸምቶም ዶብ ዚደፍኡ እዮም፣ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኦም ከም ማይ ክኽዑ እየ።

11. ኤፍሬም ደድሕሪ ትእዛዝ ምካድ ፈትዩ እዩ እሞ፡ ግፉኦብፍርዲ ኸኣ ውጹዕ እዩ።

12. ስለዚ ኣነ ንኤፍሬም ከም ነቐዝንቤት ይሁዳ ኸኣ ከም ቍንቍነ እየ።

13. ኤፍሬም ህማሙይሁዳ ኸኣ ቍስሉ ምስ ረአየ፣ ኤፍሬም ናብ ኣሶር ከደ፣ ናብ ንጉስ ያሬብ ድማ ለኣኸ፣ ግናኸ ኬጥዕየኩም ኣይከኣሎን፣ ካብ ቍስልኹም ከኣ ኣይኬሕውየኩምን እዩ።

14. ኣነ ንኤፍሬም ከም ኣንበሳንቤት ይሁዳ ኸኣ ከም ሽደን ኣንበሳ ክኰኖም እየ። ኣነ፣ እወ ኣነ ዘሪፈ ክኸይድ እየ፣ ክወስድ እየ፣ ዜድሕን ድማ የልቦን።

15. በደሎም ክሳዕ ዚፈልጡ ገጸይ ከኣ ክሳኦ ዚደልዩ፣ ኣነ ክኸይድ ናብ ቦታይውን ክምለስ እየ። ምስ ጸበቦም ኣንጊሆም ኪደልዩኒ እዮም።