1. ኣብ ሚጽጳ መንፈጠራ፣ ኣብ ታቦር ከኣ እተዘርግሔት መርበብ ስለ ዝዀንኩም፣ ፍርዲ ኣባኻትኩም እዩ እሞ፣ ኣቱም ካህናት፣ እዚ ስምዑ፣ ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ኣድህቡ፣ ኣቱም ቤት ንጉስ፣ ጽን በሉ።
2. እቶም ዓለወኛታት ኣብዚሖም ይሐርዱ፣ ኣነ ግና ነዚኣቶም ኵሎም ክቐጾኦም እየ።
3. ኣታ ኤፍሬም፣ ንስኻ ሕጂ መንዚርካ፣ እስራኤል ድማ ረኺሱ እዩ እሞ፣ ኣነ ንኤፍሬም እፈልጦ እየ፣ እስራኤልውን ኣይተሰወረንን።
4. መንፈስ ምንዝርና ኣብ ውሽጦም አሎ፣ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፣ ናብ ኣምላኮም ከይምለሱስ ግብሮም ይኸልኦም።
5. ትዕቢት እስራኤል ኣብ ገጹ ይምስኽር። እስራኤልን ኤፍሬምን ከኣ ብኣበሳኦም ይወድቁ፣ ይሁዳውን ምስኦም ይወድቕ።
6. ኣባጊዖምን ከብቶምን ሒዞም ንእግዚኣብሄር ኪደልይዎ ይኸዱ፣ ግናከ ኣይረክብዎን፣ ንሱስ ካብኦም ርሑቑ እዩ።
7. ድቓላታት ደቂ ስለ ዝወለዱ ንእግዚኣብሄር ጠለሙ። ሕጂ ድማ ሰርቂ ወርሑ ምስ ርስቶም ኪውሕጦም እዩ።
8. ኣብ ጊብዓ ቐርኒ፣ ኣብ ራማ ኸኣ መለኸት ንፍሑ፣ ናብ ቤት-ኣዌን ድማ፣ ኣታ ብንያም፣ ኣብ ድሕሬኻ፣ ኢልኩም ኣእውዩ።
9. ኤፍሬም ብመዓልቲ ቕጽዓት ኪባድም እዩ፣ ኣነ ኣብ ነገድ እስራኤል ርግጽ ነገር ኣፍለጥኩ።
10. ሓላቑ ይሁዳ ኸምቶም ዶብ ዚደፍኡ እዮም፣ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኦም ከም ማይ ክኽዑ እየ።
11. ኤፍሬም ደድሕሪ ትእዛዝ ምካድ ፈትዩ እዩ እሞ፡ ግፉኦ፡ ብፍርዲ ኸኣ ውጹዕ እዩ።
12. ስለዚ ኣነ ንኤፍሬም ከም ነቐዝ፣ ንቤት ይሁዳ ኸኣ ከም ቍንቍነ እየ።
13. ኤፍሬም ህማሙ፣ ይሁዳ ኸኣ ቍስሉ ምስ ረአየ፣ ኤፍሬም ናብ ኣሶር ከደ፣ ናብ ንጉስ ያሬብ ድማ ለኣኸ፣ ግናኸ ኬጥዕየኩም ኣይከኣሎን፣ ካብ ቍስልኹም ከኣ ኣይኬሕውየኩምን እዩ።
14. ኣነ ንኤፍሬም ከም ኣንበሳ፣ ንቤት ይሁዳ ኸኣ ከም ሽደን ኣንበሳ ክኰኖም እየ። ኣነ፣ እወ ኣነ ዘሪፈ ክኸይድ እየ፣ ክወስድ እየ፣ ዜድሕን ድማ የልቦን።
15. በደሎም ክሳዕ ዚፈልጡ ገጸይ ከኣ ክሳኦ ዚደልዩ፣ ኣነ ክኸይድ ናብ ቦታይውን ክምለስ እየ። ምስ ጸበቦም ኣንጊሆም ኪደልዩኒ እዮም።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...