1. ኤፍሬም ንፋስ ይምገብ፣ ደድሕሪ ንፋስ ምብራቕ ከኣ ይስዕብ፣ ኵሉ መዓልቲ ሓሶትን ዓመጻን የብዝሕ፣ ምስ ኣሶር ኪዳን ይኣትዉ፣ ናብ ግብጺውን ዘይቲ ይወስዱ

2. እግዚኣብሄርሲ ምስ ይሁዳውን ነገር አለዎ፣ ንያእቆብ ከኣ ከም መጠን መገዱ ኪቐጽዖ፣ ከም መጠን ግብሩ ድማ ኪፈድዮ እዩ።

3. ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ኸሎ ንሓዉ ብዅርዅሪኡ ሐዞ፡ ብምብርታዑ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ተቓለሰ

4. ምስ መልኣኽ ተቓለሰ እሞ ኣሰነፈበኸየለመኖ ኸኣ፣ ኣብ ቤት-ኤል ረኸቦ፣ ኣብኡውን ተዛረበና

5. ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፣ ስም መዘከርታኡ ድማ እግዚኣብሄር እዩ።

6. እምበኣርሲ ናብ ኣምላኽካ ተመለስምሕረትን ፍርድን ሐሉኵሉ ጊዜ ብኣምላኽካ ተስፋ ግበር።

7. ከንኣናዊ እዩ፣ ኣብ ኢዱ ሓሳዊ ሚዛን አለዎ፣ ምጥዋይ ይፈቱ

8. ኤፍሬም ከኣ፣ ኣነ ሀብተምኩገንዘብ ኣጥሬኹ፣ ኣብ ኵሉ ጻዕረይ ሓጢኣት ዚኸውን ኣበሳ ኣይርከበንንበለ

9. ኣነ ኻብ ሃገር ግብጺ ጀሚረ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ፣ ከምቲ ብመዓልቲ በዓል ከም ብሓድሽ ኣብ ድንኳናት ከንብረካ እየ።

10. ንነብያት ከኣ ተዛረብኩራእይ ድማ ኣብዛሕኩብነብያት ገይረ ምስላታት ነገርኩ።

11. ጊልዓድ ዓመጻ እንተ ዀነ፣ ከንቱነት ጥራይ እዮም። ኣብ ጊልጋል ዝራብዓት ይስውኡመሰውኢታቶም ከኣ ኣብ ነግሒ ግራት ከም እተዀመረ ኣእማን ኪኸውን እዩ።

12. ያእቆብ ናብ ሃገር ኣራም ሀደመእስራኤል ድማ ምእንቲ ሰበይቲ ተገዝኤ፣ ምእንቲ ሰበይቲ ኸኣ ጓሳ ዀነ።

13. ግናኸ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ብኢድ ነብዪ ካብ ግብጺ ኣውጽኦ፣ ብኢድ ነብዪ ኸኣ ሓለዎ

14. ኤፍሬም ኣምሪሩ ኣቘጥዖ፣ ስለዚ ጐይታኡ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ ኼውርደሉጸርፉውን ኣብ ልዕሊኡ ኪመልሰሉ እዩ።