1. ኤፍሬም ምስ ዚዛረብስምባድ ይኸውን ነበረ። ንሱ ኣብ እስራኤል ልዕል በለ፣ ንበዓል ብምግልጋሉ ምስ በደለ ግና ሞተ

2. ሕጂ ኸኣ እናወሰኹ ሓጢኣት ይገብሩ አለዉ። ንሳቶም ንርእሶም ከም ምስትውዓሎም ገይሮም ጣኦታትብብሩሮም ፍሱስ ምስልታት፣ ይገብሩ አለዉ፣ ኵሎም ዕዮ ብልሓተኛታት እዮም። ብዛዕባኦም ከኣ፣ እቶም ዚስውኡ ሰባት ነቶም ብተያት ይሳለምዎምይብሉ

3. ስለዚ ንሳቶም ከም ደበና ብጊሓት፣ ከምቲ ኣንጊሁ ዚዘፍፍ ኣውሊ፣ ከምቲ ካብ ዓውዲ ብንፋስ ዚብተን ብቝቡቝ፣ ከምቲ ብመስኰት ዚወጽእ ትኪ ይዀኑ።

4. ግናኸ ኣነ ካብ ሃገር ግብጺ ጀሚረ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ፣ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይትፈልጥን ኢኻ፣ ብጀካይ ድማ መድሓኒ የልቦን።

5. ኣነ ኣብ ምድሪ በዳ፣ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ፈለጥኩኻ

6. ብመጠን መጓሰዪኦም ጸገቡ፣ ጸገቡ እሞ ልቦም ተዐበየ፣ ስለዚ ረስዑኒ

7. ኣነ ድማ ከም ኣንበሳ ዀንክዎም፣ ከም ነብሪ ኸኣ ኣብ መግዲ ኤድቢ አሎኹ።

8. ኰረኵራ ኸም ዘግደፍዋ ድቢ ዀይነ ህሩጕ እብሎም፣ ነቲ መሸፈኒ ልቦም ከኣ እቐዶ፣ ኣብኡ ድማ ከም ቃዕሮ እውህጦምኣራዊት በረኻውን ይሰላልዕዎም

9. እስራኤል፣ ንኣይ ንሓገዝካ ምጽራርካስ ጥፍኣትካ እዩ።

10. ንጉስካ ኣብ ኵለን ከተማታትካ ኼድሕነካስ ኣበይ አሎ፡ እቶም ብዛዕባኦም፣ ንጉስን መሳፍትን ሀበኒዝበልካሎም ፈራዶኻኸ ኣበይ አለዉ፡

11. ብዅራይ ንጉስ ሀብኩኻብቝጥዓይ ድማ ክስዕሮ እየ።

12. ኣበሳ ኤፍሬም ተጠሚሩሓጢኣቱ ተነቢሩ አሎ።

13. ከም እትሐርስ ሰበይቲ ቕልውላው ይመጾ፣ ጊዜ ምስ በጽሔ፣ ንምላድ ኣይቀርብን እዩ እሞ፣ ዘይለባም ወዲ እዩ።

14. ካብ ኢድ ሲኦል ኤድሕኖም፣ ካብ ሞት እብጀዎም። ኣታ ሞትፌራኻ ኣበይ አሎ፡ ኣታ ሲኦልጥፍኣትካ ኣበይ አሎ፡ ጣዕሳ ካብ ኣዒንተይ ተሐብኤት

15. ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ፍረ ይፈሪንፋስ ምብራቕ፡ እቲ ካብ ምድረ በዳ ዚወጽእ ንፋስ እግዚኣብሄር ይመጽእዓይኒ ማያቱ ኸኣ ይነቅጽወሓዚታቱውን ይነጽፍ፡ ዕቋሩን ኵሉ ኽቡር ኣቓሑኡን ንሱ ይዘምቶ

16. ሰማርያ ኻብ ኣምላኽ ኽዲዓ እያ እሞ፣ ብበደላ ትቕጻዕ፣ ብሰይፊ ይወድቁሕጻናቶም ይጭፍለቑ፣ ጥኑሳት ኣንስቶም ከኣ ይቕደዳ