1. ደጊም ነቲ ቐዳማይ ኪዳን ድማ ነገልግሎት እግዚኣብሄርን ንምድራዊ መቕደስን ሕጋጋት ነይርዎ።

2. ድንኳን ተተኺሉ ነበረ እሞ፡ ኣብታ ቕድም እትርከብቅድስቲእትብሀል ክፍሊ ቐንዴል ሰደቓን እንጌራታት ምርኣይን ነበራ።

3. ብኽንየው እቲ ኻልኣይ መጋረጃ ግና ኣብቲ ድንኳንቅድስተ ቅዱሳንእትብሀል ነበረት፡

4. ኣብኣ ጽንሃን ወርቅን ብዅሉ ወገኑ ብወርቂ እተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነበረ እሞ፡ ንሱ ነተን ማና ዝሐዘት ፍዮ ወርቅን ዝጠጥዔት ዘንጊ ኣሮንን ጽላት ኪዳንን ዚሕዝ ነበረ፡

5. ኣብ ልዕሊኡ ድማ ነቲ መንበር ጸጋ ዜጽልሉ ናይ ክብሪ ኪሩቤል ነበሩ። ብዛዕባዚ ሕጂ በብናቱ ኽንዛረበሉ ዘይኰነልና እዩ።

6. እዚ ኸምዚ ዀይኑ ምስ ተዳለወ፡ እቶም ካህናት ኵሉ ሳዕ ኣብቲ ናይ ቅድሚት ድንኳንኣገልግሎቶም ኬብጽሑይኣትዉ እዮም።

7. ኣብቲ ኻልኣይ ግና እቲ ሊቀ ኻህናት በይኑ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ይኣቱ፡ ግናኸ ብዘይ እቲ ምእንቲ ርእሱን ምእንቲ ስሕተት ህዝብን ዜቕርቦ ደም ኣይኣቱን እዩ።

8. እቲ ቐዳማይ ድንኳን ገና ቘይሙ ኸሎ፡ እቲ ናብታ መቕደስ ዜእቱ መገዲ ገና ኸም ዘይተገልጾ፡ መንፈስ ቅዱስ በዚ የርኢ አሎ።

9. ንሱ ነዚ ሎሚ ዘሎ ዘመን ምሳሌ እዩ፡ ከምኡ ገይሮም ነቲ ኣገልጋሊ መቕደስ ብሕሊናኡ ፍጹም ኪገብሮ ዘይከአሎ መባእን መስዋእትን የቕርቡ አለዉ።

10. እዚ ምስ መባእን መስቴታትን በብዓይነቱ ምሕጻብን፡ እቲ ዘመን ምቕናዕ ክሳዕ ዚበጽሕ፡ ስጋዊ ስርዓት ጥራይ እዩ።

11. ክርስቶስ ግና ናይቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ሊቀ ካህናት ኰይኑ ምስ መጸ፡ በቲ ብሉጽን ፍጹምን ብኢድ ዘይተገብረ፡ ማለት ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኰነ ድንኳን

12. ብደም ድቤላታትን ምራኹትን ዘይኰነስ፡ ብደም ርእሱ ናይ ዘለኣለም ምድሓን ረኺቡ ሓደ ጊዜ ናብቲ መቕደስ አተወ

13. ስለዚ ደም ድቤላታትን ኣራውሕን ሓመዅስቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረከሱ ተነጺጉ ንምጽራይ ስጋ ዚቕደስ ካብ ኰነስ፡

14. ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስካትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ

15. በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ኪዳን እተገብረ ኣበሳ ንምድሓን ዚኸውን ሞት ምስ ኰነ፡ እቶም ጽዉዓት ነታ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሉ፡ ንሱ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን ዝዀነ።

16. ለበዋ ኣብ ዘለዎስ ሞት እቲ እተላበወ ኪኸውን ናይ ግዲ እዩ እሞ፡

17. ለበዋስ ድሕሪ ሞት እዩ ዚጸንዕ እምበርእቲ እተላበወ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ ገለ እኳ ዜስልጥ የብሉን

18. ስለዚ እቲ ቐዳማይ ኪዳን እኳ ብዘይ ደም ኣይተቐደሰን

19-20. ማለት፡ ሙሴ ኸምቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ገይሩ እቲ ትእዛዛት ዘበለ ንዅሉ ህዝቢ ምስ ነገሮደም ምራኹትን ድቤላታትን ምስ ማይን ቀይሕ ጸጕርን ስምዕዛን ወሲዱኣምላኽ ንኣኻትኩም ዝኣዘዞ ደም ኪዳን እዚ እዩ፡ ኢሉ፡ ኣብቲ መጽሓፍን ኣብ ኵሉ እቲ ህዝብን ነጸጎ

21. ከምኡ ድማ ነቲ ድንኳንን ንዅሉ እቲ ናይ ምግልጋል ኣቓሑን ደም ነጸገሉ

22. ከምቲ ሕጊ ኣስታት ኵሉ ብደም እዩ ዚጸሪብዘይ ምፍሳስ ደምውን ይቕሬታ ኣይከውንን እዩ።

23. እምበኣርሲ ምስሊ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ነገር በዚ ኺጸሪ፡ እቲ ሰማያዊ ንርእሱ ግና ካብዚ ብዝሔሸ መስዋእቲ ኺጸሪ ናይ ግዲ ነበረ።

24. ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪረአየልና ናብኡ ናብታ ሰማይ ኣተወ እምበር፡ ኣብቲ ምስሊ ሓቂ፡ ኣብታ ብኢድ እተገብረት መቕደስ ኣይኰነን ዝአተወ

25. ከምቲ ሊቀ ኻህናት በብዓመት ብደም ካልእ ናብ መቕደስ ዚኣቱ፡ ንሱ ብዙሕ ሳዕ ርእሱ ኺስውእ ኣይአተወን

26. ብዘይ እዝስ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ብዙሕ ሳዕ መከራ ኺጸግብ ምተገብኦ ነይሩ፡ ሕጂ ግና ብመስዋእቲ ርእሱ ንሓጢኣት ኪስዕር ኢሉ እዩ ኣብ መወዳእታ ዘመናት ሓደ ግዜ እተገልጸ

27. ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሩኡውን ፍርዲ እተሰርዖ

28. ከምኡ ኸኣ እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ኬርሕቕ ኢሉ ሓንሳእ እተሰውኤ ክርስቶስ ንምድሓን እቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ኪግለጽ እዩ።