1. ስለዚ ምእንቲ ኸይንጠፍእ፡ ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ።

2. እቲ ብመላእኽቲ እተነግረ ቓል ካብ ዚጸንዕ፡ ኵሉ በደልን ዘይምእዛዝን ከኣ ቅኑዕ ፍዳኡ ኻብ ዚቕበል

3-4. ምስናይዚ ድማ፡ ኣምላኽ ከም ፍቓዱ ብትእምርትን ብተኣምራትን በበይኑ ብዝዀነ ሓይልታትን ብምዕዳል መንፈስ ቅዱስን እናመስከረ፡ ንሱ ኸኣ ብጐይታ ኺንገር ዝጀመረ፡ ካብቶም ዝሰምዕዎ ኸኣ ኣባና ዝጸንዔስ፡ ንሕና ግዳ ኽንድዚ ዚኣክል ምድሓን ዕሽሽ ካብ እንብል፡ ከመይ ጌርና ኽንመልቝ ይከአለና

5. ነታ ብዛዕባኣ እንዛረብ ዘሎና እትመጽእ ዓለምሲ ኣብ ትሕቲ መላእኽቲ ኣየግዝኣን

6. ግናኸ ሓደስ እኳ ኣብ ሓደ ስፍራ መስኪሩ አሎ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ሰብ፡ ንስኻ ኽትዝክሮ፡ እንታይ እዩ፧ ወይስ ወዲ ሰብ፡ ንስኻ ክትኣልዮ፡ እንታይ እዩ፧

7. ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮኣኽሊል ክብርን ግርማን ከለልካዮ፡ ኣብ ግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ሸምካዮ

8. ንዅሉውን ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዛእካዮ። ንዅሉ ኼግዝኣሉ ኸሎ፡ ንእኡ ዘይግዝኦ ሓንቲ እኳ ኣይሐደገን። ግናኸ ኵሉ ኸም ዚገዝኦ፡ ንሕና ግና ሎሚ ኣይንርእዮን ኢና ዘሎና።

9. ነቲ ብምኽንያት ስቅያት ሞቱ ኻብ መላእኽቲ ገለ ቕሩብ እተታሕተ የሱስ ግና፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዅሉ ሰብ ሞት ምእንቲ ኺጥዕምሲኣኽሊል ክብርን ግርማን ተኸሊሉ ንርእዮ አሎና።

10. እቲ ዅሉ ምእንታኡ ዅሉውን ብእኡ ዝዀነ፡ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ እናእተዎምነቲ ራእሲ ምድሓኖም ብስቅያት ኪፍጽሞ ተገብኦ

11-12. ማለት፡ እቲ ዚቕድስን እቶም ዚቕደሱን ኵላቶም ካብ ሓደ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮም፡ ኣብ ማእከል ማሕበርውን ክዝምረልካ እየ፡ ኢሉ ኣሕዋተይ ንምባሎም ኣይሐፍርን እዩ

13. ደጊሙ ኸኣ፡ ኣነ ኣብኡ ኽውከል እየ፡ ከም ብሓድሽውንእኔኹ፡ ኣነን እቶም ኣምላኽ ዝሃበኒ ውሉድን፡ ይብል።

14-16. እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዓርንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም።

17. ስለዚ ነቲ ሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኼተዓርቕ፡ ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ብዅሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኺመስሎም ተገብኦ

18. ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ ተሰቅዩ እዩ እሞ፡ ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይከአሎ እዩ።