1-2. ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ ዘሎኩም ቅዱሳን ኣሕዋተይከምቲ ሙሴ ድማ ኣብ ኵላ ቤቱ እሙን ዝነበረ፡ ናብቲ ነቲ ዝሸሞ እሙን ዝዀነ የሱስናይ ምእማንና ሃዋርያን ሊቀ ኻህናትን ኣቕልቡ

3. ከምቲ እቲ ሰራሕ ቤት ካብታ ቤት ዚበልጽ ክብሪ ዘለዎ፡ ንእኡ ኸኣ ካብ ሙሴ ዚበልጽ ክብሪ ተገቢእዎ አሎ።

4. ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ አለዋ፡ እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ።

5. ሙሴስ ብዛዕባ እቲ ደሓር ኪንገር ዘለዎ ነገር ምስክር ምእንቲ ኪኸውንከም ጊልያ ዀይኑ ኣብ ኵላ ቤቱ እሙን ነበረ፡

6. ክርስቶስ ግና ከም ውሉድ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እዩ። ትብዓትናን ትምክሕቲ ተስፋናን ክሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሐዝናስቤቱ ንሕና ኢና

7. ምእንትዚ መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብልሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም

8. ከምቲ ብነድሪ በታ መዓልቲ ፈተና ኣብ በረኻ ዝገበርኩምዎ፡ ልብኹም ኣይተትርሩ

9. ኣብኡ ኣቦታትኩም እናተዓዘቡ ፈተኑኒግብረይ ከኣ ኣርብዓ ዓመት ረኣዩ

10. ስለዚ ነዚ ወለዶ እዚ ዀሬኹሉ እሞ፡ ኵሉ ሳዕ ብልቦም ይስሕቱመገደይ ግና ኣይፈለጥዎንበልኩ

11. ብቝጥዓይ ድማናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ ኢለ መሐልኩ

12-13. ኣቱም ኣሕዋተየሎሚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዓዱ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናዓሸዎ ኸይተርር እሞ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህሉተጠንቀቑ

14. ነታ መጀመርታ እሙንቶና ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሓዝናያስተማቐልቲ ክርስቶስ ኴንና አሎና።

15. ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩምከምቲ ብነድሪ ልብኹም ኣይተትርሩእናተባህለ

16. ሰሚዖም ዘነደርዎኸ ኣየኖት እዮም፧ እቶም ሙሴ መሪሕዎም ካብ ግብጺ ዝወጹ ዅላቶም ደይኰኑን

17. ንንመንከ እዩ ኣርብዓ ዓመት ዝዀረየሎምነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ ሬሳኦም ኣብ በረኻ ዝወደቐ ደይኰነን፧

18. ንንመንከ እዩ ኣብ ዕረፍቱ ኸይኣትዉ ዝመሐለ፧ ነቶም ዘይተኣዘዙ ደይኰነን፧

19. ብሰሪ ዘይምእማን ኪኣትዉ ኸም ዘይከኣሉውንንርኢ አሎና።