1-2. ስለዚ ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ ሐዲግናብንስሓ ኻብ ምዉት ግብሪብእምነት ብኣምላኽብትምህርቲ ጥምቀትብምንባር ኣእዳውብትንሳኤ ምዉታት፡ ብናይ ዘለኣለም ፍርዲውን ከም ብሓድሽ መሰረት ኣይንሰርት እሞ ናብ ፍጻሜ ንሕለፍ።

3. ኣምላኽ እንተ ፈቐዶስ፡ ነዚ ድማ ክንገብሮ ኢና።

4. ነቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን ዝበርሃሎም እቲ ሰማያዊ ውህበት ከኣ ዝጠዓሙተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስውን ዝዀኑ

5. እቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽን ሓይሊ እታ እትመጽእ ዓለምን ከኣ ዝጠዓሙ

6. እንተ ወደቑንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዚሰቕልዎ ብግሁዶውን ዜላግጹሉ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ብሓድሽ ንንስሓ ኺሕደሱ ኣይከአሎምን እዩ።

7. እታ ብዙሕ ጊዜ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናብ ዝሰተየት ምድሪ ነቶም ብዛዕባኦም ዚሐርስዋ ዚጠቅም ፍረ እንተ ሃበቶም፡ ካብ ኣምላኽ በረኸት ትረኽብ እያ።

8. እሾዅን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፡ ንቅፍትን ጥቓ መርገምን እያ፡ መወዳእታኣውን ምንዳድ እዩ

9-10. ኣቱም ፍቁራተይኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን እሞ፡ ብኣኻትኩምሲ፡ ከምዚ እኳ እንተ ተዛረብናዚሐይሽን ንምድሓን ብዚኸውንን ንእመን አሎና።

11-12. ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፡ ድንዙዛት ከይትዀኑስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚ ትግሃት እዚ ኼርኢንደሊ አሎና።

13-14. ኣምላኽ ንኣብርሃም ተስፋ ኺህቦ ኸሎ፡ ዚምሕለሉ ኻብኡ ዚዓቢ ስለ ዘይተረኽበብሓቂ እናባረኽኩ ኽባርኸካእናብዛሕኩ ኸብዝሓካን እየ፡ ኢሉ ብርእሱ መሐለ

15. ከምኡ ኸኣ ብትዕግስቲ ተጸበየ ነታ ተስፋ ረኸባ

16. ሰባት በቲ ኻብኦም ዚዓቢ እዮም ዚምሕሉ እሞ፡ እቲ ማሕላ ኸኣ መጽንዒ ስለ ዝዀነንዅሉ ምጕቶም ይውድአሎም እዩ።

17. ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ፡ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ኣዝዮ ኼርእዮም ምስ ደለየብማሕላ ኣብ መንጎ አተወ

18. በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይከኣል ክልተ ዘይልወጣ ነገር ጌርና፡ ንሕና ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሃዲምና ዝወጻእና፡ ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና።

19-20. ንሳ ድማ ከም መልህቅ ነፍሲድልድልትን ጽንዕትን እያ እሞ፡ ናብቲ የሱስ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኸም መራሒ ምእንታና ዝኣተዎ ውሽጢ እቲ መጋረጃ እተእትወና ተስፋ አላትና።