1. እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ

2. ብእኣ እዩ ነቶም ዓበይቲ እተመስከረሎም

3. ዓለም ብቓል ኣምላኽ ከም እተፈጥረትከምኡውን እቲ ዚርኤ ኻብ ዘይርኤ ኸም ዝዀነብእምነት ነስተውዕሎ አሎና።

4. ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበኣምላኽ ብናይ መባኡ ኺምስክረሉ ኸሎ፡ ጻድቕ ምዃኑ ብእኣ ተመስከረሉብምዉቱ ኸኣ ገና ብእኣ ገይሩ ይዛረብ አሎ።

5. ሄኖክሞት ምእንቲ ኸይርኢብእምነት ገዓዘቅድሚ ምግዓዙ ንኣምላኽ ከም ዘስመረተመስኪሩሉ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ስለ ዘግዓዞኣይተረኽበን

6. ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ።

7. ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረአየ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወብእኣ ገይሩ ንዓለም ኰነናነቲ ብእምነት ዝርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀነ

8. ኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዔኤብእምነት ተኣዘዘናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ

9-10. ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣንመሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።

11. ሳራ እኳ ጊዜኣ ምስ ሐለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረአየቶዘርኢ ንምትካል ብእምነት ሓይሊ ረኸበት

12. ስለዚ ድማ ካብ ሓደ፡ ንሱውን ከም ምዉት ክነሱስ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ዘይቝጸር ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ዝምብዛሖም ተወልዱ።

13. እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑብእምነት ሞቱ

14. እቶም ከምዚ ዚብሉ ኸኣ ሃገሮም ከም ዚደልዩየርእዩ አለዉ።

15. ነታ ዝወጹላ ሃገር ሐሲቦም እንተ ዝዀኑስኪምለሱ ጊዜ ነይርዎም

16. ሕጂ ግና እትሐይሽ፡ ማለት ሰማያዊትይናፍቑ አለዉ፡ ስለዚ ድማ ኣምላኽከተማ ኣዳሊውሎም አሎ እሞ፡ ኣምላኾም ኪብሃል ብኣታቶም ኣይሐፍርን እዩ።

17-18. ኣብርሃም ምስ ተፈተነብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ። እቲ ተስፋ እተቐበለ ነቲ፡ ብይስሃቅ ዘርኢ ኺጽወዓልካ እዩ፡ ተብሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮ

19. ኣምላኽ ካብ ምዉታት ድማ ኬተንስኦ ኸም ዚከአሎ ሐሲቡ፡ ካብኡውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦ

20. ይስሃቅ ብናይቲ ዚመጽእ ነገር ንያእቆብን ንኤሳውን ብእምነት ባረኾም።

21. ያእቆብ ኪመውት ከሎ፡ ንደቂ ዮሴፍ ንነፍሲ ወከፎም ብእምነት መረቖም፡ ኣብ ኣንፊ በትሩ ተመርኵሱ ኸኣ ሰገደ

22. ዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ ብዛዕባ ምውጻእ ደቂ እስራኤል ብእምነት ኣዘከረብዛዕባ ኣዕጽምቱውን ትእዛዝ ሃበ።

23. ሙሴ ምስ ተወልደወለዱ ጽቡቕ ሕጻን ምዃኑ ርእዮምብእምነት ሰለስተ ወርሒ ሐብእዎኣዋጅ እቲ ንጉስውን ኣይፈርሁን

24. ሙሴ ምስ ዓበየወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃልብእምነት ኣበየ እሞ፡

25. ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ

26. ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮ

27. ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዓጊሱ ጸንዔ እሞ፡ ነቲ ዅራ ንጉስ ከይፈርሄብእምነት ንግብጺ ሐደጋ

28. እቲ በዅሪ ዜጥፍእ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቀርቦምብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ገበረ።

29. ብእምነት ከም ብንቑጽ ምድሪ ገይሮም ንባሕሪ ኤርትራ ተሳገርዎግብጻውያን ግና ከምኡ ኺገብሩ ምስ ፈተኑተዋሕጡ

30. ቀጽሪ ያሪኮ ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎብእምነት ወደቐ

31. ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ እተቐበለቶምብእምነት ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍኤትን

32. እሞኸ ብዛዕባ እኒ ጊዴዎን፡ እኒ ባራቅ፡ እኒ ሳምሶን፡ እኒ ይፍታሄ፡ እኒ ዳዊትን ሳሙኤልን ነብያትን እንታይ ክብል እየ፧ ብዛዕባኦም ከየዘንትወልኩም ጊዜ ይሐጽረኒ እዩ።

33. ንሳቶም ብእምነት ንመንግስትታት ሰዓሩጽድቂ ገበሩ፡ ነቲ ተስፋ እተገብሮ ረኸቡኣፍ ኣናብስ ዓጸዉ

34. ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፡ ካብ ስሕለት ኣስያፍ ደሐኑካብ ድኻም በርትዑ፡ ኣብ ውግእ ሐየሉንሰራዊት ኣህዛብ ኣህደምዎም

35. ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦምካልኦትውን ተሰቀዩ እሞ፡ ዚሐይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ምሕረት ኣይደለዩን

36. ገሊኣቶም ድማ ብልግጫን ብመግረፍትን፡ ኣብ ልዕሊ እዚውን ብመቝሕን ማእሰርትን ተፈተኑ

37. ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተመገዙተፈተኑተሰይፎም ሞቱኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኺዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑጸበቦምሓሳረ መከራ ጸገቡ፡

38. ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል በሉ።

39-40. ብጀካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ኸይበጽሑስኣምላኽ ብዛዕባና ዚሐይሽ ስለ ዝሐለየእዚኦም ኵላቶምብእምነት ተመስኪሩሎም ዘሎ፡ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን