1. ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም

2. ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና

3. ንሱ ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን ከሎ፡ ኵሉውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ፡ ምንጻህ ሓጢኣትና ምስ ገበረ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ

4. ካብቶም መላእኽቲ ብዙሕ ዚበልጽ ስም ብዝወረሶ መጠን ክሳዕ ክንድዚ ኻባታቶም በለጸ

5. እስኪ፡ ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ከም ብሓድሽ ድማ፡ ኣነ ኣቦ እዀኖ ንሱውን ውሉድ ይዀነኒዝበሎ

6. ከም ብሓድሽ ድማ ነቲ በዅሪ ናብ ዓለም ኬእትዎ ኸሎ፥ ኵላቶም መላእኽቲ ኣምላኽ ይስግዱሉይብል

7. ብዛዕባ መላእኽቲ ኸኣ፡ መላእኽቱ ንፋሳትኣገልገልቱውን ሃልሃልታ ሓዊ ዚገብርይብል

8. ብዛዕባ ወዱ ግና፥ ኣታ ኣምላኸይዝፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም ይነብርበትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ፡

9. ጽድቂ ፈቶኻ ዓመጻ ኸኣ ጸላእካ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ፡ እዩ ዚብል።

10. ድማ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኻብ ቀደም ንምድሪ ሰረትካያሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም

11. እዚኣቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ትነብርኵሉውን ከም ክዳን ኪበሊ እዩ።

12. ከም ዓለባ ድማ ክትጥቕልሎ ኢኻ፡ ኪልወጥውን እዩ፡ ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፡ ዓመታትካውን ኣይኪውድኣን እየን፡ ይብል።

13. እስኪ፡ ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮምሲ፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥዝበሎ

14. ኵላቶምዶ ነገልግሎት እቶም ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም ዚለአኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ኣይኰኑን፧