1. ኰነ ድማ፣ ኣብ ሳድሰይቲ ዓመት፣ ኣብታ ሳድሰይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒውን ኣብ ሓምሰይቲ መዓልቲ፣ ኣብ ቤተይ ተቕሚጠ ኸሎኹ፣ እቶም ዓበይቲ ይሁዳውን ኣብ ቅድመይ ተቐሚጦም ከለዉ፣ ኣብኡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ ወረደት

2. ሽዑ ርኤኹ፣ እንሆ፣ ትርኢት ሓዊ ዚመስል ምስሊ፣ ካብቲ ምስሊ ሕቝኡ ንታሕቲ ሓዊ፣ ካብ ሕቝኡ ንላዕሊ ድማ ድሙቕ ብርሃንን ዜንጸባርቕ ኣስራዝን ዚመስል እዩ።

3. ንሱ ኸኣ ኢድ እትመስል ዘርግሔ፣ ብጸጕሪ ርእሰይ ድማ ሐዘኒመንፈሰውን ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ኣልዐለኒብራእይ ኣምላኽ ድማ ናብ የሩሳሌም ወሰደኒ፣ ናብቲ ውሽጣዊ ኣጻድ፣ በቲ ንሰሜን ኣቢሉ ዜርኢ ኣፍደገ፣ ናብቲ እቲ ንቕንኣት ዜለዓዕል ምስሊ ቕንኣት ዝነበሮ ኣምጽኣኒ።

4. እንሆ ኸኣ፣ ከምቲ ኣብ ጐልጐል ዝርኤኽዎ ትርኢትክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ኣብኡ ነበረ።

5. ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ወገን ሰሜን ኣቢልካ ኣዒንትኻ ኣልዕልበለኒ። ኣነ ኸኣ፡ ኣብ ሰሜን ኣቢለ ኣዒንተይ ኣልዐልኩ። እንሆ ድማ፡ ኣብ ሰሜን እቲ ደገ መሰውኢ ኣብቲ መእተዊ፡ እቲ ምስሊ ቕንኣት ነበረ።

6. ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ እቲ ዚገብርዎ ዘለዉ ትርኢዶ አሎኻ፡ ኣነ ካብ ቤት መቕደሰይ ምእንቲ ኽርሕቕ ኢሎም እቲ ቤት እስራኤል ኣብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ዓብዪ ጽያፍዶ ትርኢ አሎኻ፡ ኤረ ገና ካብዚ ዚዐቢ ጽያፍውን ክትርኢ ኢኻ፣ በለኒ

7. ንሱ ኸኣ ናብ ደገ እቲ ኣጻድ ወሰደኒእንሆውን ኣብቲ መንደቕ ሓደ ነዃል ርኤኹ

8. ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቲ መንደቕ ኵዐቶበለኒ። ነቲ መንደቕ ምስ ኰዐትክዎ ድማ፡ እንሆ፡ ኣፍ ደገ ረኸብኩ።

9. ንሱውን፣ እቶ እሞ ነቲ ኣብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ሕሱም ጽያፍ ርኣዮበለኒ

10. ኣቶኹን ርኤኹን፣ እንሆ ኸኣ፣ ብዙሕ ምስሊ እቶም ዜጸይፉ ለመም ዚብሉን ርኸሳት እንስሳን ኵሎም ጣኦታት ቤት እስራኤልን ኣብ ወሰነወሰን እቲ መንደቕ ተስኢሉ ነበረ።

11. ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ሰብዓ ሰብኣይ ካብ ዓበይቲ ቤት እስራኤል፣ ኣብ ማእከሎም ድማ የኣዛንያ ወዲ ሻፋን ቈይሙ፣ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፎም ድማ ጽንሃህ ሒዞም፣ ኣብኡ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ መኣዛ ዕጣንውን ዑብ ኢሉ ወጸ

12. ሽዑ ንሱ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ እቶም ዓበይቲ ቤት እስራኤልእግዚኣብሄር ኣይርእየናንእግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሐዲግዋ እዩ፣ ኢሎምሲነፍሲ ወከፎም ኣብ ጸልማት ኣብ ሸሽር ጓና ምስልታቶም ኰይኖም ዚገብርዎ ዘለውዶ ርኢካዮ አሎኻ፡ በለኒ

13. ንሱ ኸኣ፣ ኤረ ካብዚ ዚገድድ ዚገብርዎ ዘለዉ ጽያፍውን ክትርኢ ኢካ፣ በለኒ

14. ናብቲ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዘሎ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ወሰደኒ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብኡ ኣንስቲ ተቐሚጠን ንተሙዝ ይበኽያሉ ነበራ።

15. ሽዑ ድማ፣ ኣታ ወዲ ሰብርኢኻዮዶ፡ ገና ካብዚ ዚገድድ ርኽሰትውን ክትርኢ ኢካ፣ በለኒ

16. ናብቲ ውሽጣዊ ኣጻድ ቤት እግዚኣብሄር ወሰደኒ። እንሆ ኸኣ፣ ኣብቲ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ገበላን መሰውእን ኣስታት ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኣይ ዝባኖም ናብ መቕደስ እግዚኣብሄር፣ ገጾም ድማ ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ነበሩ። ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ንጸሓይ ይሰግዱ ነበሩ።

17. ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ ርኢኻዶ፡ ነታ ሃገር ብዓመጽ መሊኦምዋመመሊሶም ድማ ኵራይ ዘለዓዕሉስ፣ ቤት ይሁዳ እዚ ኣብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ጽያፍዶ ውሒድዎም እዩ፡ እንሆ፣ ንሳቶም ጨንፈር ኣብ ኣፍንጫኦም የቕርቡ አለዉ፣ በለኒ

18. ስለዚ ኣነ ድማ ብነድሪ ኽገብር እየ፣ ዓይነይ ኣይክትንሕፍን እያ፣ ኣይክርሕርሕን ከኣ እየ፣ ኣብ እዝነይ ዓው ኢሎም እንተ ጨርሑ እኳ ኣይክሰሞኦምን እየ።