1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣

2-3. ኣታ ወዲ ሰብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካ ተነበ በልውን፣ መዓልቲ ቐሪባ፣ እወ፣ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ አላ፣ መዓልቲ ደባናጊዜ ኣህዛብ ኪኸውን እዩ እሞ፣ ኣየ፣ ተካሊት መዓልቲኢልኩም ዋይዋይ በሉ።

4. ሰይፊ ኣብ ግብጺ ኺመጽእ እዩ፣ እቶም ውጉኣት ኣብ ግብጺ ምስ ወደቑሃብታ ምስ ተወስደመሰረታውን ምስ ፈረሰ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብርቱዕ ፍርሃት ኪኸውን እዩ።

5. ኢትዮጵያን ፉጥን ሉድን ኵሎም ሕውስዋስ ህዝብን፣ ኩብን ደቂ እታ ኺዳን ዝአተወት ሃገርን ምሳታቶም ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።

6. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እቶም ንግብጺ ዚድግፉ ኺወድቁ እዮም፡ እቲ ዕቡይ ሓይላ ኸኣ ኪዋረድ እዩ። ካብ ሚግዶል ጀሚሩ ኽሳዕ ሴኔ ኣብኣ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

7. ኣብ ማእከል እተን ዝባደማ ሃገራት ከኣ ኪባድሙ እዮም፣ ኸተማታቶም ድማ ኣብ ማእከል እተን ዝፈረሳ ከተማታት ኪዀና እየን።

8. ኣብ ግብጺ ሓዊ ምስ ኣጐድኩደገፍታ ዘበሉ ዅሎም ከኣ ምስ ተሰባበሩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

9. በታ መዓልቲ እቲኣ፣ ነታ ደሓን አሎኹ እትብል ኢትዮጵያን ኼሰምብድዋስልኡኻት ብመርከብ ካብ ቅድሚ ገጸይ ኪወጹ እዮም። እንሆ፣ ይመጽእ አሎ እሞ፣ ከምቲ ንመዓልቲ ግብጺ ዝዀነ ፍርሃት ኪዀኖም እዩ።

10. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ብኢድ ነቡካድነጾር ንጉስ ባቢሎን ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ግብጺ ኸጥፍኦ እየ።

11. ንሱን ህዝቡ ኸኣ ምስኡን፣ ካብቶም ህዝብታት ኣዝዮም ዚጭክኑ፣ ነታ ሃገር ኬጥፍእዋ ኺወጹ እዮም። ሰይፎም ንግብጺ ኺመልሑላ፣ ነታ ሃገርውን ብቕቱላት ኪመልእዋ እዮም።

12. ነቲ ርባታት ከንጽፎ፣ ነታ ሃገር ድማ ናብ ኢድ ሕሱማት ሰብ ክሸጣ እየ። ነታ ሃገርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ብኢድ ጓኖት ገይረ ኸባድማ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ

13. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ንጣኦታት ከጥፍኦምንጣኦታት ከንቱ ኻብ ኖፍ ክጥርሶም እየ። ድሕርዚ ኻብ ሃገር ግብጺ መስፍን ኣይኪኸውንን እዩ፣ ናብ ሃገር ግብጺ ኸኣ ፍርሃት ከምጽእ እየ።

14. ንጳጥሮስ ከባድማ፣ ኣብ ጾዓን ሓዊ ኻጐድ፣ ኣብ ኸኣ ፍርዲ ኽገብር እየ።

15. ነድረይ ከኣ ናብ ሲና፣ እታ ዕርዲ ግብጺክኽዑንህዝቢ ድማ ከጽንቶ እየ።

16. ኣብ ግብጺ ሓዊ ኽኣጕድ እየ፣ ሲን ክትጭነቕ እያ፣ ኽትጠፍእ እያ፣ ንኖፍ ከኣ ጸላእቲ ብመዓልቲ ኽሕዝዋ እዮም።

17. ኣጕባዝ ኣቤንን ፊ-ቤሴትን ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም፣ ንሳተን ከኣ ኪማረኻ እየን።

18. ኣርዑት ግብጺ ኣብኣ ምስ ሰበርኩሓበን ሓይላውን ምስ ተጠረሰ፣ ኣብ ታህፋኔስ መዓልቲ ኽትጽልምት እያ። ደበና ኼጐልብባ እዩ፣ ኣዋልዳ ድማ ኪማረኻ እየን።

19. ከምዚ ገይረ ኣብ ግብጺ ፍርዲ ኸፈርድ እየ፣ ንሳቶምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

20. ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት፣ ኣብታ ቐዳማይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒውን ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣

21. ኣታ ወዲ ሰብንቕልጽም ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ሰበርክዋ፣ እንሆ ድማ፣ ሰይፊ ንምሓዝ ምእንቲ ኽትድልድልዚሰፋፈውሲ ገይረ ኸኣ ብዓለባ ዚዝንና የልቦን።

22. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ንፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣብ ርእሱ አሎኹ፣ ነተን ቀላጽሙ፣ ነታ ብርትዕትን ነታ ስብርትንክሰብረን፣ ነቲ ሰይፊ ኸኣ ካብ ኢዱ ኸውድቖ እየ።

23. ነቶም ግብጻውያን ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዘርዎም፣ ኣብ ኵለን ሃገራት ከኣ ፋሕ ከብሎም እየ።

24. ንቐላጽም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዔንሰይፈይ ድማ ኣብ ኢዱ ኸትሕዞ እየ፣ ንቐላጽም ፈርኦን ግና ክሰብረን እየ፣ ንሱ ድማ ከምቲ ንሞት እተወግኤ ሰብኣይ ዚቝንዞ፣ ኣብ ቅድሚኡ ኪቝንዞ እዩ።

25. ንቐላጽም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዔን እየ፣ ቀላጽም ፈርኦን ግና ዘርጋሕ ኢለን ኪወድቃ እየን። ንሰይፈይ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ምስ ኣትሐዝክዎ፣ ንሱውን ኣብ ሃገር ግብጺ ማሕማህ ምስ ኣበሎ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

26. ነቶም ግብጻውያን ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዘርዎም፣ ኣብ ኵለን ሃገራት ከኣ ፋሕ ከብሎም እየ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።