1. ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት፣ ኣብታ ሳልሰይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣

2. ኣታ ወዲ ሰብንፈርኦን ንጉስ ግብጽን ነቲ ብዙሕብዕቤትካ ንመን ትመስል፡ በሎ፣

3. እንሆ፣ ኣሶር ጨናፍሩ ዝጽቡቕጽላሉ ዝዕሙርቍመቱ ዝነዊሕ ኦም ሊባኖስ ነበረ። ጫፉ ኸኣ ኣብ ማእከል ዕሙር ጨናፍር ነበረ።

4. ማያት መገቦ፣ መዓሙቝ ኣዕበዮውሒዝ ኣብ ዙርያ እቲ ተተኺልዎ ዘሎ ቦታ ወሐዘ፣ መሳኑኡ ድማ ናብ ኵሉ ኣእዋም መሮር ሰደደ

5. ስለዚ ቝመቱ ካብ ኵለን ኣእዋም መሮር ተመልመለ፣ ሳላ እቲ ዜዐምሮ ዝነበረ ብዙሕ ማያትጨናፍሩ ብዝሔዘፋፍሩ ነውሔ

6. ኣብቲ ጨናፍሩ ዅለን ኣዕዋፍ ሰማይ ኣባይተን ሰርሃሉ፣ ኣብ ትሕቲ ዘፋፍሩ ድማ ኵሎም እንስሳ መሮር ተዋለዱሉ፣ ኣብ ጽላሉ ኸኣ ኵሎም ዓበይቲ ህዝብታት ይቕመጡሉ ነበሩ።

7. ሱሩ ኣብ ብዙሕ ማያት ነበረ እሞ፣ ብዕቤቱን ብምናሕ ጨናፍሩን ጽቡቕ ነበረ።

8. ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘሎ ኣእዋም ሊባኖስ ኪኽውሎ ኣይከኣለን፡ ጽሕድታት ነቲ ጨናፍሩ ኣይተተኻኸሎንጸሊሞ እኳ ኸም ጨናፍሩ ኣይነበረን፡ ኣብ ገነት ኣምላኽ ካብ ዘሎ ኦምሲ ሓንቲ እኳ ብጽባቐ ኣይተመዐራረዮን

9. ኣነ ብብዝሒ ጨናፍሩ ጽቡቕ ገበርክዎ፣ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘለዋ ኣእዋም ኤድን ከኣ ኵላተን ቀንኣሉ

10. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ብቝመት ክብ ስለ ዝበልካ፣ ጫፉ ኣብ ማእከል ዕሙር ጨናፍር ስለ ዝገበረ፣ ብምኽንያት ቍመቱ ልቡ ስለ እተዐበየ

11. ኣነ ኣብ ኢድ እቲ ሓያል ናይ ህዝብታት፣ ከም ድሌቱ ኺገብሮስ፣ መጦኽዎ። ብሰሪ ረሲእነቱ ደርቤኽዎ

12. እቶም ጓኖት፣ ናይ ህዝብታት ጨካናትቈረጽዎን ደርበይዎንጨናፍሩ ኣብ ኣኽራንን ኣብ ኵሉ ርባርባን ወደቐጨንገፉ ኣብ ኵሉ ኣጻድፍ እታ ሃገር ተደርቀመ። ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ ካብ ጽላሉ ተዛሕጡሐደግዎውን

13. ኣብ ልዕሊ እቲ ውዱቕ ጕንዲ ዅለን ኣዕዋፍ ሰማይ ተቐመጣ፣ ኵሎም እንስሳ መሮር ድማ ኣብ ጨንገፉ ሰፈሩ።

14. እተን ኣብ ማይ እተተኽላ ዘበላ ኣእዋም ብቝመተን ከይዕበያንጫፈን ኣብ ማእከል ዕሙር ጨናፍር ዚወርዱ ዘለዉ ውሉድ ሰብ ንመዐሙቝ ምድሪንሞት ተወፍዮም እዮም እሞ፣ እተን ማያት ዚሰትያ ዘበላ ዅለን ሓያላት ብትዕቢት ከይቈማስ፣ እዚ ዀነ።

15. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብክ አሎ፣ በታ ንሱ ናብ ሲኦል ዝወረደላ መዓልቲ ሰብ ከም ዚቝዝሙ ገበርኩ። ብሰሩ ንመዓሙቝ ኣጐልበብኩንወሓይዙ ኸልከልኩዓበይቲ ማያት ተዐግተ፣ ብሰሩ ንሊባኖስ ኣጸለምክዎ፣ ብሰሩ ዅለን ኣእዋም መሮር ሓዘን ኰና።

16. ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ ናብ ሲኦል ምስ ኣውረድክዎም፣ ካብ ደሃይ ምውዳቑ እተላዕለ ንህዝብታት ራዕራዕ ኣበልክዎም። ኵላተን እተን ናይ ሊባኖስ ሔሕሩያትን ጸጽቡቓትን ኣእዋም ኤድንማይ ዚሰትያ ዝነበራ ዘበላ ኵለን፣ ኣብቲ መዓሙቝ ምድሪ ተጸናንዓ

17. ንሳቶም ድማ፣ ናብቶም ቅልጽሙ ዀይኖም ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣብ ጽላሉ ተቐሚጦም ዝነበሩ ብሰይፊ እተቐትሉ፣ ምስኡ ናብ ሲኦል ወረዱ

18. እምበኣረይብኽብረትን ዕቤትን ኣብ ማእከል ኣእዋም ኤድንሲ ንመን ኢኻ እትመስል፡ ከምኡ ኸኣ ንስካ ምስተን ኣእዋም ኤድን ናብ መዓሙቝ ምድሪ ኽትድርበ ኢኻ፡ ኣብ ማእከል እቶም ዘይተገዝሩ ኣብ ማእከል እቶም ሰይፊ ዝቐተሎምውን ክትድቅስ ኢኻ። እዚ ፈርኦንን ኵሎም ህዝቡን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ