1. ሓያሎ ኻብቶ ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ናባይ መጺኦም፣ ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ

2. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣

3. ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣዞም ሰባት እዚኣቶም ንጣኦታቶም ኣብ ልቦም ኣሕዲሮምዎም አለዉ፣ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኦም ከኣ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣቝሞምዎም አለዉ። ከመይ ኢለ ደኣ በዚኣቶም ክሕተት እየ፡

4-5. ስለዚ ተዛረቦምእግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤልጣኦታቱ ኣብ ልቡ ዜሕድር፣ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ገጹ ዜቕውም፣ ኣብ ነብዩውን ዚመጽእ ዘበለ፣ ዅላቶም ብሰሪ ጣኦታቶም ካባይ ዘምቢሎም እዮም እሞ፣ ንቤት ኣስራኤል ብልቦም ምእንቲ ኺሕዞምሲ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ከም መጠን ብዝሒ ጣኦታቱ ኽመልሰሉ እየ፣ ይብል አሎ፣ ኢልካ ንገሮም።

6. ስለዚ ንቤት ኣስራኤል በሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ተመለሱ፣ ካብ ጣኦታትኩም ተመለሱ፣ ካብ ኵሉ ጽያፍኩም ከኣ ገጽኩም ምለሱ።

7. ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል ወይስ ካብቶም ኣብ እስራኤል ዚነብሩ ዘለዉ መጻእተኛታት ካባይ ዚርሕቕንጣኦታቱ ኣብ ልቡ ዜሕድር፣ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ገጹ ዜቕውም፣ ንኣይ ኪሐተሉ ኢሉውን ናብ ነብዪ ዚመጽእ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ባዕለይ ክመልሰሉ እየ

8. ነዚ ሰብኣይ እዚ ንምህንዳድ ኣነ ገጸይ ክመልሰሉንምልክትን ምሳሌን ከኣ ክገብሮ፣ ካብ ማእከል ህዝበይውን ከጽንቶ እየ፣ ንስኻትኩምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

9-11. ቤት እስራኤል ህዝበይ ኪኾኑ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እምበር፣ ድሕርዚ ኻባይ ከይዝምብሉሕጊ ብምፍራሶም ዘበለ ኵሉኸኣ ከይረኽሱስ፣ እቲ ነብዪ እኳ ተጠቢሩ ቓል እንተ ተዛረበ፣ ነቲ ነብዪ እቲ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝጠበርክዎኢደይ ናብኡ ኽዝርግሕ እየ እሞ ካብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ። በደሎም ድማ ኪጾሩ እዮም፣ በደል እቲ ነብዪ ማዕረ በደል እቲ ሓታቲኡ ኪኸውን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

12. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣

13. ኣታ ወዲ ሰብሃገር ኣዝያ ጠሊማ ኣባይ ሓጢኣት እንተ ገበረት፣ ኣነ ኸኣ ኢደይ እንተ ዛርጋሕኩላ፣ ነቲ ምርኩስ እንጌራ ድማ እንተ ሰበርኩላጥሜት ከኣ እንተ ሰደድኩላ፣ ሰብን እንስሳንውን እንተ ኣጽነትኩላ፣

14. እዞም ሰለስተ ሰብኣይኖህን ዳንኤልን እዮብንኣብኣ እኳ እንተ ጸንሑ፣ ንሳቶምሲ ብጽድቆም ነታ ነፍሶም ጥራይ ደኣ መናገፍዋይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

15. ብሰሪ እቶም ኣራዊት ሓደ እኳ ብእኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዚስእን፣ ምድረ በዳ ገይሮም ክሳዕ ዜጥፍእዋ፣ ኣነ ሕሱማት ኣራዊት ኣብ ማእከል እታ ሃገር ኣንተ ፈኔኹ፣

16. እዞም ሰለስተ ሰባኣይ እኳ ኣብኣ እንተ ጸንሑ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ንሳቶምሲ ንርእሶም ጥራይ ደኣ ምተናገፉ እምበር፣ ነወዳት ወይስ ነዋልድ ኣይመናገፉን፣ እታ ሃገር ከኣ ምባደመት

17. ወይስ ንሰብን እንስሳን ካብኣ ኼጽንትሲሰይፊ ኣብ ማእከል እታ ሃገር ይሕለፍ፣ ኢለ ንሰይፊ ናብታ ሃገር እንተ ኣምጻኣኩ

18. እዞም ሰለስተ ሰብኣይ ኣባኣ እኳ እንተ ጸንሑ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ንሳቶምሲ ንርእሶም ጥራይ ደኣ ምተናገፉ እምበር፣ ነወዳት ወይስ ነዋልድ ኣይመናገፉን

19. ወይስ ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጽንትሲፌራ ናብታ ሃገር ኣቲኣ እንተ ሰደድኩቍጥዓይ ከኣ ብደም እንተ ኽዖኹ

20. ኖህን ዳንኤልን እዮብን እኳ ኣባኣ እንተ ጸንሑ፣ ንሳቶምሲ ብጽድቆም ንነፍሶም ጥራይ ደኣ መናገፉ እምበር፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽወዲ ወይስ ጓል ኣይመናገፉን

21. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጽንትሲ፣ ነተን ኣርባዕተ ብርቱዓት ፍርደይሰይፍን ጥሜትን ሕሱማት ኣራዊትን ፌራን፣ ኣብ የሩሳሌም ምስ ዝሰድድውን

22. እንሆ፣ ዜውጽእዎም ኣወዳትን ኣዋልድን ገለ ተርፍ ኬምልጡ እዮም። እንሆ ኸኣ፣ ንሳቶም ናባኻትኩም ኪመጹ እዮም፣ ንብረቶምን ግብሮምን ድማ ክትርእዩ ኢኹም፣ ንስኻትኩምውን በቲ ኣነ ኣብ የሩሳሌም ዘውረድክዎ መዓትን በቲ ዘውረድኩላ ዅሉን ክትጸናንዑ ኢኹም።

23. ንብረቶምን ግብሮምን ምስ ርኤኹምንምጽንናዕኩም ኪኾኑ ኣዮም። ኵሉ እቲ ዝገበርክዎስ ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይገበርክዎ ኽትፈልጡ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ