1. ስማት እቶም ነገድ እዚ እዩ፡ ካብ ወገን ሰሜን ሒዙ፡ ብጥቓ መገዲ ሃትሎን፡ ክሳዕ ሃማትን ክሳዕ ሓጻር-ዔናንንወሰን ደማስቆ፡ ናብ ሰሜን ኣብ ጥቓ ሃማት ኣቢሉ፡ ካብ ምብራቕ ክሳዕ ምዕራብ ንዳን ሓደ ኽፍሊ ይኹን።

2. ኣብ ወሰን ዳን ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ክሳዕ ወገን ምዕራብ ንኣሴር ሓደ ኽፍሊ ይኹን።

3. ኣብ ወሰን ኣሴር ከኣ ካብ ወገን ምብራቕ ክሳዕ ወገን ምዕራብ ንንፍታሌም ሓደ ኽፍሊ ይኹን።

4. ኣብ ወሰን ንፍታሌም ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ውወገን ምዕራብ ንምናሴ ሓደ ኽፍሊ ይኹን።

5. ኣብ ወሰን ምናሴ ኸኣ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ውወገን ምዕራብ ንኤፍሬም ሓደ ኽፍሊ ይኹን።

6. ኣብ ወሰን ኤፍሬም ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ንሮቤል ሓደ ኽፍሊ ይኹን።

7. ኣብ ወሰን ሮቤል ከኣ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ንይሁዳ ሓደ ኽፍሊ ይኹን።

8. ኣብ ወሰን ይሁዳ ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ እቲ እተቕርብዎ መባእ ይኹን። ወርዱ ዕስራን ሓመሽተን እመት፣ ምንዋሑ ኸኣ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ክንዲ ሓደ ኽፍሊ ይኹን። እታ መቕደስ ድማ ኣብ ማእከሉ ትኹን።

9. እዛ ንእግዚኣብሄር እተቕርቡሉ መባእ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕወርዳን ዓሰርተ ሽሕ ትኹን።

10. እዛ ቅድስቲ መባእ እዚኣ ንኻህናት ትኹን። ንሰሜን ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፡ ንምዕራብ ከኣ ወርዳ ዓሰርተ ሽሕ፡ ንምብራቕ ድማ ወርዳ ዓሰርተ ሽሕ፡ ንደቡብ ከኣ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እዩ። እታ መቕደስ እግዚኣብሄርውን ኣብ ማእከላ ትኹን።

11. እዚኣ ነቶም፣ እቶም ደቂ እስራኤል ኪስሐቱ ኸለዉ ኸምቶም ዚስሕቱ ሌዋውያን ዘይሰሕቱ፣ እተቐደሱ ንኣገልግሎተይውን እተመዘዙ ኻህናት፣ ደቂ ጻዶቅ፣ ትኹን።

12. እዚኣ ኻብታ ኣብ ወሰን ሌዋውያን ዘላ፣ ኣዝያ ቅድስቲ ዝዀነት መባእ ምድሪ ንኣታቶም መባእ ትዀነሎም።

13. ኣብ ወሰን እታ ናይ ካህናት ከኣ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ ንሌዋውያን ትኹን። ምንዋሓ ዅላዅላ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፣ ወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ እያ።

14. እዚኣ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰት እያ እሞ፣ ካብኣ ኣይሽጡኣይለውጡ፣ እዛ በዅራት ምድሪ እዚኣ ኣብ ካልእ ኣይትሕለፍ

15. እታ ኣብ ኣንጻር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽህ ዘላ ኻብቲ ወርዲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ሽሕ ግና ዘይተቐደሰ ቦታን ሰብ ዚነብረላን ኸተማን ንኸባቢኣን ትኹን። እታ ኸተማ ድማ ኣብ ማእከላ ትኹን።

16. ልክዓ ኸኣ ብወገን ሰሜን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ ብወገን ደቡብ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ ብወገን ምብራቕ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ ብወገን ምዕራብውን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እዩ።

17. እቲ ኣብ ከባቢ እታ ኸተማ ዘሎ ቦታ ድማ ብሰሜን ክልተ ሚእትን ሓምሳንብደቡብ ክልተ ሚእትን ሃምሳንብምብራቕ ክልተ ሚእትን ሓምሳን፣ ብምዕራብውን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ይኹን።

18. እታ ትራፍ ናይቲ ምንዋሕሲ ብኣንጻር እታ ቅድስቲ መባእ ኣብ ምብራቕ ኣቢላ ዓሰርተ ሽሕ፣ ኣብ ምዕራብ ኣቢሉ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ትኹን፣ እዚኣ ኣንጻር እታ ቅድስቲ መባእ እያ። እቶታውን ምግቢ እቶም ዓየይቲ እታ ኸተማ ይኹን።

19. እቶም ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ዝዀኑ ኣብታ ኸተማ ዚዐዩ ኸኣ ነታ ምድሪ ይሕረስዋ

20. እታ መባእ ኵላኵላ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፡ ወርዳ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ትኹን። ንርስቲ እታ ኸተማ ዚኸውን ራብዓይ ክፍሊ እታ ቅድስቲ መባእ ኣሎዕሉ።

21. እቲ ዝተረፈ ንመስፍን ይኹን፣ በዝን በትን እታ ቅድስቲ መባእ ርስቲ እታ ኸተማ፣ ኣብ ኣንጻር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እመት እታ መባእ ክሳዕ ወሰን ምብራቕ፣ ኣብ ምዕራብ ከኣ ኣብ ኣንጻር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ናብ ወሰን ምዕራብ ዜብል፣ ማዕረ እቲ ኽፍልታት ዘሎ፣ ነቲ መስፍን ይኹን። እታ ቅድስቲ መባእን መቕደስ እታ ቤትን ከኣ ኣብ ማእከል ይኹና።

22. ካብቲ ኣብ ማእከል ናይ መስፍን ዘሎ ርስቲ ሌዋውያንን ርስቲ እታ ኸተማን፣ ኣብ መንጎ ወሰን ይሁዳን ወሰን ብንያምን ዘሎ ነቲ መስፍን ይኹን።

23. ነቶም ዝተረፉ ነገድ ድማ እዚ እዩ፣ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ሓደ ኽፍሊ ንብንያም ይኹን።

24. ኣብ ወሰን ብንያም ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ናይ ወገን ምዕራብ ሓደ ኽፍሊ ንስምኦን ይኹን።

25. ኣብ ወሰን ስምኦን ከኣ ካብ ወገን ምብራቕ ናይ ወገን ምዕራብ ሓፍር ኽፍሊ ንኢሳኮር ይኹን።

26. ኣብ ወስን ይሳኮር ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ናይ ወገን ምዕራብ ሓደ ኽፍሊ ንዛብሎን ይኽይን።

27. ኣብ ወስን ዛብሎን ከኣ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ሓደ ኽፍሊ ንጋድ ይኹን።

28. ኣብ ወሰን ጋድ ድማ ካብ ወገን ደቡብ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ወሰኑ ኻብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ ክሳዕ እቲ ርባ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይኹን።

29. እታ ንነገዳት እስራኤል ዕጭ ኣውዲቕኩም ርስቲ እተማቕክዎም ምድሪ እዚኣ እያ። እተን ግዴታት ከኣ እዚኤን እየን፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

30. መውጽኢታት እታ ኸተማ ድማ እዚ እዩ፣ ብወገን ሰሜን ዝርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት እዩ ልክዑ

31. ደጌታት እታ ኸተማ ኸኣ ብስም ነገዳት እስራኤል ይሰመያ። ናብ ሰሜን ኣቢሉ ሰለስተ ደገ፣ ደገ ሮቤል ሓንቲ፣ ደገ ይሁዳ ሓንቲ፣ ደገ ሌዊ ሓንቲ።

32. ብወገን ምብራቕ ድማ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፣ ደጌታትውን ሰለስተደገ ዮሴፍ ሓንቲ፣ ደገ ብንያም ሓንቲ፣ ደገ ዳን ሓንቲ።

33. ብወገን ደቡብ ከኣ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት እዩ ልክዑደጌታትውን ሰለሰተደገ ስምኦን ሃንቲ፣ ደገ ይሳኮር ሓንቲ፣ ደገ ዛብሎን ሓንቲ።

34. ብወገን ምዕራብ ድማ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፣ ደጌታትውን ሰለስተደገ ጋድ ሓንቲ፣ ደገ ኣሴር ሓንቲ፣ ደገ ንፍታሌም ሓንቲ።

35. ዙርያኣ ዓሰርተ ሾሞንተ ሽሕ እመት እዩ። ድሕሪ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ ስም እታ ኸተማእግዚኣብሄር ኣብኣ እዩ፣ ክትስመ እያ።

Chap 47