1. ንሱ ድማ ናብ ደገ እታ ቤት መለሰኒገጽ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ እዩ ዚርኢ እሞ፣ እንሆ፣ ማያት ካብ ትሕቲ መድረኽ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ወጸ። እቲ ማያት ከኣ ካብ ትሕቲ፣ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤት፣ ነታ መሰውእስ ብደቡባ ይወርድ ነበረ።

2. ድሕርዚ ብመገዲ እታ ሰሜናዊት ደገ ኣውጽኣኒብመገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ ደገ፣ ናብታ ኣብ ወጻኢ ዘላ ደገ ብወጻኢ ኣዞረኒ። እንሆ ኸኣ፣ ማያት ካብቲ የማናይ ወገን ይፍልፍል ነበረ።

3. እቲ ሰብኣይ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኺወጽእ ከሎ፣ ዚእምተሉ ገመድ ኣብ ኢዱ ነበሮ፣ ብእኡ ኸኣ ሽሕ እመት ኣመተ። በቲ ማያት ኣሳገረኒ፣ ክሳዕ እግረይ በጽሔ።

4. ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፣ በቲ ማያት ከኣ ኣሳገረኒ፣ እቲ ማያት ድማ ክሳዕ ኣብራኸይ በጽሔ። ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፣ በቲ ማያት ከኣ ኣሳገአኒ፣ እቲ ማያትውን ክሳዕ ሕቘይ በጽሔ።

5. ድሕርዚ ሽሕ እመት ኣመተ፣ እቲ ማያት ብዘይ ሓመሳ ዘይስገር ዓሚቝ ውሒዝ ኰይኑ እዩ እሞ፣ ኣነ ኽሳገሮ ዘይክኣለኒ ውሒዝ ኰነ።

6. ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብትርኢዶ አሎኻ፡ በለኒ። ሽዑ ወሰድኒ፣ ናብ ወሰን እቲ ውሒዝ ድማ መለሰኒ

7. ምስ ተመለስኩ፣ እንሆ፣ ወሰን ወሰን እቲ ውሒዝ በዝን በትን ብዙሕ ኣእዋም አሎ።

8. በለኒ ድማ፣ እዚ ማያት እዚ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ይውሕዝ አሎ፣ ናብ ጐልጐል ኪወርድ ናብ ባሕሪ ኸኣ ኪበጽሕ እዩ። ናብ ባሕሪ ምስ ኣተወ ድማ፣ እቲ ማያት ኪጥዒ እዩ።

9. ኪኸውን ድማ እዩ፣ ኣብቲ እዚ ውሒዝ እዚ ዝበጽሖ ዘበለስ ኵሉ ዚዋሳወስ ህያው ነፍሲ ብህይወት ኪነብር እዩ፣ ዓሳ ኸኣ ኣዝዮም ኪበዝሑ እዮም። እዚ ማያት እዚ ኺኣትዎ እዩ እሞ፣ እቲ ማያት ባሕሪ ኺጥዒ እዩ። እቲ ውሒዝ ኣብ ዝኣተዎ ዘበለ ድማ ኵሉ ብህይወት ኪነብር እዩ።

10. ኪኸውን ከኣ እዩ፣ ገፈፍቲ ዓሳ ኣብኡ ኪቘሙ፣ ካብ ዔን-ገዲ ኽሳዕ ዔን-ኤግላይም መዘግሒ መርበብ ኪኸውን እዩ። ዓሳታት፣ ከምቲ ዕሳ ናይ ዓብዪ ባሕሪበብዓይነቶም ኣዝዮም ብዙሓት ኣብኡ ኺህልዉ እዮም።

11. ዓዘቕቱን ዕቋሩን ግና ጨው ኰይኑ ኺነብር እዩ እምበር፣ ኣይኪጥዕን እዩ።

12. ወሰነ ወሰን እዚ ርባ በዝን በትን ኵሉ ኦኣይነት ፈራዪ ኣእዋም ኪበቍል እዩ። ኣቍጽልቱ ኣይኪጽምሉንፍሬኡውን ኣይኪውዳእን እዩ። ማያቱ ካብቲ መቕደስ እዩ ዚፍልፍል እሞ፣ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኺፈሪፍሬታቱ ንምግቢኣቍጽልቱ ድማ ንመድሓኒት ኪኸውን እዩ።

13. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እታ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ርስቲ ጌርኩም እትመቕልዎም ምድሪወሰናታ እዚ እዩ፣ ዮሴፍ ክልተ ዕጫ ኺረክብ እዩ።

14. እዛ ነቦታትኩም ክህባ እየ ኢለ ኢደይ ዘልዐልኩላ ምድሪ እቲ ሓደ ኸምቲ ሓደ ኽትወርስዋ ኢኹም። እዛ ሃገር እዚኣ ርስትኹም ክትከውን እያ።

15. ወሰናት እታ ምድሪ ኸኣ እዚ እዩ፣ ብወገን ሰሜን ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ሒዙ በታ መገዲ ሃይሎን ኣቢሉ፣ ክሳዕ ጸዳድ

16. ኣብ መንጎ ወሰን ደማስቆን ወሰን ሃማትን ዘሎ ሃማትቤሮታሲብራይም፣ እቲ ኣብ ወሰን ሃውራን ዘሎ ሓጻር-ሓቲኮን ድማ።

17. እቲ ወሰን ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ሓጻር-ዔናን ወሰን ደማስቆ ኪኸውን እዩ። ጻፎን ድማ ኣብ ሰሜን ወሰን ሃማት እዩ። እዚ እቲ ወገን ሰሜን እዩ።

18. ብወገን ምብራቕ ድማ ኣብ ማእከል ሃውራንን ደማስቆን ጊልዓድን ምድሪ እስራኤልን ዮርዳኖስን እዩ። ካብ ወሰን ሰሜን ናብቲ ኣብ ምብራቕ ዘሎ ባሕሪ ኽትእምቱ ኢኹም። እዚ እቲ ወገን ምብራቕ እዩ።

19. እቲ ወገን ደቡብ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ኸኣ ካብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ፣ በቲ ርባ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ እዩ። እዚ እቲ ናብ ደቡብ ዜብል ወገን ደቡብ እዩ።

20. እቲ ወገን ምዕራብ ድማ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ኻብ ወሰን ደቡብ ክሳዕ መንጽር ሃማት እዩ። እዚ እቲ ወገን ምዕራብ እዩ።

21. ነዛ ሃገር እዚኣ ኸከም ነገድ እስራኤል ንኣኻትኩም ተማቐልዋ

22. ኪኸውን ድማ እዩ፣ ንስኻትኩምን ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዚነብሩ፣ ኣብ ማእከልኩምውን ውሉድ ዚወልዱ ጓኖት ርስቲ ጌርኩም ብዕጭ ምቐልዋ። ንሳቶም ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ከም ደቂ ዓድኹም ኪዀኑልኩም እዮም። ኣብ ማእከል ነገድ እስራኤል ከኣ ምሳኻትኩም ንርስቲ ኺርስተዩ እዮም።

23. ኪኸውን ድማ እዩ፣ ነቲ ጓና ኣብታ ዚነብረላ ነገድ፣ ኣብኣ ርስቱ ኽትህብዎ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ