1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣

2. ኣታ ወዲ ሰብንደቂ ህዝብካ ተዛረቦም በሎምውን፣ ኣነ ሰይፊ ናብ ሃገር እንተ ኣምጻእኩህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ካባታቶም ሓደ ሰብኣይ ሃላዊ ኪዀኖም እንተ ኣመዛዝዎ

3. ንሱ ኸኣ ሰይፊ ናብታ ሃገር ኪመጽእ እንተ ረአየ እሞ፣ መለኸት እንተ ነፍሔ፣ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ኣተንቀቖም

4. ሓደ ነቲ ደሃይ መለኸት ሰሚዑ እንተ ዘይተጠንቀቐሰይፊ መጺኡ ኸኣ እንተ መንከሎ፣ ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ።

5. ደሃይ መለኸት ሰሚዑስ ኣይተጠንቀቐን እሞ፣ ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። እንተ ዚጥንቀቕሲንነፍሱ መድሐና ነይሩ።

6. እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረአየመለኸት ድማ እንተ ዘይነፍሔ፣ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ዘየጠንቀቖምሰይፊ መጺኡውን ንሓደ ኻባታቶም እንተ መንከሎ፣ ንሱ ብሰሪ ኣበሳኡ ይውሰድደሙ ግና ካብ ኢድ እቲ ሓላዊ እየ ዝደልዮ

7. እምበኣርሲ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ኣቝመካ እየ፣ ነቲ ቓል ካብ ኣፈይ ስማዕ እሞ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም

8. ኣነ ነቲ ረሲእ፣ ኣታ ረሲእብርግጽ ክትመውት ኢኻ፣ እንተ በልክዎ፣ ኢልካ ኺጥንቀቕ፣ እንተ ዘይተዛረብካዮ፣ እዚ ረሲእ ብሰሪ ረሲእነቱ ኺመውት እዩ፣ ደሙ ግና ካብ ኢድካ እየ ዝደልዮ

9. ግናኸ ነቲ ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፣ ንሱ ኸኣ ካብ መገዱ እንተ ዘይተመልሰ፣ ንሱ ንሰሪ ረሲእነቱ ኺመውት እዩ፣ ንስካ ግና ንነፍስኻ ኣድሀንካያ

10. ኣታ ወዲ ሰብንቤት እስራኤል፣ ንስኻትኩምሲ፣ ኣበሳናን ሓጢኣትናን ኣብ ርእስና እዩ፣ ንሕና ኸኣ ብሰሩ ንሕለል አሎና። ከመይ ጌርና ደኣ ብህይወት ክንነብር ኢና፡ ኢልኩም ትብሉ አሎኹም፣ በሎም

11. ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር፣ ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን እዩ። ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ስለምንታይ እትሞቱ፡ ካብቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱ፣ ተመለሱ፣ በሎም

12. ኣታ ወዲ ሰብንደቂ ህዝብኻ በሎምጽድቂ እቲ ጻድቕ በታ ንሱ ዚእብሰላ መዓልቲ ኣይኬድሕኖን እዩ። ረሲእነት እቲ ረሲእ ከኣ፣ በታ ኻብ ርሲእነት ዚምለሰላ መዓልቲ ኣይኬውድቖን እዩ። እቲ ጻድቕሲ በታ ዚእብሰላ መዓልቲ በቲ ጻድቁ ብህይወት ኣይጂነብርን እዩ።

13. ነቲ ጻድቕብርግጽ ብህይወት ክትነብር ኢኻ እንተ በልክዎ፣ ንሱ ኸኣ ብጽድቂ ተኣሚኑ እንተ ኣበሰ፣ ንሱ ብሰሪ እቲ ዝገበሮ ኣበሳኡ ኺመውት እዩ እምበር፣ እቲ ዅሉ ጽድቁ ኣይኪዝከረሉን እዩ።

14. ነቲ ረሲእ ድማ፣ ብርግጽ ሞት ክትመውት ኢኻ፣ እንተ በልክዎ፣ ንሱ ኸኣ ካብ ሃጢኣቱ እንተ ተመልሰፍርድን ጽድቅንውን እንተ ገበረ

15. ረሲእስ ታሕዚ እንተ መለሰዝዘመቶ እንተ ኸሐሰ፣ ግፍዒ ኸይገበረ ብሕጋጋት ህይወት እንተ ተመላለሰ፣ ንሱ ርግጽ ብህይወት ሚነብር፣ ኣይኪመውትን ከኣ እዩ።

16. እቲ ዝገበሮ ዘበል ዅሉ ሓጢኣቱ ኣይኪዝከረሉንፍርድን ጽድቅን ገይሩ እዩ እሞ፣ ርድጽ ብህይወት ኪነብር እዩ።

17. ደቂ ህዝብኻ ኸኣ፣ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኰነን፣ ይብሉ አለዉ። ግናኸ ኣይቅኑዕሲ መገዲ ርእሶም ደኣ እዩ።

18. ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰዓመጻ ኸኣ እንተ ገበረ ብሰራ ኺመውት እዩ።

19. ረሲእውን ካብ ረሲእነቱ እንተ ተመልሰፍርድን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ፣ ሳላኤን ብህይወት ሚነብር እዩ።

20. ንስካትኩምሲ፣ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኰነን፣ ትብሉ አሎኹም። ኣቱም ቤት እስራአኢልንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መገድኹም ክፈአደኩም እየ።

21. ኰነ ዳም፣ ካብ እምናረኽ ኣብ መበል ኦኣሰርተው ክልተ ዓመቱ፣ ኣብታ ኦኣስረይቲ ወርሒ፣ ነታ ወርሒ ኸኣ ኣብታ ሓምሰይቲ መዓልቲ፣ ሓደ ዘምለጠ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ባናይ መጸ እሞ፣ እታ ኸተማስ ተትሒዛበለኒ

22. እቲ ዘምለጠ ኸይመጸ ኸሎ፣ ኣጋ ምሸት ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ መጺኣ ነበረት፣ ንጽባሒቱ ንሱ ኽሳዕ ዚመጸኒ ኸኣ፣ ኣፈይ ከፈተለይ። በዚ ኸምዚ ኣፈይ ተኸፍተለይ፣ ድሕርዚ ኸኣ ዓባስ ኣይኰንኩን።

23. ከምዚ ዚብል ቃልእግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣

24. ኣታ ወዲ ሰብ፣ እቶም ኣብተን ዑናታት እታ ሃገር እስራኤል ዘለዉ፣ ኣብርሃም ሓደ ንበይኑ ነበረ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸኣ ተረስተያ። ንሕና ግና ብዙሓት ኢና፣ እታ ሃገር ድማ ርስቲ ኽትከውን ንኣና ተዋሂባ እያ፣ ይብሉ አለዉ።

25. ስለዚ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካ ንገሮም፣ ምስ ደም ጌርኩም ትበልዑ አሎኹም፣ ኣዒንትኹም ድማ ናብ ጣኦታትኩም ቍሊሕ ይብላ ኣለዋ፡ ደም ትኽዕዉ አሎኹም፣ ምስናይ እዝስ ነታ ሃገር ያኣይ ክትወርስዋ ኢኹም፡

26. ኣብ ሰይፍኹም ትጽግዑጽያፍ ትገብሩ አሎኹም፣ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ብጻዩ የርክስ አሎ፣ ምስ ናይ እዝስ ነታ ሃገር ያኣይ ክትወርስዋ ኢኹም፡

27. እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኸምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ነሮም፣ ኣነ ህያው እየ፣ እቶም ኣብ ዑናታት ዚነብሩ ብርግጽ ብሰይፊ ኺወስድቁ እዮም፣ ነቲ ኣብ መሮር ዘሎ ኸኣ ንኣራዊት ብልዒ ኪኸውን ክውፍዮ እየ። እቶም ኣብ ዕርድን ኣብ በዓትታትን ዚነብሩ ድማ ብፌራ ኪሞቱ እዮም።

28. ኣነ ነታ ሃገር እቲኣ ምድረ በዳን መሰክሕን ክገብራ እየ። እቲ እትዕበየሉ ሓይላ ጥራስ ኪጠፍእ እዩ። ኣኽራን እስራኤል ድማ ዚሐልፈሉ ዜብሉ ዀይኑ ኺባድም እዩ።

29. ብሰሪ እቲ ዝገበርዎ ዘበለ ዅሉ ጽያፎም ነታ ሃገር እቲኣ ምድረ በዳን መስክሕን ምስ ገበርክዋ፣ ንሳቶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

30. ኣታ ወዲ ሰብ፣ እቶም ደቂ ህዝብኻ ኣብ ጥቓ መንደቕን ኣብ ኣፍ ደጌታት ኣባይትን ኰይኖም ብዛዕባኻ ይዛራረቡ አለዉ፣ ንሃድሕዶም ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፣ እስከ ንዑናይ፣ ካብ እግዚኣብሄር ዚወጽእ ቃል እንታይ ከም ዝዀነ ስምዑይባሃሀሉ አለዉ።

31. ከም ኣመጻጽኣ ህዝቢ ድማ ኣባካ ይመጹ፣ ከም ህዝበይ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡቃላትካውን ይሰምዑ አለዉ፣ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም። ብኣፎም ፍቕሪ የርእዩ አለዉ፣ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም እዩ ዚኸይድ

32. እምበኣርሲ ንስኻ ኸም ቅኔ ፍቕሪ፣ ከምቲ ጥዑም ድምጺ ዘለዎ፣ ምህራም መሰንቆ ኸኣ ዚኽእል ኰንካዮም። ቃልካውን ይሰምዑ አለዉ፣ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም።

33. ምስ ዚመጽእ ግና፦ እንሆ፣ ይመጽእ ኣሎ፦ ሽዑ ነብዪ ኣብ ማእከሎም ከም ዝነበረ ኺፈልጡ ኡኦም።