1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣

2. ኣታ ወዲ ሰብንጢሮስ መልቀስ ኣልቅሰላ

3. ንጢሮስ በላ፡ ኣቲ ኣብ መእተዊ ባሕሪ እትነብሪ፡ ምስቶም ኣብ ብዙሕ ደሴታት ዘለዉ ህዝብታት ከኣ እትነግዲ፡ ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣቲ ጢሮስ፡ ባዕልኺ፡ ብመልክዕ ፍጽምቲ ኣነ እየ በልኪ

4. ወሰንኪ ኣብ ልቢ ባሕሪ እዩ፣ እቶም ሃነጽትኺ ነቲ መልክዕኪ ፈጸምዎ

5. ንጐቦታትኪ ብጽሕዲ ሰኒር ሰርሕዎል ደቐል መራኽብ ኪገብሩልኪ ካብ ሊባኖስ ኣእዋም ወሰዱ

6. መቕዘፊታትኪ ኻብ ኣውሒ ባሳን ገበሩ፡ ኰፍ መበሊታትኪ ብስኒ ሓርማዝ ሰሊሞም፡ በቲ ኻብ ደሴታት ኪቲም ዝመጻ ኣእዋም ገበሩ

7. እቲ ንሰንደቕ ዕላማ ዚዀነኪ ጋንጽላኺ ብልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ቀጢን እተጠልፈ ዓለባ ኻብ ግብጺ ነበረ። ካብ ደሴታት ኤሊሻ ሰማያዊ ሃርን ጁዅን መጋረጃኺ ነበረ።

8. ኣቲ ጢሮስ፣ እቶም ዚቐዝፋልክስ ሰብ ሲዶናን ሰብ ኣርዋድን ነበሩ፣ እቶም ኣባኺ ዘለዉ ጠቢባንኪ መራሕቲ መራኽብኪ ዀኑ።

9. እቶም ሽማግሌታት ጌባልን እቶም ጠቢባናን ነቲ እተሰብረ ኬታጥኡስ ኣብ ማእከልኪ ነበሩ። ኵላተን መራኽብ ባህርን ባሕረኛታትንንግዶም ኪለዋወጡኺ፣ ኣባኺ ነበሩ።

10. ፋርስን ሉድን ፉጥን ኣብ ሰራዊትኪ ዓቀይትኺ ነበሩ። ዋላቱን ቍራዕ ርእስን ሰቐሉልኪ፣ ንሳቶም ጌጽ ሀቡኺ

11. ደቂ ኣርዋድን ሰራዊትክን ኣብ ከባቢ ቐጽርኺሰብ ገማድያ ኸኣ ኣብ ግምብታትኪ ነበሩ፡ ዋላቱኦም ኣብ ወሰነወሰን መናድቕኪ ሰቐሉንመልክዕኪ ፈጸምዎ

12. ተርሲስ ስለ ብዙሕ ዓይነት ሃብቲ ምሳኺ ትነግድ ነበረት፡ ብብሩርን ሃጺንን ቈርቈሮን ዓረርን ገይራ ዋጋኡ ፈደየትኪ።

13. ያዋንን ቱባልን ሜሴክን ነጋዶኺ ነበሩ፣ ናብ ዕዳጋኺ ባሮትን ኣቓሑ ነሃስን ኣምጽኡ።

14. ካብ ቤት ቶጋርማ በፍራስን በፍራስ ውግእን በባቕልን ገይሮም ለውጢ ነግድኺ ሀቡኺ።

15. ደቂ ዴዳን ኣባኺ ነገዱብዙሓት ደሴታት ብኢድኪ ነግዶም ኣመሓላለፉ፣ ስኒ ሓርማዝን ዝበን ከኣ ገጽ በረኸት ኣምጽኡልኪ

16. ስለ ብዝሒ ግብሪ ብልሓትኪ ሶርያ ምሳኺ ነገደት፣ ብክቡር ዕንቍን ብጁዅን ብተጠልፈ ዓለባን ብልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባን ብዘዓጐልን ብሮኖስን ገይሮም፣ ለውጢ ነግድኺ ሀቡኺ።

17. ይሁዳን ሃገር እስራኤልን ምሳኺ ነገዱንዕዳጋኺ በቲ ኻብ ምኒት ዝመጸ ስርናይን ብሕብስትን መዓርን ዘይትን ቅዲትን መልእዋ።

18. ደማስቆ ብብዝሒ እትዋትክን ስለ እቲ ብዙሕ በብዓይነቱ ዝዀነ ሃብትን ብነቢት ካብ ሄልቦንን ብጸምርን መናግድኺ ነበረት።

19. ዌዳንን ያዋንን ሙዛልን ንዕዳጋኺ ብስሩሕ ሓጺንን ሽቱን ቀረፋን ኣዐመሩ።

20. ዴዳን ብኽቡር መረሻታት ምሳኺ ነግዳ ገበረት።

21. ዓረብን ኵላቶም መሳፍንቲ ቄዳርን ብኢድኪ ነገዱ። ምሳኺ ኺነግዱስ ገነሽልን ደዓውልን ኣጣልን ኣምጽኡ።

22. እቶም ነጋዶ ሰባን ራዕማን መናግድኺ ነበሩ። ብብሉጽ ቀመምን ብኽቡር ኣእማን ዘበለን ብወርቅን ተላዋወጡኺ።

23. ካራንን ካኔን ኤድንንነጋዶ ሳባን ኣሶርን ኪልማትን ነጋዶኺ ነበሩ።

24. ብብሉጽ ኣልባሳትን ብሰማያዊ ሃርን ብወርቀዘቦ እተጠልፈ ባርኖስን፣ ብኦም ሊባኖስ እተገብረን በግማድ እተኣሰረንክቡር ኦኣለባ ዝመልኤ ሳጻውን ገይሮም ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ።

25. መራክብ ተርሲስ ከኣ ቃፍላይ ነግድኺ ነበሩ። መላእኪ እሞ ኣብ ልቢ ባሕሪ ኣዚኺ ኸበርኪ

26. እቶም ዚቐዝፉልኪ ናብ ብዙሕ ማያት ወሰዱኺንፋስ ምብራቕ ከኣ ኣብ ልቢ ባሕሪ ሰበረኪ

27. ሃብትኽን መነጋገድያኽን መለዋወጢኽን ባህረኛታትክንመራሕቲ መራኽብክን፣ መጣታእቲ ስቡርክን ነጋዶኽን ኣባኺ ዘልዉ ዅሎም ጭግራ ውግእክን፣ እቶም ኣባኺ ዘለዉ ዅሎም ሰብኡትን በታ መዓልቲ ውድቀትኪ ኣብ ልቢ ባሕሪ ኺወድቁ እዮም።

28. ካብ ኣውያት እቶም መራሕቲ መራክብኪ እተላዕለ እቶም ኣብ ከባቢኺ ዘለዉ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም።

29. ኵላቶም ብመቕዘፍ ዚቐዝፉን ባሕርኛታትን ኵላቶም መራሕቲ መራክብን ካብ መራክቦም ኪወርዱ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኪቐሙ እዮም።

30. ብዛዕባኺ ድምጾም ኬስምዑኣምሪሮም ድማ ኪበኽዩልኪ እዮም። ኣብ ርእሶም ሓመድ ኪንስንሱ፣ ኣብ ሓመዅስቲውን ጠንቀላዕላዕ ኪብሉ እዮም።

31. ርእሶም ኪላጽዩልኪከሊ ኺኦጠቑልኪብምረት ነፍሶም መሪር ብኽያት ኪበኽዩልኪ እዮም።

32. እናሕዘንዘኑ ብቝዝማ፣ ከምታ ኣብ ማእከል ባሕሪ ትም ዘበለዋ፣ ከም ጢሮስ መን ነበረት፡ ኢሎም ዚቝዝሙልኪ እዮም።

33. ኣቓሑ ነግድኺ ኻብ ባሕሪ ምስ ወጸንብዙሓት ህዝብታት ኣጽገብክዮም። በቲ ብዙሕ ሃብትኽን ነግድኽን ንነገስታት ምድሪ ኣሀብተምክዮም

34. በታ ኣብ ባሕሪ፣ ኣብቲ ኦኣሚቝ ማያት እተሰበርክላ ግዜነግድኽን ኵሉ ህዝብኽን ኣብ ማእከልኪ ወደቐ

35. እቶም ኣብ ደሴታት ዚነብሩ ዅሎም ብኣኺ ኺስክሑነገስታቶም ከኣ ኪርዕዱ እዮም፣ ገጾምውን ኪኽፋእ እዩ።

36. እቶ ነጋዶ ህዝብታት ኪፋጽዩልኪ እዮም። መሰክሒ ዀንኪ፣ ንዘለኣለም ኣይክትህልውን ኢኺ።