1. ኰነ ኸኣ፣ ኣብታ ሳብዐይቲ ዓመት ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኣብቲ ሓምሳይ ወርሒ ሓያሎ ሰባት ካብ ዓበይቲ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኪጥይቑ መጺኦም ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ

2. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣

3. ኣታ ወዲ ሰብ፣ ነቶም ዓበይቲ እስራኤልክትሐቱኒዶ መጺእኩምይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ብኣኻትኩም ኣይሕተትን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኢልካ ንገሮም

4. ክትፈርደሎም ዲኻ፡ ኣታ ወዲ ሰብክትፈርደሎም ዲኻ፣ ጽያፍ ኣቦታቶም ኣፍልጦም

5. በሎምውንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ በታ ንእስራኤል ዝሐሬኹላ መዓልቲ፣ ሽዑ ንዘርኢ ቤት ያእቆብ ኢደይ ኣልዐልኩ፣ ኣብ ሃገር ግብጺ ድማ ተገለጽኩሎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፣ ኢለውን ኢደይ ኣልዐልኩሎም

6. በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ሃገር ግብጺ ኸውጽኦም፣ ናብታ ኣነ ዝሐሬኹሎም ጸባን መዓርን ዚውሕዛ፣ ካብ ኵለን ሃገራት እትበልጽ ሃገር ክእትዎም፣ ኢለ ኢደይ ኣልዐልኩሎም

7. ኣነ ኸኣ፣ ነፍሲ ወከፍኩም ጽያፍ ዓይኑ ይደርቢብጣኦታት ግብጺ ድማ ኣይትርከሱ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፣ በልክዎም

8. ንሳቶም ግና ተጻረሩኒምስማዔይ ከኣ ኣበዩነፍሲ ወከፎም ጽያፍ ዓይኑ ኣይደርበየንጣኦታት ግብጺውን ኣይሐደገን። ሽዑ ኣብ ማእከል ሃገር ግብጺ ሃና ዅራይ ክወጸሎምሲነደረይ ኣብ ልዕሊኦም ክኽዑ እየ፣ በልኩ

9. ግናኸ እዚ ዝገበርዎስ ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ማእከሎም ዝነብሩ እሞ ኣነ ንኣታቶም ካብ ሃገር ግብጺ ብምውጽኤይ ኣብ ቅድሚኦም እተፈለጥኩሎም ህዝብታት፣ ከይትሐስር ኢለ እየ ዝገበርክዎ።

10. ካብ ሃገር ግብጺ ኸኣ ኣውጻእክዎም፣ ናብ በረካውን ኣምጻእክዎም

11. ሕጋጋተይ ሀብክዎም፣ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ ብህይወት ዚነብረሉ፣ ፍርደይ ከኣ ኣፍለጥክዎም።

12. ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እቲ ዚቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡስ፣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኦምን ትእምርቲ ምእንቲ ኪዀና ኢለ፣ ሰናብተይ ሀብክዎ

13. ግናኸ ቤት እስራኤል ኣብ በርካ ኸድዑኒ፣ ከም ትእዛዛተይ ኣይተመላለሱን። ነቲ፣ ሰብ እንተ ገበሮ ብህይወት ዚነብረሉፍርደይ ከኣ ኣበይዎንሰናብተይውን ኣዝዮም ኣርከስዎ። ሽዑ ኣብቲ በረኻ ኸጥፍኦምሲነድረይ ደኣ ክኽዕወሎም በልኩ

14. ግናኸ ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኦም ዘውጻእክዎም ህዝብታት ከይትሐስር ኢለ እየ ኣገበርክዎ

15-16. ልቦም ንጣኦታቶም ስለ ዝሰዐበ፣ ፍርደይ ኣብዮም ከም ሕጋጋተይ ከኣ ኣይተመላለሰኡንሰናብተይ ድማ ኣርኪሶም እዮም እሞ፣ ናብታ ዝሀብክዎም፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ካብ ኵላተን ሃገራት ከኣ እትበልጽ ሃገር ኣይከኣትዎምን እየ ኢለ ኣብ በረኻ እኳ ኢደይ ኣልዐልኩሎም

17. ግናኸ ዓይነይ ነሐፈቶም እሞ ኣየጥፋእክዎምን፣ ኣብቲ በረኻ ጠሪሰ ኣይወዳእክዎምን

18. ኣብ በረካ ኸኣ ንደቆም፣ ከምቲ ሕጋጋት ኣቦታትኩም ኣይትመላለሱፍርዶም ድማ ኣይትሐልዉብጣኦታቶምውን ኣይትርከሱበልክዎም

19. ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፣ ከም ሕጋጋተይ ተመላለሱፍርደይ ከኣ ሐልዉ ግበርዎውን

20. ንሰናብተይ ቀድሱ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡስ፣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ትእምርቲ ኪዀና እየን።

21. ግናኸ እቶም ደቂ ኸድዑኒ፣ ከም ሕጋጋተይ ኣይተመላለሱን፣ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ ብህይወት ዚነብረሉፍርደይ ኪገብርዎ ኢሎም ኣይሐለውዎንንሰናብተይውን ኣርከሱ። ሽዑ ኣብቲ በረኻ ሃና ቝጥዓይ ከውጸሎም ነድረይውን ክኽዕወሎም እየ፣ በልኩ

22. ኣነ ግና ኢደይ መለስኩ፣ ምእንቲ ስመይ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኦም ዘውጻእክዎም ህዝብታትከይትሐስር ኢለ እየ ዝገበርክዎ

23-24. ሕጋጋተይ ኣበዩንሰናብተይ ኣርከሱኣዒንቶም ንጣኦታት ኣቦታቶም ሰዐባ እምበር፣ ፍርደይ ኣይገበሩን እዮም እሞ፣ ኣነ ኣብ ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፣ ናብ ሃገራት ክዘርዎም እየ ኢለ፣ ኣብቲ በረኻ እኳ ኢደይ ኣልዐልኩሎም

25. ምስናይ እዚ ኣነውን ጽቡቕ ዘይኰነ ትእዛዛት፣ ብህይወት ኪነብሩሉ ዘይከኣሎም ፍርድታት ሀብክዎም

26. ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኺፈልጡስከባድሞም ኢለ፣ በቲ ማሕጸን ኣዲኡ ዝኸፈተ ዅሉ ብሓዊ ዘሕለፍዎ መባኦም ገይረ ኣርከስክዎም

27. ስለዚ ኣታ ወዲ ሰብንቤት እስራኤልእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካ ንገሮም፣ በዚ ድማ ኣቦታትኩም ንኣይ ብምጥላሞም ጸረፉኒ

28. ናብታ ኽህቦም እየ ኢለ ኢደይ ዘሎለኩላ ሃገር ምስ ኣእቶኽዎም፣ ኣብኡ ንዅሉ በሪኽ ኵርባን ንዅሉ ልሙዕ ኦምን ጠመቱመስዋእቶም ድማ ኣብኡ ሰውኡ፣ ኣብኡ ኸኣ ዜዀሪ መባእ ኣቕረቡ፣ ኣብኡ ድማ ጥዑም መኣዛኦም ዐጠኑ፣ ኣብኡውን መስዋእቲ መስቲኦም ከዐዉ

29. ኣነ ኸኣ፣ እዚ ናብኡ እትኸድዎ ዘሎኹም በሪኽ እንታይ እዩ፡ በልክዎም። በዚ ኸምዚ ስሙ ኽሳዕ ሎሚ ባማ ይሰምይዎ አለዉ።

30. ስለዚ ንቤት እስራኤልእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካ ንገሮም፣ ንስኻትኩም ከም መገዲ ኣቦታትኩም እናኸድኩም ረኽስኩም፣ ነቲ ፍንፉን ነገሮም እናሰኦአብኩም ዘሞኹም

31. መባእኩም ከተቕርቡ ውሉድኩም ድማ ብሓዊ ኸተሕልፉ ኸሎኹም፣ ክሳዕ ሎሚ ብዅሉ ጣኦታትኩም ትረኽሱ አሎኹም። ኣቱም ቤት እስራኤል፣ እሞከ ኣነዶ ብኣካትኩም ክሕተት እየ፡ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ብኣኻትኩም ኣይክሕተትን እየ።

32. ንሕና፣ ከምቶም ህዝብታትን ኦኣሌታት ሃገራትንንዕጭን እምንን ከነምልኽኢልኩም ኣብ ሓሳብኩም ጠብላህ ዚብለኩም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ።

33. ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽብብርቱዕ ኢድን ብእተዘርግሔት ቅልጽምን ብእተኻዕወ ነድርን ርግጽ ከነግሰኩም እየ።

34. ብብርቱዕ ኢድን ብእተዘርግሔት ቅልጽምን ብእተኻዕወ ነድርን ካብቶም ህዝብታት ከውጽኣኩም ካብቲ እተዘሮኹምዎ ሃገራትውን ክእክበኩም እየ።

35. ናብ በረኻ ህዝብታት ከኣ ክወስደኩም፣ ኣብእውን ገጽ ንገጽ ናብ ፍርዲ ክንኣቱ ኢና።

36. ከምቲ ምስ ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ሃገር ግብጺ እተፋረድኩ፣ ከምኡ ድማ ምሳኻትኩም ክፋራረድ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

37. ብትሕቲ በትረይ ከሕልፈኩም፣ ናብ መኣስር ኪዳን ከኣ ከእትወኩም እየ።

38. ነቶም ካባይ ዝዐለዉን ዝኸድዑን ካባኻትኩም ክፈልዮም ካብቲ ጓና ዀይኖምዎ ዘለዉ ሃገር ከኣ ከውጽኦም እየ። ግናኸ ናብ ሃገር እስራኤልሲ ኣይኪኣትዉን እዮም። ንስኻትኩም ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

39. ኣቱም ቤት እስራኤልእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ምስማዕ ካብ ኣቤኹምንስል ኪዱነፍሲ ወከፍኩም ንጣኦታትኩም ኣምልኹድሕርዚ ግና ንቅዱስ ስመይ ብመባእኩምን ብጣኦታትኩምን ኣይከተርክስዎን ኢኹም።

40. ኣብቲ ቅዱስ ከረነይ፣ ኣብቲ በሪኽ ከረን እስራኤል፣ ቤት እስራኤል ዘበሉ ዅሎም ኣብታ ሃገር ኬምልኹኒ እዮም። ኣብኡ ተሐጕሰ ክቕበሎም እየ፣ ኣብኡውን ንመስዋእትኹምን ነቲ በዂሪ እቶት መባእኩምን ንስ ኲሉ እተቐደሰ ነገርኩም ክደልዮ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

41. ካብ ህዝብታት ምስ ኣውጻእኩኹም፣ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዝነበርኩም ሃገራት ድማ ምስ ኣከብኩኹም፣ ከም ምኡዝ ሽታ ብኣካትኩም ባህ ክብል፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ህዝብታት ከኣ ብኣኻትኩም ክቕደስ እየ።

42. ንስኻትኩምውን፣ ናብ ሃገር እስራኤል፣ ናብቲ ነቦታትኩም ክህቦም እየ ኢለ ኢደይ ዘልዐልኩሉ ሃገር ምስ ኣእቶኹኹምእግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

43. ኣብኡ ኸኣ ንመገድታትኩምን ነቲ ዝረኸስኩምሉ ግብርኹምን ክትዝክሩ ኢኹም፣ በቲ ዝገበርክምዎ ዘበለ ዅሉ እከይ ድማ ነፍስኹም ኬስካሕክሕ እዩ።

44. ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ከምቲ እኩይ መገድኹምን ከምቲ ብልሽዊ ግብርኹምን ዘይኰነስ፣ ምእንቲ ስመይ ኢለ ምስ ገበርኩልኩም፣ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

45. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣

46. ኣታ ወዲ ሰብገጽካ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ምለስ፣ ናብ ደቡብ ከኣ ቃልካ ኣንጠብጥብ፣ ነቲ ኣብ ደቡብ ዘሎ ዱር መሮር ድማ ተነበየሉ

47. ነቲ ዱር ደቡብ ከኣ፣ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕኢልካ ንገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆል ኣባኻ ሓዊ ኽኣጕድ እየ፣ ነተን ኣባኻ ዘለዋ ዅለን ጥሉላት ኣእዋምን ንዅሉ ንቑጻት ኣእዋምን ሞዅ ኬብለን እዩ። እቲ ነዳዲ ሃልሃልታ ድማ ኣይኪጠፍእን፣ ካብ ደቡብ ክሳዕ ሰሜን ከኣ ኵሉ ገጽ ብእኡ ኺነድድ እዩ።

48. ኵሉ ስጋውን፣ እቲ ዝኣጐዶስ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ፣ ኪርኢ እዩ። ኣይኪጠፍእን እዩ።

49. ሽዑ ኣነ፣ ኣየ፣ ኣት እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ንሳቶም ብዛዕባይ፣ እዝስ ምስላታት እዩ ዚምስልይብሉ አለዉ፣ በልኩ