1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣

2. ኣታ ወዲ ሰብ፣ ነቶም ዚንበዩ ዘለዉ ነብያት እስራኤልሲ ኣንጻሮም ተነበየሎም፣ ነቶም ካብ ልቦም ሀንዲሶም ዚንበዩ ዘለዉውን፣ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑኢልካ ንገሮም።

3. እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ነቶም ገለ ኸይርእዩስ ንመንፈስ ርእሶም ዚስዕቡ ዓያሱ ወይለኦምይብል አሎ።

4. ኣታ እስራኤልነብያትካ ኸም እተን ኣብ ምድረ በዳ ዚነብራ ወኻሩ እዮም።

5. በታ መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኲናት ቀጥ ኢልኩም ክትቈሙስ፣ ናብቲ ፍራስ ኣይወጻእኩምን፣ ኣብ ዙርያ ቤት እስራኤልውን ቀጽሪ ኣይሰራሕኩምን

6. እቶም እግዚኣብሄር ከይለኣኾምሲ፣ እግዚኣብሄር ይብል አሎ፣ ኢሎም ቃሎም ከም ዚፍጸም ዘተስፍዉከንቱነትን ትንቢት ሓሶትን እዮም ዝረኣዩ

7. ኣነ ኸይተዛረብኩስ ንስኻትኩም፡ እግዚኣብሄር ይብል አሎ፡ እትብሉ ዘሎኹም፡ ከንቱ ራእይዶ ኣይኮነን ዝርኤኹምዎትንቢት ሓሶትዶኸ ኣይኰነን እተዛረብኩምዎ

8. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ከንቱነት ስለ እተዛረብኩም ሓሶትውን ስለ ዝርኤኹም፣ ስለዚ እኔኹ ተሀንዲደኩም አሎኹ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

9. ኢደይ ከኣ ነቶም ከንቱነት ዚርእዩን ሓሶት ዚንበዩን ዘለዉ ነብያት ተጻሪራቶም አላ። ንሳቶም ኣብ ባይቶ ህዝበይ ኣይኪህልዉን፣ ኣብ ደብተር ቤት እስራኤል ድማ ኣይኪጸሐፉን፣ ናብ ሃገር እስራኤል ከኣ ኣይኪኣትዉን እዮም፣ ንስኻትኩም ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

10. ሰላም ዜልቦ፣ ሰላም አሎ፣ ኢሎም ንህዝበይ ስለ ዘስሐትዎ፣ እወ ስለ ዘስሐትዎ፣ ንሱ መንደቕ እንተ ነደቐእንሆ፣ ንሳቶም ብዘይ ቀውም ጸብሪ ይልቕልቕዎ አለዉ።

11. ነቶም ብዘይ ቀውም ጸብሪ ዚልቕልቕዎስኪወድቕ እዩ፣ በሎም። ዚደማስስዝናም ኪዘንም እዩ፣ ኣቱም ኣእማን በረድክትወድቁ ኢኹምህቦብላ ንፋስ ከኣ ኬፍርሶ እዩ።

12. እንሆ፣ እቲ መንደቕ ምስ ፈረሰ፣ እቲ ዝለቕለቕኩምሉ ጸብርስ ኣበይ ኣሎዶ ኣይኪብሉኹምን እዮም፡

13. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ብነድረይ ህቦብላ ንፋስ ክፍኑ፣ ብዅራይ ድማ ዚደማስስ ዝናም ከዝንም፣ ብነድረይውን ዜጥፍእ ኣእማን በረድ ከውርድ እየ።

14. ነቲ ብዘይ ቀውም ጸብሪ ዝለቕለቕኩምዎ መንደቕ ከፍርሶን ናብ ምድሪ ኸውድቖን እየ። መሰረቱውን ጋህ ኪብል እዩ። ንሱ ኺወድቕ እዩ፣ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከሉ ኽትጠፍኡ ኢኹም እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

15. ነቲ መንደቕን ነቶም ብዘይ ቀውም ጸብሪ ዝለቕለቕዎን ሃና ነድረይ ከውጽኣሎም እየ። ኣነ ድማ፣ እቲ መንደቕ የሎን፣ እቶም ዝለቕለቕዎውን የለዉን ክብለኩም እየ።

16. ንሳቶም እቶም ብዛዕባ የሩሳሌም ዚንበዩ፣ ሰላም፣ ዜልቦስ ራእይ ሰላም ዚርእዩላ ዘለዉ ነብያት እስራኤል እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

17. ንስኻውን ኣታ ወዲ ሰብገጽካ ናብተን ካብ ልበን ሀንዲሰን ዚንበያ ኣዋልድ ህዝብኻ ኣብል ኣንጻረን ድማ ተነበየለን

18. ንነፍሳት ኬፈንጥራስ፣ እተን መኼዳ ንዅሉ ዅርናዕ ኣእዳው ዚሰፍያን ንዓብይን ንንእሽቶይን ኵሉ ርእሲ ድማ መጐልበቢ ዚገብራን ወይለኤንነፍሳት ህዝበይ ትፍንጥራነፍሳትክንዶ ኸተድሕና ኢኽን፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽኢልካ ንገር።

19. ንስኻትክን ነተን ዘይሞታ ነፍሳት ንሞት እናወፌኽን፣ ነተን ብህይወት ኪነብራ ዘይግባኤን ነፍስት ከኣ ህይወተን ኣድሐንክን፣ ነቲ ሓሶት ዚሰምዕ ህዝበይ እንሐሶኽናሉ፣ ምእንቲ ዕሙዅቲ ስገምን ቈረርስ እንጌራን ኣብ ህዝበይ ተርክሳኒ ኣሎኽን።

20. ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ ኣነ ነተን ንነፍስት ከም ኣዕዋፍ እትፍንጥራለን መኼዳታትክን ተሀንዲደየን አሎኹ፣ ካብ ቅልጽምክን ድማ ክቐደብ፣ ነተን ነፍሳት፣ እወ ነተን ከም ኣዕዋፍ ዝፈንጠርክናኤን ነፍስት ሓራ ኸውጽኤን እየ።

21. ነቲ ምጐልበቢታትክን ድማ ክቐዶንህዝበይ ከኣ ካብ ኢድክን ከድሕኖ እየ፣ ከይተፈንጥራኦምውን ኣብ ኢድክን ኣይኪዀኑን እዮም እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነ ክትፈልጣ ኢኽን።

22. ንልቢ እቲ ጻድቕ፣ ኣነ ኸሕዝኖ ዘይደሌኹስ፣ ንስኻትክን ብሓሶት ስለ ዘሕዘንክናኦ፣ እቲ ረሲእ፣ ካብ መገዲ ረሲኣነት ከይምለስ እሞ ከይድሕንሲ፣ ኣእዳዉ ስለ ዘበርታዕክን

23. ስለዚ ከንቱነት ኣይክትርእያን፣ ድሕርዚ ኸኣ ትንቢት ኣይክትንበያን ኢኽን። ንህዝበይውን ካብ ኢድክን ከናግፎ እየ እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጣ ኢኽን።