1. ኮነ ድማ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኣስቴር ልብሰ መንግስቲ ተኸድነት፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ቤት ንጉስ ዘሎ ውሽጣዊ መካበብያ ቤት ንጉስ ደው በለት። እቲ ንጉስ ከአ ኣብ መንጽር ደገ ቤቱ፡ ኣብ ዝፋን መንግስቱ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኾፍ ኢሉ ነበረ።

2. ኮነ ኸኣ፡ እቲ ንጉስ ንግስቲ ኣስቴር ኣብቲ መካበብያ ደው ኢላ ምስ ረአያኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሞገስ ረኸበት፡ እቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዛንጊ ወርቂ ድማ ዘርግሓላ። ኣስቴር ከአ ቅርብ ኢላ፡ ርእሲ ዘንጉ ተነከየት

3. ሽዑ ንጉስንግስቲ ኣስቴር፡ እንታይ ዃንኪ ኢኺ፡ እንታይሲ ትደልዩ፡ ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እኳ እንተ ዀይኑ ኺወሀበኪ እዩ፡ በላ

4. ኣስቴር ከአ፡ ንጉስ እንተ ደኣ ፈትዩስ፡ ናብቲ ኣዳልየዮ ዘለኹ ምሳሕንጉስ ምስ ሃማን ዀይኑ ሎሚ ይምጻእ በለት

5. እቲ ንጉስ ድማ፡ ኣስቴር ዝበለቶ ምእንቲ ኺግበርሲንሃማን ቀልጢፍኩም ጸውዕዎ፡ በለ። ንጉስን ሃማንን ድማ ናብቲ ኣስቴር ዘዳለወቶኦ ምሳሕ መጹ

6. ነቲ ወይኒ ኺሰትዮ ኸለው፡ ንጉስ ንኣስቴር ልማኖኺ እንታይ እዩ፡ ኪወሀበኪ እዩ፡ እንታይ እዩ ድላይኪ፡ ክሳዕ ፍርቂ መንግስቲ እንተ ኾነ እኳ፡ ይኹነልኪ እዩ፡ በላ

7-8. ኣስቴር ከአ፡ ኣብ ኣዒንቲ ንጉስ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበ፡ ንጉስ ከአ ልማኖይ ኪህበንን ድላየይ ኪገብርን ኣንተ ደኣ ፈትዩስ፡ ናብቲ ዝገበረሎም ምሳሕ፡ ንጉስ ምስ ሃምን ይምጻእጽባሕ ድማ ከምቲ ንጉስ ዝበሎ ኽገብር እየ፡ ልማኖይን ድላየይን እዚ እዩ፡ ኢላ መለሰት

9. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሃማን ባህ ኢልዎ፡ ልቡ ኸኣ ተሓጉሱ ወጸ። ግናኸ ሃማን ንማርዶካይ ኣብ ደገ ንጉስ ሓፍ ከይበለ ኻብኡውን ከይተነቓነቐ ኾፍ ኢሉ ምስ ረአዮ፡ ኣብ ልዕሊ ማርዶካይ ቊጥዓ መልኦ

10. ሃማን ግና ንርእሱ ዝግ ኣበለ። ናብ ቤቱ ምስ አተወ ኸኣ፡ ልኢኹ ንገተውቱን ንዘረሽ ሰበይቱን ኣምጽኦም

11. ሃማን ከአ ዕቤት ሃብቱን ብዝሒ ደቁንንጉስ ብኹሉ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘዕበዮን ኣብ ልዕሊ ሓላቑን ገላው ንጉስን ክብ ከም ዘበሎን ነገሮም

12. ሃማን ድማ ወሲኹ በለንግስቲ ኣስቴር ከአ ናብቲ ዝገበረቶ ምሳሕ ምስ ንጉስ ብጀካይ ኣይጸውዔትንንጽባሕ ድማ ምስ ንጉስ ተጸውዔ አሎኹ።

13. እዚ ዅሉ ግናማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኽሳዕ ዝርእዮስ ባህ ኣይበለንን እዩ፡ በለ።

14. ሽዑ ዘረሽ ሰበይቱን እቶም ፈተውቱ ዅላቶምን ኮይኖም፡ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ ጉንዲ ኣዳሉማርዶካይ ኣብኡ ኺስቀልሲጽባሕ ንግሆ ንንጉስ ንገሮ። ድሕርቲ ምስ ንጉስ ናብቲ ምሳሕ ደስ ኢሉካ ትኸይድበለቶእዚ ነገር ንሃማን ባህ ኣበሎ እሞ፡ ጉንዲ ኸም ዜዳልው ገበረ