1. ኮነ ኸኣ፡ ብዝመን ኣሓሽዌሮስ፡- እዚ ኣሓሽዌሮስ እዚ፡ እቲ ኻብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ሃገር ዝገዝኤ እዩ። -

2. በቲ ዘመን እቲ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኣብቲ ኣብ ኣደራሽ ሱሳን ዝነበረ ዝፋን መንግስቱ ኾፍ ምስ በለ፡

3. ብሳልሰይቲ ዓመት መንግስቱ ንኹሎም ሹማምቲ ንገላውኡን ንሰራዊት ፋርስን ሜዶንን ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ሹማምቲ ሃገራትን ክቡራቶምን ዓብዩ ምሳሕ ገበረሎም

4. ሽዑ ሃብቲ እቲ ኽቡር መንግስቱን ክብረት እቲ ብሉጽ ግርማኡን ንብዙሕ መዓልቲሚእትን ሰማንያን መዓልቲ ኣርአዮም

5. እዘን መዓልትታት እዚኤን ምስ ሐለፋ፡ እቲ ንጉስ ነቶም ኣብ ኣዳራሽ ሱሳን ዝነበሩ ህዝቢ ዅላቶም፡ ካብ ዓብዩ ኽሳዕ ንእሽቶ ኣብ ማኣከል መካበብያ ኣታኽልቲ ቤት ንጉስ ሾብዓተ መዓልቲ ምሳሕ ገበረ

6. ጻዕዳን ሓምላይን ሰማያውን መጋረጃታት፡ ብጻዕዳን ቀይሕን ገመድ ሃሪ ተአሲሩብቐላብቲ ብሩር ተንጠልጢሉ፡ ኣብ ልዕሊ ኣዕኑድ እምነ በረድ ተዘርጊሒ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ብኣልባስጥሮስን ብጻዕዳ እምነ በረድን ብሉልን ብጸሊም እምነ በረድን እተኸድነ ምድሪ ቤት፡ ኣብኡ መናብር ወርቅን ብሩርን ነበረ።

7. እቲ መስቴታት ድማ ብኣቓሑ ወርቂ ኣቕረቡ፡ እቲ ኣቓሑ ኸኣ በብዓየነቱ ነበረ። ከም መጠን ልግሲ እቲ ንጉስ ከአ እቲ ወይኒ መንግስቲ ብዙሕ ነበረ።

8. ንጉስ ከአ ንኹሎም እቶም መዃንንቲ ቤቱ ነፍሲ ወከፍ ከከም ድሌቱ ደኣ ኺገብሩ እምበር፡ ንሓደ እኳ ግዲ ኸይብልዎ ኣዚዙ ነበረ እሞ፡ እቲ ምስታይ ከም እቲ ሕጊ ነበረ።

9. እታ ንግስቲ ዋሽቲ ድማ ኣብ ቤት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ነንስቲ ምሳሕ ገበረት

10. ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲንጉስ ወይኒ ሰትዩ ልቡ ደስ ምስ በሎንመሁማንቢዝታሓርቦናቢግታኣባግታን ዜታርን ካርካስን እዞም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሐሽዌሮስ ዜገሉ ሾብዓተ ስሉባቱ

11. ንግስቲ ዋሽጢመልክዔኛ ነበረት እሞ፡ መልክዓ ንህዝብን ንሿምማትን ከተርኢዘውዲ ንጉስ ደፊኣ ናብ ቅድሚ ንጉስ ኬምጽእዋ አዘዞም።

12. ንግስቲ ዋሽቲ ግና በቲ እቶም ስሉባት ዝነገርዋ ትእዛዝ ንጉስ ምምጻእ ኣበየት። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣዝዩ ኾረየኩራኡ ኸኣ ነደደ

13. ሽዑ እቲ ንጉስ ነቶም ናይ ዘመናት ነገር ዚፈልጡ ጠባቢባን ተዛረቦም፡ - ናይ ንጉስ ነገርሲ ኣብ ቅድሚ ኹሎም ሕግን ፍርድን ዚፈልጡ ኸምዚ ይግበር ነይሩ እዩ።

14. እቶም ናብ ጥቓኡ ዚቕርቡ ዝነበሩ ኸኣ፡ ካርሽናሴታርኣድማታተርሺሽሜረስማርስናምውካን፡ እቶም ገጽ ንጉስ ዚርእዩ፡ ኣብታ መንግስቲ ኣብ ቅድሚት ዚቕመጡ ዝነበሩ ሾብዓተ ሹማምቲ ፋርስን ሚዶንን እዮም።

15. ንንግስቲ ዋሽቲንጉስ ኣሓሽዌሮስ በቶም ስሉባቱ ገይሩ ዛአዘዛ ስለ ዘይገብረት፡ ከም መጠን ሕጊ እንታይ ይገበር፡ በሎም።

16. መሙካን ከአ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ሹማምትንንግስቲ ዋሽቲ ንሓለቓታትን ኣብ ግዝኣት ንጉስ ኣሔሽዌሮስ ንዘለዉ ዅላቶም ህዝብታትን እምበር፡ ንንጉስ ጥራይ ኣይኮነትን ዝበደለት በለ

17. እዚ ንግስቲ ዝገበረቶ ነገር ናብ ኩለን ኣንስቲ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ሰባኡተን ኣብ ቅድሚኤን ንዒቐንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንንግስቲ ዋሽቲ ናብኡ ኼምጽእዋ አዘዘ፡ ግናኸ ኣይመጸትንኪብላ እየን።

18. ሎሚ ኸኣ ወዘራርዝ ፋስን ሜዶንን ንግስቲ ዝገበረቶ ዘረባ ምስ ሰምዓ፡ ንዅላቶም ሹማምቲ ንጉስ ከምኡ ኺብላኦም እየን እሞ፡ ብዙሕ ንዕቀትን ኩራን ኪኸውን እዩ።

19. ንጉስ ኣንተ ደኣ ፈትዩስ ሓደ ንጉሳዊ ትእዛዝ ካብኡ ይውጻእ፡ ከይፈረሰ ከአ፡ ኣብ ሕጊ ፋርስን ሜዶንን ይጸሓፍ። ደጊም ዋሽቲ ናብ ቅድሚ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኣይትእቶ፡ ንጉስ ድማ መንግስታ ንኻልእ፡ ካብኣ ንትሓይስ ይሀብ

20. እቲ ኣዋጅ ንጉስ ኣብ ብዘላ እዛ ገፋሕ መንግስቱ ምስ ተሰምዔ ኸኣ፡ ኩላታን ኣንስቲ ንሰባኡተን፡ ካብ ዓቡዩ ኽሳዕ ንእሽቶክብሪ ኺህባኦም እየን።

21. እዚ ምኽሪ እዚ ድማ ንንጉስን ሹማምትን ባህ ኣበሎም እሞ፡ እቲ ንጉስ ከምቲ ዘረባ መሙካን ገበረ

22. ኣብ ኵሉን ሃገራት እቲ ንጉስ ድማ ነንሃገር ከም ስርዓት ኣጻሓሕፋኡነንህዝቢ ኸኣ በብዘረባኡ ደብዳበ ሰደደ። በተን መልእኽትታት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቤቱ ይምለኽ፡ ብዘረባ ህዝቡ ኸኣ ይዛረብ