1. ማርዶካይ ከአ እተገብረ ዅሉ ነገር ምስ ፈለጠማርዶካይ ክዳኑ ቐዲዱ ኽሊ ተኸድነ፡ ኣብ ርእሱውን ሓሙኹሽቲ ነስነሰ፡ ናብ ማእከል እታ ኸተማ ወጺኡ ድማ ብብርቱዕን መሪርን ኣውያት ኣእወየ።

2. ክሊ ተኸዲንካ ብደገ ንጉስ ምእትው ኣይግባእን ነበረ፡ ንሱ ግና ክሳዕ ቅድሚ ደገ ንጉስ መጸ

3. ኣብ ኩለን ሃገራት ቃል ንጉስን ትእዛዙን ኣብ ዝበጽሑ ዘበለ ቦታ ኸኣ፡ ኣብ ኣይሁድ ብርቱዕ ሓዘንን ጾምን ብኽያትን ዋይዋይታን ኮነ። ብዙሓት ከአ ከሊ ተኸዲኖምን ሓሙኹስቲ ነስኒሶምን ተቐሚጦም ነበሩ።

4. ኣግራድ ኣስቴርን ስሉባን ድማ መጺኦም፡ እዚ ነገርዋ። ሽዑ እታ ንግስቲ ኣዝያ ጎሀየትንማርዶካይ ከአ ነቲ ኽሊ ኻብ ልዕሊኡ ኺወስዱ፡ ኢላ ክዳን ሰደደትሉ። ግናኸ ኣይተቐበላን

5. ሽዑ ኣስቴር ንሃታክ ጸውዓቶ፡ ንሱ ሓደ ኻብቶም ስሉባትንጉስ ኬገልግልዋ ኢሉ ዜቖመላ፡ ነበረ። እዚ እንታይ ምዃኑ ስለምንታይውን ከም ዝዀነ ኺፈልጥ ናብ ማርዶካይ፡ ኪኸይድ ኣዘዘቶ

6. ሃታክ ድማ ናብ ማርዶካይ፡ ናብታ ቕድሚ ደገ ንጉስ ዝነበረት ገፋሕ ቦታ ኣታ ኸተማ ወጸ።

7. ማርዶካይ ከአ እቲ ዝመጾ ዅሉ ነገርን ፍቕዲ እቲ ገንዘብሃማን ንኣይሁድ ንምጥፋእ ኣብ መዝገብ ንጉስ ኬእትዎ ኢሉ ዝመዘኖን ነገሮ

8. እቲ ንኣይሁድ ንምጥፋእ ኣብ ሱሳን እተሐገገ ናይቲ ትእዛዝ ሓደ ቕዳሕ ንኣስቴር ኬርእያን ኪነግራን ናብ ንጉስ ክትአቱ ኽእዝዛን፡ ንሳ ብዛዕባ ህዝባ ኽትልምኖ ድማ፡ ኪልምናን ኢሉ፡ ንእኡ ሀቦ

9. ሃታክ ድማ ናብ ኣስቴር መጺኡዘረባ ማርዶካይ ነገራ

10. ሽዑ ኣስቴር ንሃታክ ንማርዶካይ ከምዚ ኢሉ ኺነግሮ ኣዘዘቶ

11. ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ኾነት ከየተጸውዔ ኣብቲ ውሽጣዊ መካበብያ ናብ ንጉስ ዝአተወ ኺመውት ሕጊ ኸም ዘሎ፡ ኲሎም ገላው ንጉስን ህዝቢ ሃገራት ንጉስን ይፈልጡ እዮም፡ እቲ ንጉስ እታ ዘንጊ ወርቂ ዝዘርግሓሉ ጥራይ እዩ ዚድሕን። ኣነ ድማ ናብ ንጉስ ክአቱ ኻብ ዘይጽዋዕ፡ እዚኣ መበል ሰላሳ መዓልቲ እያ በለት።

12. ዘረባ ኣስቴር ከአ ንማርዶካይ ነገርዎ

13. ማርዶካይ ድማ ንኣስቴር መሊሶም ከምዚ ኺብልዋ ለመኖም፡ ኣብ ቤት ንጉስ ስለ ዘሎኺ፡ ካብ ኲሎም ኣይሁድ ተፈሊኺ፡ ንበይንኺ እድሕን ኢልኪ ብልብኺ ኣይትሕሰቢ

14. በዚ ጊዜ እዚ ስቕ እንተ በልክስ፡ ንኣይሁድ ሓገዝን ሓራን ካብ ካልእ ቦታ ኺመጽእ እዩ፡ ንስኽን ቤት ኣቦኽን ግና ክትጠፍኢ ኢኹም። ንስኺ ኸምዚ ንዝበለ እዋን ናብ መንግስቲ መጺእኪ እንተ ኾንኪ፡ መን ይፈልጥ

15. ሽዑ ኣስቴር ንማርዶካይ ከምዚ ኢሎም ኪመልሱሉ ለመነቶም

16. ኪድ እሞ፡ ኣብ ሱሳን እተረኸቡ ኹሎም ኣይሁድ ኣኪብካ ኽሳዕ ሰለስተ መዓልቲለይትን መዓልትን ከይበልካዕኩም ከይሰቴኹም ንኣይ ጹመለይኣነ ድማ ምስ ኣግራደይ ከምኡ ኽጸውም እየ። ሽዑ፡ ከም ሕጊ እኳ ዘይኮነ ኽነሱ፡ ናብ ንጉስ ክአቱ እየ፡ እንተ ጠፋእኩ እጥፋእ

17. ማርዶካይ ከአ ኸደ፡ ከምቲ ዅሉ ኣስቴር ዝአዘዘቶ ገበረ