1. ድሕርዚ ነገር እዚ ኹራ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ምስ ዘሐለንዋሽትን ነቲ ዝገበረቶን ነቲ ዝፈረዳ ነገርን ሐሰበ

2. ሽዑ እቶም ዜገልግልዎ ዝነበሩ ገላው ንጉስንንጉስ ጽቡቕ ዝመልክዔን ደናግል ኣዋልድ ይድለዩሉበሉ

3. እቲ ንጉስ መልክዔን ዝጸበቓ ኹለን ደናግል ኣዋልድ ናብ ኣደራሽ ሱሳን ናብ ቤት ኣንስቲ ኣብ ኢድ ሄጋይ፡ እቲ ስሉብ ጊልያ ንጉስ ሓላው ኣንስቲዚእክብወን ሹማምቲ ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስቱ የቐምጥንምድላው ዘድሊ ኸኣ ይወሀበን

4. ንዓይኒ ንጉስ ባህ እተብል ጓል ድማ ኣብ ክንዲ ዋሽቲ ትንገስ በሉ። እዚ ነገር እዚ ንንጉስ ደስ ኣበሎ እሞ፡ ከምኡ ገበረ

5. ኣብ ኣደራሽ ሱሳን ሓደ ማርዶካይ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ነበረ፡ ንሱ ወዲ ያኢር፡ ወዲ ሽምዒ፡ ወዲ ቂስ፡ ካብ ደቂኦ ብንያም ነበረ።

6. ንሱ ምስቶም ምስ ኢኮንያ ንጉስ ይሁዳ እተማረኹ ምሩኻት ነቡክዳነጸር ንጉስ ባቢሎን ዝማረኾ፡ ካብ ዮርሳሌም እተማረኸ ነበረ።

7. ኮነ ድማ። ንሃዳሳ ጓል ሓወቦኡ ኣዕብይዋ ነበረ፡ ንሳ ኸኣ ኣስቴር እያ። ኣቦን ኣደን ድማ ኣይነበርዋን። እታ ጓል እቲኣ ኸኣ ኣዝያ መልክዔኛ ትርኢታ ድማ ጽብቕቲ ነበረት። ኣቦኣን ኣዲኣን ምስ ሞቱ ኸኣ፡ ማርዶካይ ከም ጓሉ ጌሩ ሒዝዋ ነበረ።

8. ኮነ ኸኣ፡ ትእዛዝ ንጉስን ፍርዱን ምስ ተሰምዔኣብ ኢድ ሄጋይ ናይ ኣደራሽ ሱሳንብዙሓት ኣዋልድ ምስ ተአከባ ድማ፡ ንኣስቴር ኣብ ኢድ ሄጋይ ሓላው ኣንስቲ ናብ ቤት ንጉስ ኣምጽእዋ

9. እታ ጓል ከአ ኣብ ዓይኑ ባህ ኣበለቶ፡ ኣብ ቅድሚኡውን ሞገስ ረኸበት። ንሱ ድማ ንምድላዋ ዜድልያን ዚግብኣ ምግብን ካብ ቤት ንጉስ እተመደበላ ሾብዓተ ኣግራድን ቀልጢፉ ሀባንእኣን ነግራዳን ድማ ካብቲ ቤት ኣንስቲ ኣብ ዝበለጸ ቤት ኣስፈራ።

10. ማርዶካይኣይትንገሪ፡ ኢሉ ኣዚዝዎ ነበረ እሞ፡ ኣስቴር ህዝባን ወለዶኣን ኣይነገረትን

11. ማርዶካይ ከአ ንኣስቴር ደሓን ምህላዋን እንታይ ከም ዚገብርዋን ኪፈልጥኵሉ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ መካበብያ ቤት ኣንስቲ ይመላለስ ነበረ።

12. ነንሓንቲ ጓል ናብ ንጉስ ኣሔሽዌሮስ ክትኣቱ ታራኣ ምስ በጽሔከም ስርዓት ኣንስቲ ዓሰርተው ክልተ ወርሒ ምስ ገበረት፡ - ከምኡ መዓልትታት ምድላወን ይመልኣሽዱሽተ ወርሒ ብቕብኢ ኸርበ፡ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ብጥዑም ሽቱ፡ ንምድላው ኣንስቲ ብዜድሊ ኻልእ ከአ።

13. በዚ ኸምዚ ኸኣ እታ ጓል ናብ ንጉስ ኣተወትዝደለየቶ ዅሉ ድማ ምስኣ ኻብ ቤት ኣንስቲ ናብቲ ቤት ንጉስ ኪአቱ ተዋህባ

14. ንሳ ምሸት ትኸይድ ነበረት፡ ብጊሓት ድማ ተመሊሳኣብታ ኻልኣይቲ ቤት ኣስንቲ፡ ናብ ሻዕሽጋዝ፡ ናይ ንጉስ ስሉብ ሓላው ኣንስቲ ወሰኑ፡ ትኸይድ ነበረት። ንሳ ንጉስ ከየድለያን ብስማ ኸኣ ከይጸውዓን፡ መሊሳ ናብ ንጉስ ኣይትአቱን ነበረት።

15. ንኣስቴር ጓል ኣቢሓይልሓወቦ ማርዶካይ፡ ከም ጓሉ ዝሐዛ፡ ናብ ንጉስ ክትአቱ ታራኣ ምስ በጽሔ፡ ብጀካ ሂጋይ፡ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብ ሓላው ኣንስቲዝበላ ኻልእ ኣይደለየትን። ኣስቴር ከአ ኣብ ዓይኒ እቶም ዝረአይዋ ኵላቶም ተፈትወት

16. ንኣስቴር ድማ ብዓስረይቲ ወርሒ፡ ንሳ ኸኣ ወርሒ ጤቤትብሳብዐይቲ ዓመት መንግስቱ ኣብ ንጉስ ኣሓሽዌሮስናብ ቤት ንጉስ ወሰድዋ

17. ንጉስ ድማ ንኣስቴር ካብ ኩለን እተን ኣንስቲ ኣብሊጹ ፈተዋኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኸኣ ሐለፋ ኹለን እተን ደናግል ሞገስን ፍቕርን ረኸበትኣብ ርእሳውን ዘውዲ መንግስቲ ደፍኣላ። ኣብ ክንዲ ዋሽቲ ድማ ኣንገሳ

18. ሽዑ እቲ ንጉስ ንሹማምቱን ንገላውኡን ዓብዩ ምሳሕ ገበረሎም። እቲ ምሳሕ እቲ ኸኣ ስለ ኣስቴር ነበረ እሞ፡ ንሰብ እታ ሃገር ኣዕረፎም፡ ከም ልግስነት ንጉስ ከአ ህያባት ሀበ

19. ብኻልይቲ ጊዜ ድማ ደናግል ምስ ዚእከባማርዶካይ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ይብል ነበረ።

20. ኣስቴር ከምቲ ምስኡ ተዐቑባ ኸላ፡ ንትእዛዝ ማርዶካይ ትገብሮ ዝነበረት፡ ኣስቴር ከምቲ ማርዶካይ ዝአዘዛወለደኣን ህዝባን ገና ኣይነገረትን ነበረት።

21. በተን መዓልትታት እቲኤን ከአ ምርዶካይ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኸሎ፡ ቢግታንን ቴረሽንክልተ ናይ ንጉስ ስሉባት፡ ካብቶም ነቲ ደገ ዚሕልው ዝነበሩ፡ ንንጉስ ተቖጥዕዎኣእዳዎም ናብ ልዕሊ ንጉስ ኣሐሽዌሮስ ኬልዕሉ ሓሰቡ።

22. እቲ ነገር ግና ኣብ ማርዳኮይ ተፈልጠ፡ ንሱ ኸኣ ንንግስቲ ኣስቴር ነገራ። ኣስቴር ድማ ብስም ማርዶካይ ንንግስ ነገረቶ

23. እቲ ዘረባ ኸኣ ተመርመረ እሞ ሓቂ ዀይኑ ተረኸበክልቲኦም ከአ ኣብ ጉንዲ ተሰቕሉ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ድማ ኣብ መጽሓፍ ዜና መዋእል ተጻሕፈ