1. ሙሴ፣ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብቅድሚ ሞቱ ንደቂ እስራኤል ዝባረኾም በረኸት እዚ እዩ።

2. በለ ድማእግዚኣብሄር ካብ ሲና መጸካብ ሰዒር ድማ ተላዕለሎም፣ ካብ ከረን ጳራን ኣንጸባረቐካብ ኣእላፋት ቅዱሳን መጸካብ የማናዩ ናይ ሕጊ ሓዊ ወጸሎም።

3. እወ፣ ንሱ ንህዝብታት የፍቅሮምኵሎም ቅዱሳኑ ኣብ ኢድካ እዮም፣ ኣብ እግርካ ይቕመጡ፣ ካብ ቃላትካ ድማ ይቕበሉ

4. ሙሴ ኸኣ ሕጊርስቲ ማሕበር ያእቆብኣዘዘና

5. ሓላቑ ህዝቢነገዳት እስራኤል ዅሎም ብሓደ ምስ ተኣከቡ፣ ንሱ ኣብ ይሹሩን ንጉስ ነበረ።

6. ሮቤል ይንበርኣይሙትሰቡ ግና ሒደት ይኹኑ።

7. ንይሁዳ ኸኣ እዚ እዩበለ ድማ፣ ዎ እግዚኣብሄርቃል ይሁዳ ስማዕናብ ህዝቡ ከኣ ኣእትዎኣእዳዉ ይጽንዓሉካብ ተጻረርቱ ረዳኢ ኹኖ።

8. ብዛዕባ ሌዊ ድማ በለቱሚምካን ኡሪምካን ነቶም ሕያዎት ሰብካ እዮም፣ ነቶም ኣብ ማሳ ዝፈተንካዮም፣ ነቶም ኣብ ማይ መሪባ እተረኸራኸርካዮም

9. ብዛዕባ ኣቦኡን ኣዲኡንኣይርኤኽዎምንዝበለነሕዋቱ ኣየለለዮምን፣ ንደቁ ኸኣ ኣይፈለጦምንቃልካ ሐልዮም እዮም እሞ፣ ኪዳንካ ኣጽንዑ

10. ንያእቆብ ፍርድታትካንእስራኤል ድማ ሕግኻ ኺምህሩዕጣን ናብ ኣፍንጫኻ፣ ምሉእ ዚሐርር መስዋእቲውን ኣብ መሰውኢኻ ኬቕርቡ እዮም።

11. እግዚኣብሄርሓይሉ ባርኽ ግብሪ ኢዱ ኸኣ ተቐበልመሊሶም ከይትንስኡስሕቘ ቕቶም ዚጸልእዎ መጻርርቱ ስበር

12. ብዛዕባ ብንያም በለፍቁር እግዚኣብሄር ምስኡ ብህድኣት ኪነብር እዩ፣ ምሉእ መዓልቲ የጽልሎኣብ መንጎ መንኩቡ ድማ ይሐድር።

13. ብዛዕባ ዮሴፍ ድማ በለምድሩ ብእግዚኣብሄር እተባረኸት ትኹን፣ በቲ ኽቡር ናይ ሰማይ ነገርን ብኣውልን፣ በቲ ኣብ ታሕቲ ንቡር ዘሎ መዓሙቚ

14. በቲ ኽቡር እቶት ጸሓይ፣ በቲ በዋርሕ ዚበቊል ክቡር ነገር ከኣ።

15. በቲ ናይ ጥንታውያን ኣኽራን ዝሔሸ ነገር፣ በቲ ናይ ዘለኣለም ኵርባታት ድማ ዝኸበረ ነገር፣

16. በቲ ናይ ምድሪ ኽቡር ነገርን ምልኣታን፣ በቲ ኣብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዝነበረ ሞገስውንእዚ ኣብ ርእሲ ዮሴፍ፣ ኣብ መንበስበስታ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ እተፈለየ ይምጻእ።

17. ግርማ እቲ በዅሪ ኣርሓኡ ናቱ እዩ፣ ኣቕርንቱ ኣቕርንቲ ጎባይ እዩ፣ ብእኡ ገይሩ ንዅሎም ህዝብታት ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ይወግኦም፣ እዚኣቶም ኣእላፋት ኤፍሬምን ኣሽሓት ምናሴን እዮም።

18. ብዛዕባ ዛብሎን ድማ በለ፣ ኣታ ዛብሎን፣ ብምውጻእካ ባህ ይበልካ። ኣታ ይሳኮርውን ኣብ ድንኳናትካ

19. ሃብቲ ባሕርን ኣብ ሑጻ እተሐብኡ መዝገብን ኪጠብዉ እዮም እሞ፣ ንህዝብታት ናብ ከረን ኪጽውዑ፣ ኣብኡ መስዋእቲ ጽድቂ ኬቕርቡ እዮም።

20. ብዛዕባ ጋድ ድማ በለ፣ እቲ ንጋድ ዘግፍሔ ብሩኽ ይኹን። ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳ ይሰፍርቅልጽምን መንበስበስታን ይሰብር

21. ግደ ሓጋጊ ኣብኡ ተዐቚሩ ነበረ እሞ፣ እቲ ቐዳማይ ንርእሱ ሐረየ፣ ምስ ሓላቑ ህዝቢ መጸምስ እስራኤል ኰይኑ ኸኣ ጽድቂ እግዚኣብሄርን ፍርዱን ፈጸመ

22. ብዛዕባ ዳን ድማ በለ፣ ዳን ካብ ባሳን ዚዘልል ሽደን ኣንበሳ እዩ።

23. ብዛዕባ ንፍታሌምውን በለ፣ ንፍታሌም በረኸት እግዚኣብሄር ዝመልኦ፣ ጽጉብ ጸጋ እዩ፣ ንስኻ ንምዕራብን ንደቡብን ውረስ

24. ብዛዕባ ኣሴር ከኣ በለ፣ ኣሴር በወዳት ብሩኽበሕዋቱውን ፍትዊ ይኹን። ኣእጋሩ ኸኣ ኣብ ዘይቲ ይጥለቕ

25. መሸጐሪኻ ሓጺንን ኣስራዝንሓይልኻ ድማ ከም መዓልትታትካ ይኹን።

26. ይሹሩን፣ ነቲ ንረድኤትካ ብልዕልናኡ ኣብ ደበናታትን ኣብ ሰማያትን እተወጥሔ ኣምላኽ ዚመስሎ የልቦን።

27. እቲ ኣምላኽ ጥንቲ መንበሪኻ እዩ፣ እተን ዘለኣለማውያን ቀላጽሙ ድማ ኣብ ታሕቲ ኣለዋ፣ ንጸላኢ ኻብ ቅድሜካ ሰጐጎኣጥፍእ፣ ድማ በለ።

28. እስራኤል ብህድኣት ይነብር፣ እቲ በይኑ ዘሎ ዔላ ያእቆብ ኣብ ምድሪ ስርናይን ወይንን እዩ፣ ሰማዩ ድማ ኣውሊ የንጠብጥብ

29. ዎ እስራኤል፣ ብጹእ ኢኻ፣ ብእግዚኣብሄር ዝደሐነ ህዝቢ መን እዩ ኸማካ፧ ዋልታ ሓገዝካ፣ ንሱ ድማ ሴፍ ሓበንካ እዩ። ጸላእትኻ ኺግዝኡ እዮም፣ ንስካ ድማ ኣብ ልዕሊ በረኽቶም ክትረግጽ ኢኻ፣