1. ክዛረብ እየ እሞ፣ ሰማያት ጽን በሉምድሪ ኸኣ ቃል ኣፈይ ትስማዕ

2. ትምህርተይ ከም ዝናም ይኻፊዘረባይ ከኣ ከም ዛዕዛዓ ይውረድ። ከም ጥሚቕ ኣብ ልዕሊ ለምለም፣ ከም ብርቱዕ ዝናም ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ

3. ስም እግዚኣብሄር እነግር አሎኹ እሞ፣ ንኣምላኽና ኣዕብይዎ

4. ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ፣ እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ፣ ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ፣ ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ።

5. ንሳቶም ተባላሸውዎደቁ ኣይኰኑን፣ ነውራማት እዮም፣ ሓረመኛን ቄናንን ወለዶ ኣዮም።

6. ኣታ ዓሻን ዘይለባምን ህዝቢንእግዚኣብሄር እዚዶ ትፈድይዎእቲ ዝፈጠረካ ኣቦኻስ ንሱዶ ኣይኰነን፧ ዝገበረካን ዘዳለወካን ንሱ እዩ።

7. እተን ጥንታውያን መዓልትታት ዘክርዓመታት እቶም ውሉድ ወለዶ ኣስተብህሉነቦኻ ጠይቆ፣ ንሱ ኸኣ ኬግህደልካ እዩ፣ ዓበይትኻውን ኪነግሩኻ እዮም።

8. እቲ ልዑል ንህዝብታት ምስ ኣረስተዮምንደቂ ኣዳም ምስ ፈላለዮምከም ቊጽሪ ደቂ እስራኤል ዶባት ህዝብታት መደበ

9. ግደ እግዚኣብሄር ህዝቡ እዩ እሞ፣ ያእቆብ ድማ ክፍሊ ርስቱ

10. ኣብ ድምዊ ባድማ በረኻ፣ ኣራዊት ዜድህዩልይ፣ ኣብ ምድሪ በረኻ ረኸቦከበቦን ተኸናኸኖን፣ ከም መርዓት ዓይኑ ሐለዎ።

11. ንስሪ ጨጨውቱ ኸም ዜንፍር ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ከም ዚዝምቢኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶ፣ ኣብ ከነቲቱ ኸኣ ጾሮ።

12. እግዚኣብሄር በይኑ መርሖ፣ ምስኡ ጓና ኣምላኽ ኣይነበረን።

13. ኣወጢሑ ብበረኽቲ ምድሪ ኣሕለፎ፣ እቶት ግራሁ በልዔ፣ ካብ ከውሒ መዓር ኣምጸዮ፣ ካብ ተሪር ከውሒ ኸኣ ዘይቲ

14. ጠስሚ ላምን ጸባ በጊዕን ምስ ስብሒ ገንሸልን ደዓውል ባሳንን ኣጣልን ምስ ስብሒ ፍቱግ ስርናይ፣ ካብ ደም ኣስካል ከኣ ወይኒ ሰቴኻ

15. ይሹሩን ግና ሀጠረ እሞ ተናድሔሰባሕካረጐድካከረሽካ። ሽዑ ነቲ ዝገበሮ ኣምላኽ ሐደጎ፣ ንኸውሒ ምድሓኑ ነዐቖ።

16. ብጓኖት ኣማልኽቲ ኣቕንእዎ፣ ብጽያፍ ኣናደድዎ

17. ኣምላኽ ንዘይኰኑ ኣጋንንቲንዘይፈልጥዎም ኣማልኽቲ፣ ኣቦታትኩም ንዘይፈርህዎም፣ ሕጂ ቕሩብ ንዝመጹ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሰውኡ

18. ዝወለደካ ኸውሒ ሓደግካዝፈጠረካ ኣምላኽ ድማ ረሳዕካ

19. ኣወዳቱን ኣዋልዱን ስለ ዘዀረይዎ፣ እግዚኣብሄር ከኣ ርእዩ ደርበዮም።

20. በለ ድማ፡ ንሳቶም ሓረመኛ ወለዶእምነት ዜብሎም ደቂ እዮም እሞ፡ ገጸይ ክሐብኣሎም እየ፡ መወዳእታኦም እንታይ ምዃኑ ኽርኢ እየ።

21. ንሳቶም ኣምላኽ ብዘይኰነ ኣቕንኡኒብኸንቱነቶም ኣዀረዩኒ። ኣነ ኸኣ ህዝቢ ብዘይኮነ ከቕንኦምብዓሻ ህዝቢ ከዀርዮም እየ።

22. ብዅራይ ሓዊ ነዲዱ እዩ እሞ፣ ክሳዕ ታሕታይ ሲኦል ይነድድንምድሪ ምስ ፍሬኣ ይበልዓመሰረታት ኣኽራን ድማ የሕርር

23. ክፉእ ኣብ ልዕሊኦም እእክብ፣ ፍላጻይ እውርውረሎም።

24. ብጥሜት ይምህምኑብረስኒ ዓሶን ብመሪር ፌራን ይብልዑ። ኣስናን ኣራዊት ምስ ሕንዚ ለመምታ ምድሪ ኽሰደሎም እየ።

25. ሴፍ ኣብ ወጻኢ፣ ኣብ ውሽጢ ቤትውን ፍርሃትንጐበዝን ንቘንጆን ንዚጠቡ ምስ ሸያብ ኪውድኦም እዩ።

26. ምበልኩፋሕ ከብሎምመዘከርታኦም ካብ ማእከል ሰብ ክጥርስ

27. ግናኸ ምቊንጻብ ጸላኢ ፈራህኩ፣ እቶም ወደረኛታቶም ተጋግዮም፣ ነዚ ዅሉ እታ ልዕልቲ ኢድና ደኣ እምበር፣ እግዚኣብሄር ኣይኰነን ዝገበሮከይብሉ

28. ምኽሪ ዝጠፍኦም ህዝቢ እዮም እሞ፣ ምስትውዓል ከኣ የብሎምን።

29. ነዚ ኼስተውዕልዎ፣ ነቲ ዳሕራዮም ድማ ኪሐስቡስ፣ ለባማት ደኣ እንተ ዚዀኑ።

30. እቲ ኸውሖም እንተ ዘይሸጦምእግዚኣብሄር ከኣ ኣሕሊፉ እንተ ዘይህቦምሲ፣ ከመይ ገይሩ ደኣ ሓደስ ንሽሕ ይሰጎምክልተስ ንዓሰርተ ሽሕ የህድምዎም

31. እቲ ኸውሖም ከም ከውሕና ኣይኰነን እሞ፣ ጸላእትና ድማ በዚ ፈረዲ እዮም።

32. ወይኖም ካብ ወይኒ ሶዶምካብ ግራት ጎሞራ ኸኣ እዩ እሞ፣ ዘቢቦም መርዛም ዘቢብኣስካሎም ድማ መሪር እዩ።

33. ወይኖም ሕንዚ ገበል ዝበርትዔ ሕንዚ መንደላይ ተመን ከኣ እዩ።

34. እዚ ኣባይ ተኣርኒቡ፣ ኣብ መዝገበይ ከኣ ተሐቲሙዶ ኣይኰነን፧

35. መዓልቲ ጥፍኣቶም ቀረባ፣ እቲ እተዳለወሎም ከኣ ቀልጢፉ ኺመጽእ እዩ እሞ፣ በታ ኣእጋሮም ዚሰናኸለላ ጊዜምፍዳይ ሕነን ምኽሓስን ናተይ እዩ።

36. ሓይሎም ከም እተወድኤእተዐጽወን እተሐድገን ከም ዜልቦ ድማ ምስ ረአየእግዚኣብሄር ንህዝቡ ኺብይን እዩ እሞ፣ ንባሮቱ ኸኣ ኪርሕርሓሎም እዩ።

37-38. ሽዑ ይብል፣ እቶም ኣማልኽቶምእቲ ዚእመንዎ ኸውሒ፣ እቶም ስብሒ መስዋእቲ ሕሩዶም ዝበልዑ፣ ወይኒ መስዋእቲ መስቴኦም ከኣ ዝሰተዩ ኣበይ አለዉ፧ ይተንስኡ እሞ ይርድኡኹም፣ መጸግዒውን ይኹኑኹም።

39. ኣነ፡ ኣነ እየ ንሱ፡ ምሳይ ካልእ ኣምላኽ ከም ዜልቦ ድማ፡ ሕጂ ርአዩኣነ እቐትል ህያው እገብርኣነ ኤቚስል እፍውስ ድማ፡ ካብ ኢደይ ዜድሕን ከኣ የልቦን።

40. ኢደይ ንሰማይ ኤልዕል እሞ፡ ኣነ ንዘለኣለም ህያው እየእብል

41. ነቲ ዜንበልብል ሴፈይ ምስ ሰሐልኩኢደይውን ፍርዲ ምስ እትሕዝንተጻረርተይ ክብቀሎም እየንዚጸልኡኒውን ክፈድዮም እየ፣

42. ካብ ደም ቅቱላትን ምሩኻትን ንፍላጻታተይ ብደም ከስክሮ እየ። ሴፈይ ድማ ካብ ርእሲ መራሕቲ እቲ ጸላኢስጋ ኺውሕጥ እዩ።

43. ንደም ባሮቱ ተበቂሉንመጻርርቱ ሕነ ኺፈዲንምድሩንህዝቡ ኺዕረቕ እዩ እሞ፣ ኣቱም ህዝብታትምስ ህዝቡ ተሐጐሱ

44. ሙሴ ድማ፣ ንሱ ምስ እያሱ ወዲ ነዌመጺኡ ኣብ እዝኒ እቲ ህዝቢ ዅሉ ቓላት እዚ መዝሙር እዚ ተዛረበ

45. ሙሴ ኸኣ ኵሉ እዚ ነገር እዚ ንዅሉ እስራኤል ተዛሪቡ ወድኤ

46. በሎም ድማ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝምስክረልኩም ዘሎኹ ዅሉ ቓላት ንደቅኹም ተጠንቂቖም ኪገብርዎ ኽትእዝዝዎምዅሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ልዕብኹም ኣንብርዎ።

47. እዚ ነገር እዚ ህይወትኩም እዩ እምበር፣ ከንቱ ነገር ኣይኰነን፣ ኣብታ ንስካትኩም ክትወርስዋ ንዮርዳኖስ እትሳገርዎ ዘሎኹም ምድሪ ድማ በዚ ነገር እዚ መዓልትታትኩም ተንውሑ

48. እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ

49. ናብዚ ኣብ መንጽር ያሪኮኣብ ምድሪ ሞኣብ ዘሎ ኸረን ዓባሪምናብ ከረን ኔቦደይብ፣ እሞ ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ኸነኣን ርኣያ።

50. ከምቲ ኣሮን ሓውካ ኣብ ከረን ሁር ዝሞተናብ ህዝቡ ኸኣ እተአከበ፣ ንስኻ ድማ ኣብቲ እትድይቦ ኸረን ሙትናብ ህዝብኻውን ተኣከብ

51. እዚ ኣብ ማይ መሪባ፣ ኣብ ቃዴስ ኣብ በረኻ ሲን ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ስለ ዝዓመጽኩምንኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ከኣ ስለ ዘይደቀስኩምኒ እዩ።

52. ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ኣማዕዲካ ትርእያ፣ ናብኣ ግና ኣይትኣቱን ኢኻ።