1. ሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተ ወሰደ እሞ እንተ ኣእተዋ፡ ይኸውን ድማ፡ ዜሕፍር ነገር ስለ ዝረኽበላኣብ ቅድሚኡ ሞገስ እንተ ዘይረኸበት፡ መጽሓፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ ይሀባካብ ቤቱውን ይስደዳ

2. ካብ ቤቱ ምስ ወጸት ድማ፡ ከይዳ ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡

3. እቲ ኻልኣይ ሰብኣይውን እንተ ጸልአመጽሓፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ እንተ ሀባካብ ቤቱ ድማ እንተ ሰደዳ፡ ወይ እቲ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ፡ ዝወሰዳ ኻልኣይ ሰብኣይ እንተ ሞተ

4. እንድሕሪ ረኸሰትእቲ ዝሰደዳ ቐዳማይ ሰብኣያሰበይቱ ኽትከውንመሊሱ ኺወስዳ ኣይኽእልን። እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ነታ እግዚእብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ሓጢኣት ኣይተምጽኣላ።

5. ሓደ ሰብኣይ ሓዳስ ሰበይቲ ምስ ኣእተወናብ ውግእ ኣይውጻእ፡ ገለ ናይ ዕዮ ነገርውን ኣይጽዐንዎሓንቲ ዓመት ኣብ ቤቱ ሓራ ይኹን፡ ነታ ዝወሰዳ ሰበይቱ ባህ የብላ።

6. ሰብ መጥሓንን መዲድን፡ ንሱ ነፍሲ እዩ ዚሕዝ ዘሎ እሞ፡ ንታሕዚ ኣይውሰዶ

7. ሓደ ሰብ ንሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ኻብ ደቂ እስራኤል ሰሪቑ፡ ባርያ ኺገብሮ ወይ ኪሸጦ ኸሎ እንተ ተረኽበ፡ እቲ ሰራቒ እቲ ይሙት። ነቲ ኽፉእሲ ኻብ ማእከልካ ኣርሕቆ

8. ካብ ሕማም ለምጺ ተሐሎከምቲ ሌዋውያን ካህናት ዝመሀሩኹም፡ ኵሉ ኽትገብር ኣጸቢቕካ ተጠንቀቕ። ከምቲ ኣነ ዝአዘዝክዎም፡ ክትገብሩ ተጠንቀቑ

9. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እቲ ኻብ ግብጺ ወጺእኩም ኣብ መገዲ ኸሎኹም፡ ንሚርያም ዝገበሮ ዘክር

10. ንብጻይካ ገለ ለቕሓ ምስ እትለቅሖታሕዚ ኽትወስድ ናብ ቤቱ ኣይትእቶ

11. ኣብ ግዳም ደው ኢልካ ጽናሕ፡ እቲ ንስኻ ዘለቃሕካዮ ሰብ ነቲ ታሕዚ ናብ ግዳም ናባኻ የውጽኣዮ

12. እቲ ሰብ ንሱ ድኻ እንተ ዀነ፡ እቲ ታሕዙ ኣባኻ ኣይተሕድር

13. ተኸዲንዎ ምእንቲ ኺድቅስእቲ ታሕዚ ዕርበት ጸሓይ ምለሰሉይምርቐካ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካውን ንጽድቂ ይዀነካ

14. ካብ ኣሕዋትካ እንተ ዀነ፡ ወይ ኣብ  ሃገርካ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኻብ ዚነብሩ ጓኖትካ እንተ ዀነ፡ ንድኻን ሽጉርን ወዓላይ ኣይትዐምጾ

15. ንሱ ድኻ እዩ፡ ነፍሱ ኸኣ ንእኡ ትጽበ አላ እሞ፡ ውዕለቱ ሽዑ መዓልቲ ጸሓይ ከይዐረበት ሀቦ። እንተ ዘይኰነስ፡ ናብ እግዚኣብሄር ይጠርዓልካ፡ እሞ ሓጢኣት ይዀነካ።

16. ኣቦታት ብሰሪ ደቆም ኣይሙቱደቂ ኸኣ ብሰሪ ኣቦታት ኣይሙቱነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ይሙት

17. ንስደተኛን ንዘኽታምን ፍርዲ ኣይትጥወክዳን መበለት ከኣ ንታሕዚ ኣይትውሰድ

18. ንስኻ ድማ ኣብ ግብጺ ባርያ ከም ዝነበርካን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ካብአ ኸም ዘድሓነካን ዘክር። ስለዚ ነዚ ነገር እዚ ኽትገብሮ፡ ኣነ እእዝዘካ አሎኹ።

19. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ግብሪ ኢድካ ምእንቲ ኺባርኸካስዓጺድካ ኣብ ግራትካ ኽትዐጽድ ከሎኻ፡ ኣብ ግራት እንዳእቲ እንተረሳዕካ፡ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ይኹን እምበር፡ ክትወስዶ ኣይትመለስ

20. ኣውልዕካ ምስ እተርግፍመሊስካ ኣብ ጨናፍር ኣይትእረ፡ ንሱስ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ደኣ ይኹን።

21. ወይንኻ ምስ እትቕንጥብመሊስካ ኣይተቐርሞ፡ ንሱስ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ደኣ ይኹን።

22. ኣብ ምድሪ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር፡ ስለዚ ነዚ ነገር እዚ ኽትገብሮ እእዝዘካ አሎኹ።