1. ፍረ ነፍሱ እተቐጥቀጠ ወይ ብልዕቱ እተሰልበ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ

2. ድቓላ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ካብ ናቱ ኽሳዕ ዓስራይ ወለዶ እኳ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ።

3. ዓሞናዊ ወይ ሞኣባዊ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ካብኦም ዓስራይ ወለዶ እኳ ኽሳዕ ዘለኣለም ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ።

4. እዚ ኻብ ግብጺ ምስ ወጻእኩምኣብ መገዲ እንጌራን ማይን ሒዞም ስለ ዘይተቐበሉኹም፡ ንበላዓም ወዲ ቤዖር ድማ፡ ምእንቲ ኺረግመካ፡ ካብ ጴቶር ናይ ኣራም-ነሃራዪም ብዋጋ ስለ ዘምጽእዎ እዩ።

5. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘፍቀረካ ግና፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንበላዓም ኪሰምዖ ኣይፈተወን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቲ መርገም ናብ ምርቓ ደኣ መለሰልካ

6. ምሉእ ዕድሜካ ንዘለኣለም ሰላሞምን ልምዓቶምን ኣይትድለ

7. ንኤዶማዊሓውካ እዩ እሞ፡ ኣይትፈንፍኖንግብጻዊኣብ ሃገሩ ስደተኛ ኔርካ ኢካ እሞ፡ ኣይትፈንፍኖ።

8. ካብ ሳልሳይ ወለዶ እተወልዱ ቘልዑኦም ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ይእተዉ

9. ንጸላእትኻ ኽትወግእ ወጺእካ ምስ እትሰፍርካብ ክፉእ ዘበለ ዅሉ ተጠንቀቕ

10. ኣባኻ ገለ ብለይቲ ብዝመጾ ነገር ዘይጽሩይ ሰብኣይ እንተሎካብ ሰፈር ናብ ወጻኢ ይውጻእናብ ውሽጢ ሰፈር ኣይእቶ

11. ይኸውን ድማ፡ ኣጋምሸት ማይ ይተሐጸብጸሓይ ምስ ዐረበት ከኣ፡ ናብ ውሽጢ ሰፈር ይእቶ

12. ኣብ ወጻኢ ሰፈር እትወጸሉ ቦታ ይሀሉኻ

13. ምስ መሳርያኻ ድማ ሓንካሾ ሐዝ፡ ይኸውን ድማ፡ ኣብ ወጻኢ ኾፍ ምስ በልካ፡ ብእኡ ጉድጓድ ኽትኵዕት፡ ነቲ ውጽኣትካ ተመሊስካ ኽትከድኖ ኢኻ።

14. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ምእንቲ ኼድሕነካን ንጸላእትኻ ኣብ ኢድካ ኺህበካን፡ ብማእከል ሰፈርካ ኺሐልፍ እዩ እሞ፡ ገለ ዜሕፍር ነገር ከይርእየልካ፡ ገጹ ኸኣ ካባኻ ኸይመልስ፡ እቲ ሰፈርካ ቅዱስ ይኹን።

15. ካብ ጐይታኡ ሀዲሙ ንእተማዕቈበካ ባርያ ናብ ጐይታኡ ኣሕሊፍካ ኣይትሀቦ።

16. ምሳኻ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ዝሔሸቶ ኣብ ዝሐረያ ቦታ ይቀመጥኣይተጥቅዓዮ ኸኣ።

17. ካብ ኣዋልድ እስራኤል ኣመንዝራ ኣይትኹን፡ ካብ ኣወዳት እስራኤል ከኣ ኣብ ተባዕታይ ዚምንዝር ኣይኹን።

18. ክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ዝዀነ መብጽዓኻ ዓስቢ ኣመንዝራን ዋጋ ኸልብን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይተእቱ

19. ሓረጣ ገንዘብ ኰነ፡ ሓረጣ እኽሊ ዀነ፡ ብዚሕረጥ ኵሉ ነገር ንሓውካ ኣይተሕርጥ።

20. ንጓና ደኣ ኣሕርጥእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ኣብ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኺባርኸካስንሓውካ ኣይተሕርጥ

21. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መብጽዓ ምስ ተማባጻዕካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዛዕባኡ ኻባኻ ጸብጻብ ኪደሊ እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ከይዀነካ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ

22. እንተ ዘይተማባጻዕካ ግና፡ ሓጢኣት የብልካን

23. እቲ ኻብ ከናፍርካ ዝወጸ፡ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብፍቓድካ እተማባጻዕካዮኣፍካ እተዛረቦ ሐልዎን ግበሮን

24. ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ብጻይካ እንተ ኣቶኻ፡ ካብቲ ወይኒ ዊን ከም ዝበለካ፡ ክሳዕ እትጸግብብላዕ፡ ናብ ኣቕሓኻ ግና ኣይትግበር

25. ናብ ዘራእቲ ብጻይካ ምስ ኣቶኻሰዊት ብኢድካ ቕጸማዕጺድ ግና ኣብ ዘራእቲ ብጻይካ ኣይተእቱ