1. ካብኡ ተመሊስና ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበለኒብመገዲ ባሕሪ ኤርትራ ንበረኻ ገጽና ተጕዐዝናንኸረን ሰዒር ብዙሕ መዓልቲ ዞርናዮ።

2. እግዚኣብሄር ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ

3. ነዚ ኸረንዚ ምዛር ይኣኽለኩምንሰሜን ገጽኩም ተመለሱ

4. ነቶም ህዝቢውን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞምብዶብ እቶም ኣብ ሰዒር ዚነብሩ ኣሕዋትኩምደቂ ኤሳውክትሐልፉ ኢኹም፡ ንሳቶም ይፈርሁኹም እዮም፡ ተጠንቀቑ ደኣ፡

5. ኣይተዋግእዎምከረን ስዒርሲ ንኤሳው ርስቲ ሂበዮ እየ እሞ፡ ካብታ ምድሮም መርገጽ እግሪ እትኣክል እኳ ኣይህበኩምን እየ።

6. እንጌራ ኻባታቶም ብገንዘብ ዐዲግኩም ብልዑማይውን ካባታቶም ብገንዘብ ዐዲግኩም ስተዩ

7. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዂሉ ተግባር ኢድካ ባሪኹካ እዩ እሞ፡ ንሱ በዚ ዓብዪ በረካ እዚ ምጕዓዝካ ፈለጠ። በዘን ኣርብዓ ዓመት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሳኻ ነበረ፡ ገለ እኳ ኣይጐደለካን።

8. ነቶም ኣብ ሰዒር ዚነብሩ ኣሕዋትና ደቂ ኤሳው ሐሊፍና ድማ፡ ካብታ መገዲ ጐልጐልን ካብ ኤላትን ካብ ዔጽዮን-ገበርን ኣግለስና። ገጽና መሊስና ኸኣ ብመገዲ በረኻ ሞኣብ ሐለፍና

9. እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ምድሪ ዓር ንደቂ ሎጥ ርስቲ ገይረ ስለ ዝሀብክዎምካብ ምድሮም ርስቲ ኣይህበካን እየ እሞ፡ ንሞኣባውያን ኣይተዕገርግሮም ኣይትዋግኣዮምውን

10. ቀደም ሓደ ዓብዪን ብዙሕን ከም ዓናቃውያን ድማ ነዊሕ ዝቚመቱ ህዝቢ ኤሚም፡ ኣብኡ ይቕመጥ ነበረ።

11. ከም ዓናቃውያን ዝበሉ፡ ንሳቶም ከኣ ረፋውያንይቚጸሩ ነበሩ። ሞኣባውያን ግና ኤሚም ይብልዎም ነበሩ።

12. ሖራውያን ድማ ቀደም ኣብ ሰዒር ተቐሚጦም ነበሩ፡ ደቂ ኤሳው ግና፡ ከምቲ እስራኤል ነታ እግዚኣብሄር ዝሀቦም ምድሪ ርስቶም ዝገበርዋሰጒጎም ካብ ቅድሚኦም ኣጥፍእዎም፡ ኣብ ስፍራኦም ድማ ተቐመጡ።

13. ሕጂ ተንስኡ ርባ ዘሬድ ከኣ ተሳገሩ። ርባ ዘሬድ ድማ ተሳገርና

14. እቲ ኻብ ቃዴስ ባርኔዓ ኽሳዕ ርባ ዘሬድ እንሳገር ዝኸድናሉ ዘበን ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሐለሎምወለዶ እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ካብ ማእከል ሰፈር ክሳዕ ዚጠፍእሰላሳን ሾሞንተን ዓመት ኰነ።

15. ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ክሳዕ ዚውድኡ፡ ካብ ማእከል እቲ ሰፈር ከተጥፍኦም ኣብኦም ነበረት።

16. ኰነ ኸኣ፡ እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ኲሎም ካብ ማእከል ህዝቢ ሞይቶም ምስ ተወድኡ

17. እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ

18. ሎሚ ንስኻ ብዓርዶብ ሞኣብክትሐልፍ ኢኻ።

19. ናብ መንጽር ደቂ ዓሞን ምስ ቀረብካኣይተዕገርግሮም፡ ኣይትዋግኣዮም ድማ። ንደቂ ሎጥ ንርስቲ ሂበዮም እየ እሞ፡ ካብ ምድሪ ደቂ ዓሞን እትርስተዮ ገለ እኳ ኣይህበካን እየ።

20. እዚኣ ድማ ቀደም ረፋውያን ስለ ዝነበርዋሃገር ረፋውያን ተቘጽረትዓሞናውያን ግና ዛምዙሚም ይብልዎም ነበሩ።

21. ከም ዓናቃውያንዓብዪን ብዙሕን ነዊሕ ዝቚመቱን ህዝቢ እዩ። ግናኸ እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኦም ኣጥፍኦም እሞ፡ ንኣታቶም ሰጒጎም፡ ኣብ ስፍራኦም ተቐመጡ።

22. ኣብ ሰዒር ንዚነብሩ ደቂ ኤሳው ከም ዝገበረሎምንሖራውያን ካብ ቅድሚኦም ምስ ኣጥፍኤ ንኣታቶም ሰጒጎም ክሳዕ ሎሚ ኣብ ስፍራኦም ተቐመጡ።

23. ነቶም ኣብ ዓድታት ክሳዕ ጋዛ ዝነበሩ ዓዊም ድማ፡ ካብ ካፍቶር ዝወጹ ካፍቶራውያን ኣጥፍእዎም፡ ኣብቲ ስፍራኦም ከኣ ተቐመጡ። -

24. ተንስኡተጕዐዙ፡ ለሰ ኣርኖን ድማ ተሳገሩእንሆሲሆን ኣሞራዊንጉስ ሔስቦንን ምድሩን፡ ኣብ ኢድካ ሂበካ አሎኹ፡ ምውራሳ ጀምር፡ ምስኡ ኸኣ ተዋጋእ

25. ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዚነብሩ ዂሎም ህዝብታትካብ ሎሚ ጀሚረ ምሽብርካን ፍርሃትካን ከውርደሎም እየ። ወሬኻ ምስ ሰምዑ፡ ኣብ ቅድሜኻ የንቀጥቅጡ ራዕዲ ድማ ይሕዞም።

26. ካብ በርኻ ቀደሞት ድማ ናብ ሲሆንንጉስ ሔስቦን፡ ከምዚ ኢለ ልኡኻት ምስ ናይ ሰላም ዘረባ ሰደድኩሉ

27-29. ከምቲ ኣብ ሰዒር ዚነብሩ ደቂ ኤሳውን ኣብ ዓር ዚነብሩ ሞኣባውይንን ዝነበሩለይ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚህበና ምድሪንዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገርየማነ ጸጋም ከየግለስኩ ብመገደ መገዲ ክኸይድ ብምድርኻ ኣሕልፈኒዝበልዖ እንጌራ ብገንዘብ ሽጠለይ፡ ዝሰትዮ ማይ ከኣ ብገንዘብ ሀበኒ፡ ሓንትስ ንእግረይ ጥራይ ኣሕልፈኒበልክዎ

30. ሲሆንንጉስ ሔስቦን ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ናይ ሎሚ ምእንቲ ኣብ ኢድካ ኺህበካንመንፈሱ ኣትረሮ ንልቡ ኸኣ ተጻራሪ ገበሮ እሞ፡ ኬሕልፈና ኣይፈተወን።

31. እግዚኣብሄር ከኣ፡ እንሆ ንሲሆንን ንምድሩን ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፈ ኽህበካ ጀመርኩ እሞ፡ ንምድሩ ምእንቲ ኽትርስተያምውራሳ ጀምር፡ በለኒ

32. ሲሆን ድማ፡ ንሱን ኲሉ ህዝቡን፡ ናብ የሃጽ ንምውጋእና ኺቃባበለና ወጸ

33. እግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ንእኡ ኣብ ቅድሜና ኣሕሊፉ ሀበና፡ ንእኡን ንደቁን ንዂሉ ህዝቡን ከኣ ወቓዕናዮም።

34. በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኲለን ከተማታቱ ወሰድናኲለን ከተማታት ምስናይ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ሓደ እኳ ኸየትረፍን ፈጺምና ኣጥፋእናዮም

35. እተን ዝዘመትናየን ማል ጥራይ ምስቲ ኻብ ከተማታት ዝገፈፍናዮ ንኣና ወሰድና

36. ካብታ ኣብ ገምገም ለሰ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፡ ካብታ ኣብ ለሰ ዘላ ኸተማ ኸኣ ክሳዕ ጊልኣድ ሓንቲ ኸተማ እኳ ብምንዋሓ ዝጸንዓትና ኣይነበረትን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዂለን ኣብ ቅድሜና ኣሕሊፉ ሀበና

37. ጥራይ ምድሪ ደቂ ዓሞን፡ ኲሉ ወገን ርባ ያቦቅን ኣብ ከረን ዝነበራ ኸተማታትን እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኸልከለና ዘበለ ዂሉ ኣይቀረብካን