1. ንግዝኣት ንጉስ ቤልሻጽር ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ንኣይ ንዳንኤልድሕሪ እቲ ብመጀመርያ እተገልጸለይሲራእይ ተገልጸለይ

2. ብራእይ ከኣ ርኤኹክርኤ ከሎኹ ድማ፣ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ኤላም ዘላ ኸተማ ሱሳን ነበርኩ። ብራእይ ርኤኹ፣ ኣብ ጥቓ ርባ ኡላይ ከኣ ነበርኩ።

3. ኣዒንተይ ኣልዒለ ርኤኹ፣ እንሆ ኸኣ፣ ክልተ ዝቐርኑ ድዑል ኣብ ቅድሚ ርባ ደው ኢሉ ነበረ፣ እተን ክልተ ኣቕርንቲ ድማ ልዕል ዝበላ እየን፣ እታ ሓንቲ ግና ካብታ ሓንቲ ልዕል ዝበለት ኣያ፣ እዛ ኣውራ ልዕልቲ ኸኣ ደሓር እያ ዝወጸት

4. እቲ ድዑል ድማ ንምዕራብ ኣቢሉ ንሰሜን ኣቢሉ፣ ንደቡብ ኣቢሉ በቕርንቱ ይፍልስ ነበረ፣ ኪቃወሞ ዚኽእል ኣራዊት ኣይነበረን፣ ካብ ሊዱ ኼናግፍ ዚኽእልውን ኣይነበረን። ንሱ ኸም ዝደለዮ ገበረዓብዪ ድማ ዀነ።

5. ኣነ ኸስተብህል ከሎኹ፣ እንሆድቤላ ኻብ ምዕራብ ኣብ ዝባን ኵላ ምድሪ መጸንምድሪ ኸኣ ኣይተንከያን። እዚ ድቤላ እዚ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ምርእይቲ ቀርኒ ነበረቶ።

6. ንሱ ናብቲ ኽልተ ዝቐርኑ ኣብ ቅድሚ ርባ ደው ኢሉ ዝርኤኽዎ ድዑል መጸብነድሪ ሓይሉውን ጐየዮ

7. ናብቲ ድዑል ኪቐርብ ከሎ ርኤኽዎ፡ ኣዝዩ ኸኣ ተቘጥዖ፡ ነቲ ድዑል ወቕዖ እሞ ክልቲኤን ኣቕርንቱ ሰበሮ፡ ናብ ምድሪ ኣውደቖን ረገጾን። እቲ ድዑል ንምቅዋሙ ሓይሊ ሰኣነ፡ ነቲ ድዑል ካብ ኢዱ ኸናግፎ ዝኸኣለ ኸኣ ኣይነበረን።

8. እቲ ድቤላ ግና እምብዛ ዕብዪ ዀነ። ምስ በርትዔ ድማ እታ ዓባይ ቀርኑ ተሰብረት፡ ኣብ ክንድኣ ኸኣ ኣርባዕተ ምርኡያት ኣቕርንቲ ናብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣቢለን ወጻ

9. ካብ ሓንቲኤን ድማ ንእሽቶ ቐርኒ ወጸት፣ ንሳውን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብታ ኽብርቲ ሃገርን ኣቢላ ዐበየት

10. ክሳዕ ሰራዊት ሰማይ ዐበየ እሞ ካብቲ ሰራዊትን ካብ ከዋኽብትን ንሓያሎ ናብ ምድሪ ኣውደቖም ረገጾም ከኣ።

11. ኤረ ክሳዕ እቲ ሓለቓ ሰራዊት እኳ ተዐበየሉ። ነቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲኸኣ ካብኡ ኣትረፎ፣ እታ ማሕደር መቕደሱውን ፈረሰት

12. እቲ ሰራዊት ምስናይ እቲናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእትስ ብሰሪ ዕልወት እዩ እተዋህቦ። ንሱ ነታ ሓቂ ናብ ምድሪ ደርበያገበረ ሰለጠሉ ኸኣ።

13. ሽዑ ኻብ ቅዱሳንሲ ሓደ ኻዛረብ ከሎ ሰማዕኩ። ሓደ ኻልእ ቅዱስ ድማ ነቲ ዚዛረብ ዘሎ፡ እቲ ብዛዕባ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእትን ብሰሪ ምዕላው ከኣ እቲ መቕደስን ሰራዊትን ንምርጋጽ ምእንቲ ኪውሀብ ዚመጽእ ምዕናውን ዚነግር ራእይሲ ኽሳዕ መኣዝ ኣዩ ዚነበር፧ ኢሉ ተዛረቦ

14. ንሱ ኸኣ፣ ክሳዕ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ምሸትን ብጊሓትን፣ ሽዑ እታ መቕደስ ክትነጽህ እያ፣ በለኒ

15. ኰነ ድማ፣ ኣነ ዳንኤል ነቲ ራእይ ምስ ርኤኹከስተውዕሎ ደሌኹ። እንሆ ኸኣ፣ ሰብ ዚመስል ኣብ ቅድመይ ደው በለ።

16. ካብ ማእከል ኡላይ ድማ፣ ገብርኤል፣ እቲ ራእይ ነዚ ሰብዚ ግለጸሉኢሉ ዚጽውዕ ድምጺ ሰብ ሰማዕኩ

17. ንሱ ኸኣ ናብታ ደው ኢለያ ዝነበርኩ ስፍራ ቐረበ። ምስ መጸ፡ ሰምበድኩ ብገጸይውን ወደቕኩ። ንሱ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዛ ራእይ እዚኣ ብዛዕባ ጊዜ መወዳእታ እያ እሞ፡ ኣስተውዕልበለኒ

18. ንሱ ኺዛረበኒ ኸሎ፣ ኣእምሮይ ጠፊኡኒ፣ ብገጸይ ናብ ምድሪ ወደቕኩ። ግናኸ ንሱ ተንከየኒቀጥ ኣቢሉ ኸኣ ኣቘመኒ

19. ንሱውን በለ፣ እዚ ብዛዕባ እቲ እተመደበ ናይ መወዳእታ ጊዜ እዩ እሞ፣ እንሆ፣ ነቲ ኣብ መወዳእታ ጊዜ ቝጥዓ ዚኸውን ከፍልጠካ እየ።

20. እቲ ዝርኤኻዮ ኽልተ ዝቐርኑ ድዑልሲ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን እዮም።

21. እቲ ጨጓር ድቤላ ድማ ንጉስ ዮናኒ እዩ። እታ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ዝነበረት ዓባይ ቀርኒ ኸኣ እቲ ቐዳማይ ንጉስ እዩ።

22. ብዛዕባ እታ እተሰብረትን ኣብ ክንድኣ ኸኣ ኣርባዕተ ዝተንሳኣን፣ ካብቲ ህዝቢ ኣርባዕተ መንግስታት ኪትንስኣ እየን፣ ብሓይሊ ግና ኣይኪመዓራረይኣን እየን።

23. ኣብቲ መወዳእታ መንግስቶም ከኣ፣ እቶም ኣበሰኛታት መስፈሮም ምስ መልኤ፣ ሓደ ጨካን ዝገጹን ተንኰል ዜስተውዕልን ንጉስ ኪትንስእ እዩ።

24. ሓይሉ ኺብርትዕ እዩ፣ ብሓይሉ ግና ኣይኰነን፣ መስተንክር ዝዀነ ጥፍኣት ኪገብር እዩ። ኪገብር ኪሰልጦውን እዩ፣ ንሓያላትን ንህዝቢ ቅዱሳንን ድማ ኬጥፍኦም እዩ።

25. ብጥበቡ ኸኣ ምጥባር ኣብ ኢዱ ኼስልጥብልቡ ኺዕበብድንገት ንብዙሓት ኬጥፍእ፣ ኤረ ነቲ መስፍን መሳፍንቲ ኺትንስኦ እዩ፣ ግናኸ ብዘይ ኢድ ሰብ ኪስበር እዩ።

26. እቲ ብዛዕባኣኡ ኣተዘርበ ናይ ምሸትን ብጊሓትን ራእይሲ ሓቂ እዩ። እዚ ራእይ ንርሑቕ ዘመን እዩ እሞ፣ ሕተሞ

27. ኣነ ዳንኤል ከኣ ዐወልኩ፣ ሓያሎ መዓልቲ ድማ ሓመምኩ፣ ደሓር ተንሳእኩ፣ ኣብ ዕዮ ንጉስውን ተጸመድኩ። በቲ ራእይ ከኣ እድነቕ ነበርኩ፣ ነዚ ዘስተብህል ግና ኣይነበረን።