1. ንዳርዮስ፣ ኣብ ብዘላ መንግስቱ ዚዀኑ ሚእትን ዕስራን መሳፍንቲ ኣብታ መንግስቲ ኺሸይም፣ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮ።
2. እቲ ንጉስ ከይጕዳእሲ፣ እቶም መሳፍንቲ ጸብጻብ ኪህቡዎም፣ ኣብ ሎሊኦም ሰለስተ ኣርኣሰሎም፣ ሓደ ኻብ እዚኣቶም ከኣ ዳንኤል እዩ።
3. ዳንኤል ግና፣ ብሉጽ መንፈስ ሐዲርዎ ነበረ እሞ፣ ካብቶም ራእስታትን መሳፍንትን በለጸ፣ እቲ ንጉስ ድማ ኣብ ብዘላ መንግስቲ ኼርእሶ ሐሰበ።
4. ሽዑ እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ንዳንኤል ብናይ መንግስቲ ጕዳይ ምኽንያት ኺረክቡሉ ደለዩ፣ ግናኸ እሙን ነበረ፣ ገለ ጌጋ ወይስ መንቀፊ ኸኣ ሰኣኑሉ እሞ፣ ምኽንያት ወይስ መንቀፊ ኺረክቡሉ ከቶ ኣይከኣሉን።
5. ሽዑ እቶም ሰባት፣ ነዚ ዳንኤልሲ፣ ነታ ሕጊ ኣምላኹ እንተ ዘኰይኑ፣ ካልእ ምክንያት ክንረኽበሉ ከቶ ኣይንኽእልን ኢና፣ በሉ።
6. ድሕርቲ እቶም ራእስታትን መሳፍትን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ተኣከቡኡ እሞ ከምዚ ኢሎም በልዎ፣ ዎ ዳርዮስ፣ ንዘለኣለም ህያው ኩን።
7. ኵላቶም ራእስታትን መንግስትን ሹማምትን መሳፍንትን ኣማከርትን ምስሌታትን፣ በዘን ሰላሳ መዓልቲ ኢዝኤን፡ ዎ ንጉስ፡ ናኣኻ እንተ ዘኰይኑ፡ ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ዝለመነ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ከም ዚድርበ፡ ትእዛዝ ንጉስ ኪጸንዕ፡ ብርቱዕ ክልክል ከኣ ኪእወጅ ሐቢሮም መኸሩ።
8. ዎ ንጉስ፣ ከምቲ ዘይልወጥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኪኸውን እሞ ከይልወጥሲ፣ ስምካ ጽሒፍካ ነቲ ኽልክል ኣጽንዓዮ።
9. ንጉስ ዳርዮስ ድማ ነቲ ጽሑፍን ክልክል ኣጽንዖ።
10. ዳንኤል ድማ እዚ ሕጊ ኸም እተጻሕፈ ምስ ፈለጠ፣ ናብ ቤቱ ኸደ። እተን መሳዅቲ እታ ኣብ ደርቢ ዝነበረት ቤቱ ናብ የሩሳሌም ኣቢለን ተኸፊተን ነበራ እሞ ከምቲ ቐደም ዚገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ፣ ጸለየን ኣመስገነን።
11. ሽዑ እቶም ሰባት ተኣኻኸቡ፣ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ኺጽልን ኪምህለልን ከሎ ረኽብዎ።
12. ሽዑ ቐሪቦም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብዛዕባ እቲ ኽልክል ንጉስ፣ ዎ ንጉስ፣ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኤን፣ ናኻ እንተ ዘይኰነስ፣ ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ገለ ዝለመነ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ኪድርበ፣ ኢልካዶ ኽልክል ኣይኣወጅካን፡ ኢሎን ተዛረብዎ። እቲ ንጉስ ድማ፣ እዚ ነገር እዚ ኸምቲ ኺልወጥ ዘይከኣል ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኰይኑ ጸኒዑ እዩ ኢሉ መለሰ።
13. ሽዑ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ እዚ ኻብ ደቂ ምርኮ ይሁዳ ዝዀነ ዳንኤል ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ልማኖኡ ይልምን አሎ እምበር፣ ዎ ንጉስ፣ ንኣኻ ወይስ ነቲ ዝኣወጅካዮ ኽልክል ግዲ የብሉን፣ ኢሎም መለሱ።
14. እቲ ንጉስ እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዔ፣ ኣዝዩ ጐሀየ፣ ምእንቲ ኼናግፎ ኸኣ ልቡ ናብ ዳንኤል ኣድሀበ፣ ጸሓይ ክሳዕ እትዐርብውን፣ ኬድሕኖ ተጋደለ።
15. ሽዑ እቶም ሰባት ናብ ንጉስ ተኣከቡ እሞ፣ ዎ ንጉስ፣ እቲ ንጉስ ዘጽንዖ ክልክል ትእዛዝን ከይልወጥሲ፣ ኣብ ሜዶንን ፋርስን ህጊ ኸም ዘሎ ፍለጥ፣ ኢሎም ንንጉስ ተዛረብዎ።
16. ሽዑ እቲ ንጉስ ኣዘዘ፣ ንዳንኤል ከኣ ኣምጽእዎ፣ ናብ ጕድጓድ ኣናብስውን ደርበይዎ። ንጉስ ድማ ንዳንኤል፣ እቲ ዅሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላኽካ ንሱ የናግፍካ፣ በሎ።
17. ሓደ እምኒ ኣምጺኦም ነቲ ኣፍ ጕድጓድ ኦአጸውዎ። እቲ ንጉስ ከኣ፣ ገለ ብዛዕባ ዳንኤል ከይልወጥሲ፣ ብቐለቤቱን ብቐለቤት መሳፍንቱን ሐተሞ።
18. እቲ ንጉስ ናብ ኣዳራኡ ኸድ፡ ጸሙ ኸኣ ሐደረ፡ ኣብ ቅድሚኡ ድራር ኣየቕረበን፡ ድቃስውን ካብኡ በረረ።
19. ንጽባሒቱ እቲ ንጉስ ኣንጊሁ ተንስኤ፣ ቀልጢፉ ኸኣ ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ከደ።
20. ናብቲ ጕድጓድ ምስ ቀረበ፣ ንዳንኤል እናሕነቕነቐ ጸውዖ። እቲ ንጉስ ከኣ፣ ኣታ ዳንኤል ባርያ ህያው ኣምላኽ፣ እቲ ዅሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላኽካስ ካብ ኣናብስ ኬናግፈካዶ ኸኣለ፡ ኢሉ ንዳንኤል ተዛረቦ።
21-22. ሽዑ ዳንኤል ንንጉስ፣ ዎ ንጉስ፣ ንዘለኣለም ህያው ኩን። ዎ ንጉስ፣ ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ ኰይነ ተረኺበ እየ፣ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ኣይበደልኩን እሞ፣ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፣ ኣፍ ኣናብስ ዐጸወ፣ ከቶውን ኣይጐድኡንን፣ ኢሉ መለሰሉ።
23. ሽዑ እቲ ንጉስ ኣዝዮ ተሐጐሰ፡ ንዳንኤል ካብቲ ጉድጓድ ኬውጽእዎ ኸኣ አዘዘ። ንዳንኤል ድማ ካብቲ ጕድጓድ ኣውጽእዎ። ኣብ ኣምላኹ ተወኪሉ ስለ ዝነበረውን፡ ገለ ጕድኣት ኣይተረኽቦን።
24. እቲ ንጉስ ከኣ ኣዘዘ፣ ነቶም ከሰስቲ ዳንኤል ኣምጺኦም፣ ንሳቶም ደቆምን ኣንስቶምን ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ደርበይዎም። ገና ኣብ ከብዲ ጕድጓድ ከይበጽሑ ድማ፣ እቶም ኣናብስ ጐበጥዎም፣ ዅሉ ኣዕጽምቶምውን ሰባበርዎ።
25. ድሕርዚ ንጉስ ዳርዮስ ነቶም ኣብ ኵላ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ከምዚ ኢሉ ጸሀፈ፣ ሰላም ይብዛሓልኩም።
26. ኣምላኽ ዳንኤል ንዘለኣለም ዚነብር ህያው ኣምላኽ እዩ፣ መንግስቱ ኣይክትጠፍእን እያ፣ ግዝኣቱውን ክሳዕ መወዳእታ ኪቐውም እዩ እሞ፣ ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስተይ ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቀጡን ይህርሁን፣ ኢለ እእዝዝ አሎኹ።
27. ንሱ የናግፍን የድህንን፣ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ካብ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር እዩ። ንዳንኤል ካብ ኣናብስ ዘድሐነ ድማ ንሱ እዩ።
28. እዚ ዳንኤል እዚ ኣብ መንግስቲ ዳርዮስን ኣብ መንግስቲ ቂሮስ ብዓል ፋርስን ሰልጠነ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...