1. ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ ነቲ ቤልሻጽር እተሰምየ ዳንኤል ነገር ተገልጸሉ፣ እቲ ነገር ከኣ ሓቂ እዩ፣ ስለ ዓብዪ መከራ ድማ እዩ። ንሱ ነቲ ነገር ኣቕለበሉ፣ ነቲ ራእይውን ኣስተውዐሉ

2. በቲ ጊዜ እቲ ነቲ ዳንኤል ሰለሰተ ሰሙን ምሉእ ሐዚነ ነበርኩ።

3. እተን ሰለሰተ ሰሙን ክሳዕ ዞፍጸማጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኩንስጋን ወይንን ናብ ኣፈይ ኣየእቶኹም፣ ዘይቲውን ኣይተለኼኹን

4. ኣብታ መጀመርያ ወርሒ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ኣብ ወሰን እቲ ዓብዪ ርባ ሂዲውቄል ነበርኩ።

5. ኣዒንተይ ቈላሕ ኣበልኩ እሞ ርኤኹ፣ እንሆ ኸኣ፣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ኣብ ሕቝኡ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኡፋዝ እተቐነተ ሰብኣይ ነበረ።

6. ስጋኡ ኸም በሪሎስገጹ ኸም ትርኢት መብረቕኣዒንቱ ኸም ዚነድድ ፋናቀላጽሙን ኣእጋሩን ክርም ርሱን ኣስራዚድምጺ ቓላቱ ድማ ከም ድምዚ ብዙሕ ህዝቢ ነበረ።

7. ነቲ ራእይ ኣነ ዳንኤል በይነይ እየ ዘርኤክዎ፣ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ራእይ ኣይረአይዎንኅ ዓብዪ ስምባድ ግና ወደቖምኪሕብኡ ኸኣ ሀደሙ

8. ሽዑ በይነት ተረፍኩ፣ ነዚ ዓብዪ ራእይ እዚ ኸኣ ርኤኹሓይሊ ኣይተረፈንንሕብሪ ገጸይ ክሳዕ ዚበላሾ ተለወጠኒሓይሊውን ኣይተረፈንን

9. ድምጺ ቓላቱ ሰማዕኩ፣ ድምጺ ቓላቱ ምስ ሰማዕኩ ኸኣ፣ ውኖይ ጠፊኡኒ፣ ብገጸይ ናብ ምድሪ በወደቕኩ

10. እንሆ ኸኣ፣ ኢድ ተንከየትኒበብራኸይን ብግናዕ ኣእዳወይን ከኣ ኣተንስኣትኒ

11. ንሱውን፣ ኣታ ዳንኤል፣ ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ፣ ኣነ ሕጂ ናባኻ ተላኢኸ እየ እሞ፣ ነቲ ዝነግረካ ቓላት ኣስተውዕሎቀጥ ኢልካ ድማ ደው በል፣ በለኒ። እዚ ቓል እዚ ምስ ተዛረበኒእናንቀጥቀጥኩ ደው በልኩ።

12. በለኒ ድማ፣ ዳንኤለየ፣ ካብታ ልብኻ ናብ ምስትውዓል ዘቕናዕካላ ርእስኻውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካ ዘትሓትካላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረን ቃላትካ ተሰሚዔን እየን እሞ፣ ኣይትሸበር፣ ምእንቲ እዘን ቃላትካ ኸኣ መጺኤ እኔኹ።

13. እቲ መስፍን መንግስቲ ፋርስ ግና ዕስራን ሓደን መዓልቲ ተቓወመኒ። እንሆ ኸኣ፣ ሚካኤል፣ ካብቶም ኣውራታት መሳፍንትስ ሓደንምሕጋዘይ መጸ፣ ኣነውን ኣብኡ ምስቶም ነገስታት ፋርስ ተረፍኩ

14. እዚ ራእይ ንዳሕራይ ዘመን ዚኸውን እዩ እሞ፣ ኣነ ንህዝብኻ ኣብ መወዳእታ ዘመን ዚበጽሖም ከፍልጠካ መጺኤ እኔኹ።

15. እዚ ቓላት እዚ ምስ ተገረኒገጸይ ናብ ምድሪ ኣድነንኩ ዓባስውን ኰንኩ።

16-17. እንሆ ኸኣ፣ ወዲ ሰብ ዚመስል ከናፍረይ ተንከየኒ፣ ሽዑ ኣፈይ ከፈተ ተዛረብኩ፣ ነቲ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ ዝነበረ ድማ፣ ጐይታየ፣ በቲ ዝርኤኽዎ ራእይሲ ሕማመት ደጊሱኒ፣ ሓይሊ ኣይተረፈንን። ኣነስ ገለ ሓይሊ ኣይተረፈንንምስትንፋስ እኳ ስኢነ እየ እሞ፣ ባርያ እዚ ጐይታይሲ ከመይ ኢሉ ምስ እዚ ጐይታይ ዚዛረብ ይከኣሎ፡ በልክዎ

18. ሽዑ እቲ ሰብ ዚመስል ከም ብሓድሽ ተንከየኒ ኣበርትዓኒውን

19. ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ኣዚኻ እተፈቶካ ሰብኣይትሸበርሰላም ንኣኻ ይኹን፣ በርትዕ፣ ኤረ በርትዕበለ። ምስ ተዛረበኒበርታዕኩ፣ ኣነውን፣ ጐይታየኣበርቲዕካኒ ኢኻ እሞ፣ ተዛረብበልኩ

20. ንሱ ድማ በለ፣ ኣነ ስለምንታይ ኢለ ናባኻ ኸም ዝመጻእኩዶ ፈሊይካ አሎኻ፡ ሕጂ ኸኣ ምስ መስፍን ፋርስ ክዋጋእ ክምለስ እየ። ኣነ ኽወጽእ ከሎኹስ እንሆ፣ እቲ መስፍን ዮናኒ ኺመጽእ እዩ።

21. ግናኸ እቲ ኣብ መጽሓፍ ሓቂ እተጻሕፈ እነግረካ አሎኹ፡ ነዚኣቶም ንምቅዋም ብጀካ ሚካኤል፡ እቲ ምስፍንኩም፡ ሓደ እኳ ዚሕግዘኒ የብለይን።