1. ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ ነቲ ቤልሻጽር እተሰምየ ዳንኤል ነገር ተገልጸሉ፣ እቲ ነገር ከኣ ሓቂ እዩ፣ ስለ ዓብዪ መከራ ድማ እዩ። ንሱ ነቲ ነገር ኣቕለበሉ፣ ነቲ ራእይውን ኣስተውዐሉ።
2. በቲ ጊዜ እቲ ነቲ ዳንኤል ሰለሰተ ሰሙን ምሉእ ሐዚነ ነበርኩ።
3. እተን ሰለሰተ ሰሙን ክሳዕ ዞፍጸማ፣ ጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኩን፣ ስጋን ወይንን ናብ ኣፈይ ኣየእቶኹም፣ ዘይቲውን ኣይተለኼኹን።
4. ኣብታ መጀመርያ ወርሒ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ኣብ ወሰን እቲ ዓብዪ ርባ ሂዲውቄል ነበርኩ።
5. ኣዒንተይ ቈላሕ ኣበልኩ እሞ ርኤኹ፣ እንሆ ኸኣ፣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ኣብ ሕቝኡ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኡፋዝ እተቐነተ ሰብኣይ ነበረ።
6. ስጋኡ ኸም በሪሎስ፣ ገጹ ኸም ትርኢት መብረቕ፣ ኣዒንቱ ኸም ዚነድድ ፋና፣ ቀላጽሙን ኣእጋሩን ክርም ርሱን ኣስራዚ፣ ድምጺ ቓላቱ ድማ ከም ድምዚ ብዙሕ ህዝቢ ነበረ።
7. ነቲ ራእይ ኣነ ዳንኤል በይነይ እየ ዘርኤክዎ፣ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ራእይ ኣይረአይዎንኅ ዓብዪ ስምባድ ግና ወደቖም፣ ኪሕብኡ ኸኣ ሀደሙ።
8. ሽዑ በይነት ተረፍኩ፣ ነዚ ዓብዪ ራእይ እዚ ኸኣ ርኤኹ፣ ሓይሊ ኣይተረፈንን፣ ሕብሪ ገጸይ ክሳዕ ዚበላሾ ተለወጠኒ፣ ሓይሊውን ኣይተረፈንን።
9. ድምጺ ቓላቱ ሰማዕኩ፣ ድምጺ ቓላቱ ምስ ሰማዕኩ ኸኣ፣ ውኖይ ጠፊኡኒ፣ ብገጸይ ናብ ምድሪ በወደቕኩ።
10. እንሆ ኸኣ፣ ኢድ ተንከየትኒ፣ በብራኸይን ብግናዕ ኣእዳወይን ከኣ ኣተንስኣትኒ።
11. ንሱውን፣ ኣታ ዳንኤል፣ ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ፣ ኣነ ሕጂ ናባኻ ተላኢኸ እየ እሞ፣ ነቲ ዝነግረካ ቓላት ኣስተውዕሎ፣ ቀጥ ኢልካ ድማ ደው በል፣ በለኒ። እዚ ቓል እዚ ምስ ተዛረበኒ፣ እናንቀጥቀጥኩ ደው በልኩ።
12. በለኒ ድማ፣ ዳንኤለየ፣ ካብታ ልብኻ ናብ ምስትውዓል ዘቕናዕካላ ርእስኻውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካ ዘትሓትካላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረን ቃላትካ ተሰሚዔን እየን እሞ፣ ኣይትሸበር፣ ምእንቲ እዘን ቃላትካ ኸኣ መጺኤ እኔኹ።
13. እቲ መስፍን መንግስቲ ፋርስ ግና ዕስራን ሓደን መዓልቲ ተቓወመኒ። እንሆ ኸኣ፣ ሚካኤል፣ ካብቶም ኣውራታት መሳፍንትስ ሓደ፣ ንምሕጋዘይ መጸ፣ ኣነውን ኣብኡ ምስቶም ነገስታት ፋርስ ተረፍኩ።
14. እዚ ራእይ ንዳሕራይ ዘመን ዚኸውን እዩ እሞ፣ ኣነ ንህዝብኻ ኣብ መወዳእታ ዘመን ዚበጽሖም ከፍልጠካ መጺኤ እኔኹ።
15. እዚ ቓላት እዚ ምስ ተገረኒ፣ ገጸይ ናብ ምድሪ ኣድነንኩ ዓባስውን ኰንኩ።
16-17. እንሆ ኸኣ፣ ወዲ ሰብ ዚመስል ከናፍረይ ተንከየኒ፣ ሽዑ ኣፈይ ከፈተ ተዛረብኩ፣ ነቲ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ ዝነበረ ድማ፣ ጐይታየ፣ በቲ ዝርኤኽዎ ራእይሲ ሕማመት ደጊሱኒ፣ ሓይሊ ኣይተረፈንን። ኣነስ ገለ ሓይሊ ኣይተረፈንን፣ ምስትንፋስ እኳ ስኢነ እየ እሞ፣ ባርያ እዚ ጐይታይሲ ከመይ ኢሉ ምስ እዚ ጐይታይ ዚዛረብ ይከኣሎ፡ በልክዎ።
18. ሽዑ እቲ ሰብ ዚመስል ከም ብሓድሽ ተንከየኒ ኣበርትዓኒውን።
19. ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ኣዚኻ እተፈቶካ ሰብ፣ ኣይትሸበር፣ ሰላም ንኣኻ ይኹን፣ በርትዕ፣ ኤረ በርትዕ፣ በለ። ምስ ተዛረበኒ፣ በርታዕኩ፣ ኣነውን፣ ጐይታየ፣ ኣበርቲዕካኒ ኢኻ እሞ፣ ተዛረብ፣ በልኩ።
20. ንሱ ድማ በለ፣ ኣነ ስለምንታይ ኢለ ናባኻ ኸም ዝመጻእኩዶ ፈሊይካ አሎኻ፡ ሕጂ ኸኣ ምስ መስፍን ፋርስ ክዋጋእ ክምለስ እየ። ኣነ ኽወጽእ ከሎኹስ እንሆ፣ እቲ መስፍን ዮናኒ ኺመጽእ እዩ።
21. ግናኸ እቲ ኣብ መጽሓፍ ሓቂ እተጻሕፈ እነግረካ አሎኹ፡ ነዚኣቶም ንምቅዋም ብጀካ ሚካኤል፡ እቲ ምስፍንኩም፡ ሓደ እኳ ዚሕግዘኒ የብለይን።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...