1. ንቤልሻጽር ንጉስ ባቢሎን ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱዳንኤል ኣብ መደቀሲኡ ኸሎ፡ ሕልምን ራእያት ርእሱን ረአየ። ሽዑ ነቲ ሕልሚ ጸሕፎ፡ ርእሱ ነገሩውን ኣዘንተዎ።

2. ዳንኤል ከምዚ ኡሉ ተዛረበለይቲ ብራእየይ ርኤኹእንሆ ኸኣ፣ እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይጋጨው ነበሩ።

3. ካብቲ ባሕሪ ድማ በበይኖም ዝዓይነቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ወጹ

4. እቲ ቐዳማይ ነንበሳ ይመስል፣ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፍ ኽሳዕ ዚምንቄሳ ኸኣ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ ተንስኤ፣ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ፣ ልቢ ሰባውን ተዋህቦ

5. እንሆ ድማ፣ ካልኣይንድቢ ዚመስል ካልእ ኣራዊት። ንሱ ብጐድኑ ተንስኤሰለስተ ዓጽሚ መሰንገለ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ነበረ፣ ተንስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ፣ ከኣ በልዎ

6. ድሕርዚ እንሆካልእ ኣራዊትኣብ ጐድኑ ኣርባዕተ ኽንፊ ዑፍ ዝነበሮ ንነብሪ ዚመስል ጠመትኩ። እዚ ኣራዊት እዚ ኣርባዕተ ርእሲ ነበሮ፣ ግዝኣት ድማ ተዋህቦ

7. ድሕርዚ ብራእያት ለይቲእንሆመፍርህን መሰክሕን ኣዝዩ ብርቱዕን ዝዀነ ራብዓይ ኣራዊት ርኤኹዓበይቲ ኣስናን ሓጺን ነበሮ፣ ይውሕጥን ይጥሕንን ነቲ ዝተረፈ ኸኣ በእጋሩ ይረግጾን ነበረ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኵላቶም ኣራዊት በይኑ ዝዓይነቱ እዩ ዝነበረ፣ ዓሰርተ ኣቕርንቲውን ነበሮ።

8. ኣነ ነቶም ኣቕርንቲ ኤስተብህለሎም ነበርኩ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብ ማእከሎም ንእሽቶ ካልእ ቀርኒ ወጸ፣ ካብቶም ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ሰለስተ ኣብ ቅድሚኡ ተመንቈሱእንሆውን እዚ ቐርኒ እዚ ዓይኒ ሰብ ዚመስል ዓይንን ዓብዪ ነገር ዚዛረብ ኣፍን ነበሮ።

9. ኣነ ዝፋናት ክሳዕ ዚንበሮ እጥምት ነበርኩ፣ ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠክዳውንቱ ጻዕዳ ከም በረድጸጕሪ ርእሱ ኸኣ ከም ጽሩይ ጸምሪ እዩ። ዝፋን ሃልሃልታ ሓዊመንኰራዅሩ ድማ ጕሁር ሓዊ እዩ።

10. ውሒዝ ሓዊ ይውሕዝ፣ ካብ ቅድሚኡ ኸኣ ይወጽእ ነበረ። ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፣ እልፊ ጊዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ። ፍርዲ ዀነመጻሕፍቲውን ተገንጸለ

11. ሽዑ ኣነ ብዛዕባ እቲ ቐርኒ እተዛረቦድምጺ ዓበይቲ ቓላት ጠመትኩ። እቲ ኣራዊት ክሳዕ ዝቕተል ጠመትኩ፣ ስጋኡ ጠፍኤ፣ ምእንቲ ኺነድድ ከኣ ንሓዊ ተዋህበ

12. ካብቶም ዝተረፉ ኣራዊት ድማ ግዝኣቶም ተወስደ፣ ምናሕ ህይወት ግና ንዘመንን ንውሱን ጊዜን ተወሰኸሎም

13. ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ፣ እንሆ ኸኣ ወዲ ሰብ ዝመስል ብደበና ሰማይ ይመጽእ ነበረ፣ ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ በጽሔ፣ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ

14. ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኪገልግልዎስግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦግዝኣቱ ዘይሐልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፣ መንግስቱውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ።

15. ኣነ ዳንኤልመንፈሰይ ኣብ ውሽጢ ስጋይ ሰምበደ፣ እቲ ራእያት ርእሰይ ከኣ ኣጨነቐኒ

16. ካብቶም ደው በሃልትስ ናብ ሓደ ቐረብኩ፣ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ኸኣ ርግጺ ሓተትኩዎ። ንሱ ተዛረበኒ፣ ትርጓሜ እቲ ነገርውን ነገረኒ

17. እዞም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት እዚኣቶም ካብ ምድሪ ዚትንስኡ ኣርባዕተ ነገስታት እዮም።

18. እቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ግና ነታ መንግስቲ ኪቕበልዋ እዮም፡ ነታ መንግስቲውን ንዘለኣለም፡ ኤረ ንዘለኣለመ ኣለም ኪወርስዋ እዮም።

19-20. ድሕርዚ ድማ ብዛዕባ እቲኣስናኑ ሓጺንኣጽፋሩ ኸኣ ኣስራዚ ዝዀነ፣ ዝወሓጠን ዝሰባበረን ንዝተረፎ ድማ በእጋሩ ዝረጋገጾን ኣዝዩ ዜሰክሕን ንበይኑ ዝዀነ ዓይነቱን ራብዓይ ኣራዊት፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዓሰረት ኣቕርንትን ብዛዕባ እታ፣ ኣብ ቅድሚኣ ሰለስተ ዝወደቑ፣ ዝወጸት ካልእ ቀርንን፣ ንሳውን ኣዒንትን ዓበይቲ ነገር ዚዛረብ ኣፍን ዝነበራ፣ ትርኢታውን ካብቶም ካልኦት ዝበለጸትርግጹ ኺፈልጥ ደሌኹ።

21-22. እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ኽሳዕ ዚመጽእፍርዲ ነቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ክሳዕ ዚወሀብ፣ እቶም ቅዱሳን ነታ መንግስቲ ዚወርሱላ ጊዜ ኽሳዕ እትመጽእእታ ቐርኒ ምስቶም ቅዱሳን ክትዋጋእን ክትስዕሮምን ከላ ርኤኹ

23. ንሱ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እቲ ራብዓይ ኣራዊት፡ ካብ ኵለን መንግስታት በይና ዝኰነት ዓይነታ፡ ራብዐይቲ መንግስቲ ኣብ ምድሪ ኽትከውን እያ፡ ንዅላ ምድሪ ኽትውሕጣን ክትረግጻን ክትጥሕናን እያ።

24. እቶም ዓሰርተ ኣቕርንቲ ኸኣ፡ ካብዛ መንግስቲ እዚኣ ዓሰርተ ነገስታት ኪትንስኡ እዮም፡ ድሕሪ እዚኣቶም ድማ ካብቶም ቀዳሞት በይኑ ዝዀነ ዓይነቱ ኻልእ ኪትንስእንሰለስተ ነገስታትውን ኬውርዶም እዩ።

25. ኣብቲ ልዑል ከኣ ናይ ትዕቢት ቃል ኪዛረብ፣ ነቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ድማ ኬጽንቶም፣ ዘመናትን ሕጋጋትን ኪልውጥ ከኣ ኪሕልን እዩ፣ ንሳቶምውን ክሳዕ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ኣብ ኢዱ ኺውሀቡ እዮም።

26. ግናኸ ፍርዲ ኪኸውን፣ ብጥራስ ኪጸንትን ኪጠፍእን ከኣ፣ ግዝእቱ ኻብኡ ኺውሰድ እዩ።

27. እቲ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግስቲን ግዝኣትን ዕቤት መንግስታትን ነቲ ናይ ልዑል ህዝቢ ቅዱሳን ኪውሀብ እዩ። መንግስቱ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ፣ ብዘለዉ ግዝኣታት ድማ ኬገልግልዎን ኪእዘዝዎን እዮም።

28. ኣብዚ እዩ መወዳእታ እዚ ነገርኣነ ዳንኤል ሓሳባተይ ኣዝዩ ኣጨነቐኒገጸይ ተለወጠኒ፡ ነቲ ነገር ከኣ ኣብ ልበይ ዐቘርኩዎ