1. ንጉስ ቤልሻጽር ንሽህ መኳንንቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሎም፣ ኣብ ቅድሚ እቶም ሽሕ ድማ ወይኒ ይሰቲ ነበረ።
2. ቤልሻጽር ሰኺሩ፣ ንጉስን መዃንንቱን ኣንስቱን ዕቁባቱን ብእኡ ምእንቲ ኺሰትዩ፣ ነቲ ኣቦኡ ነቡካድነጻር ካብ መቕደስ የሩሳሌም ዝወሰዶ ኣቓሁ ወርቅን ብሩርን ኬምጽእዎ ኣዘዘ።
3. ሽዑ ነቲ ኻብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ መቕደስ ቤት ኣምላኽ ዝወሰድዎ ኣቓሑ ወርቂ ኣምጽእዎ። እቲ ንጉስን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቁባቱን ከኣ ብእኡ ገይሮም ሰተዩ።
4. ወይኒ እናሰተዩ፣ ነቶም ብወርቅን ብብሩርን በስራዝን ብሃጺንን ብዕጨይትን ብእምንን እተገብሩ ኣማልኽቶም ወደሱ።
5. በታ ሰዓት እቲኣ ኣብቲ ልቕልቕ መንደቕ ኣዳራሽ ንጉስ፣ ኣብ መንጽር እቲ ቐዋሚ ቐንዴልሲ ኣጻብዕ ኢድ ሰብ ወጻን ጸሐፋን። እቲ ንጉስ ድማ ነታ ኢስ ሰብ ረኣያ።
6. ሽዑ እቲ ንጉስ ገጹ ተለወጠ፣ ሓሳባቱ ኸኣ ኣጨነቖ፣ ጅማውቲ ሕቝኡ ድማ ላህልሔ፣ ኣብራኹውን ንሃድሕዱ ተዋቕዔ።
7. እቲ ንጉስ ነቶም ኣስማተኝእታትን ከለዳውያንን ቈጸርቲ ኸዋክብትን ኬእትውዎም፣ ዓው ኢሉ ጨደረ። እቲ ንጉስውን ነቶም ጠቢባን ባቢሎን፣ ዝዀነ ይኹን ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ዜንብባን ትርጓሜኣ ኸኣ ዚነግረንን ቀይሕ ሃሪ ኺለስብ፣ ድሪ ወርቂ ኺኣስር፣ ኣብታ መንግስቲ ድማ ሳልሳይ ገዛኢ ኪኸውን እዩ፣ ኢሉ መለሰ።
8. ሽዑ ዅላቶም ጠቢባን ንጉስ ኣተዉ፣ ግናኸ ነታ ጽሕፈት ኬንብብዋን ትርጓሜኣ ኸኣ ነቲ ንጉስ ኪነግርዎን ኣይከኣሉን።
9. ሽዑ ንጉስ ቤልሻጽር ኣዝዮ ሰምበደ፣ ገጹ ተለወጠ፣ መኳንንቱውን ተጨነቑ።
10. እታ ንግስቲ በቲ ንንጉስ መኳንንቱን ዝበጽሖም ነገር ናብ ቤት ምሳሕ ኣተወት። እታ ንግስቲ ኸኣ ከምዚ ኢላ በለት፣ ዎ ንጉስ፣ ንዘለኣለን ህያው ኩን፣ ሓሳባትካ ኣየጨንቕካ፣ ገጽካውን ኣይለወጥ።
11. መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንግስትካ አሎ። ብዘመን ኣቦኻ ድማ ብርሃንን ኣእምሮን ከምቲ ጥበብ ኣማልኽቲ ዝዀነ ጥበብን ተረዕቦ። ዎ ንጉስ፣ ኣቦኻ ንጉስ ነቡካድነጻር፣ ባዕሉ ኣቦኻ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ጠቢባን ኣስማተኛታትን ከለዳውያንን ቈጸርቲ ኸዋክብትን ሾሞ።
12. ኣብቲ እቲ ንጉስ ቤልሻጽር ኢሉ ዘውጽኣሉ ዳንኤል ብሉጽ መንፈስን ፍልጠትን ምስትውዓልን ምትርጓም ሕልምን ምግላጽ ምስጢርን ምቕናዕ እተጠላለፈ ነገርን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ሕጂ ዳንኤል ይጸዋዕ፡ ንሱውን ነቲ ትርጓሜ ኼፍልጠካ እዩ።
13. ሽዑ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣምጽእዎ። እቲ ንጉስ ከኣ ንዳንኤል፣ እቲ ኻብቶም ኣቦይ ንጉስ ካብ ይሁዳ ዝማረኾም ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ዝዀንካ ዳንኤል ንስኻዶ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰ።
14. ኣነ ብዛዕባኻ መንፈስ ኣማልኽቲ ኸም ዘሎካ፣ ብርሃንን ምስትውዓልን ብሉጽ ጥበብን ድማ ከም እተረኸበካ፣ ሰማዕኩ።
15. ሕጂ ኸኣ እቶም ጠቢባን ፈለጥትን፣ ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ኼንብብዋ እሞ ትርጓሜኣ ኼፍልጡኒ፣ ኣብ ቅድመይ ኣምጻእዋ፣ ግናኸ ትርጓሜ እቲ ነገርሲ ኼፍልጡኒ ኣይከኣሉን።
16. ብዛዕባኻ ግና ትርጓሜታት ምትርጓም፣ እተጠላለፈ ነገር ከኣ ምፍታሕ ከም እትኽእል ስሚዔ አሎኹ። እምብኣርስ ነዛ ጽሕፈት ከተንብባን ትርጓሜኣ ድማ ከተፍልጠንን እንተ ኸኣልካስ፣ ቀይሕ ሃሪ ኽትለብስ፣ ድሪ ወርቂ ኣብ ክሳድካ ኽትኣስር፣ ኣብታ መንግስቲ ኸኣ ሳልሳኡ ገዛኢ ኽትከውን ኢኻ፣ በሎ።
17. ሽዑ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ህያብካ ንኣኻ ይኹን፡ ውህበታትካውን ንኻልእ ሀቦ። ዝዀነ ዀይኑ ንንጉስ እታ ጽሕፈት ከንብበሉ፡ ትርጓሜኣውን ክፍልጦ እየ።
18. ዎ ንጉስ፣ እቲ ልዕል ኣምላኽ ነቦእካ ነቡካድነጻር መንግስትን ዕቤትን ክብርን ግርማን ሀቦ።
19. ስለ እቲ ንሱ ዝሀቦ ዕቤት ኵሎም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡን ይፈርሁን ነበሩ። ንዝደለዮ ቐተሎ፣ ንዝደለዮ ብህይወት ኪነብር ሐደጎ። ንዘደለዮ ልዕል ኣበሎ፣ ንዝደለዮ ኸኣ ኣዋረዶ።
20. ግናኸ ልቡ ልዕል ምስ በለ፣ መንፈሱ ኸኣ ተሪሩ ምስ ተዐበየ፣ ካብ ዝፋን መንግስቱ ወረደ፣ ክብረቱውን ተወስዶ።
21. ካብ ደቂ ሰብ ተሰጐ፣ ልቡ ኸኣ ከም ናይ እንስሳ ዀነ፣ ምስ ኣድጊ በረኻ ድማ ሰፈረ፣ ከም ነብዑርውን ሳዕሪ ኣብልዕዎ፣ ስጋኡ ብኣውሊ ሰማይ ተልቀየ፣ እዚ ኸኣ እቲ ልዕል ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዘመልኽ፣ ንዝደለዮ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዜቝመሉ፣ ክሳዕ ዜስተውዕሎ እዩ ዝዀነ።
22. ኣታ ቤልሻጽር ወዱ፣ ምንም እኳ እዚ ዅሉ ፈሊጥካ ኽነስካስ፣ ልብኻ ኣየትሐትካን።
23. ነቲ ጐይታ ሰማይ ርእስኻ ኣሎአልካሉ፣ ነቲ ኣቓሑ ቤቱ ኣብ ቅድሜኻ ኣምጽእዎ እሞ፣ ንስኻን መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ወይኒ ሰቴኹምሉ። ነቶም ዘይርእዩን ዘይሰምዑን ዘይፈልጡን ኣማልኽቲ ብሩርን ወርቅን ኣስራዝን ሓጺንን ዕጨይትን እምንን ወደስካ እምበር፡ ነቲ ንስትንፋስካን ንዅለን መገድኻን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ኣምላኽሲ ኣየኽበርካዮን።
24. ስለዚ ኸኣ እታ ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ዝጸሀፈት ኢድ ካብኡ እያ እተላእከት።
25. እዛ ጽሕፍቲ ጽሕፈት እትብሎ ዘላ ኸኣ፣ መኔ፣ መኔ፣ ቴቄል ኡፋርሲን፣ እዩ።
26-28. ትርጓሜኡ ድማ መኔ፣ ኣምላኽ ንመንግስትኻ ቘጸሮን ጠረሶን፣ ቴቄል፣ ብሚዛን ተመዚንካ፣ ቀሊልካ ተረኽብካ፣ ኡፋርሲን፣ መንግስትኻ ተመቒላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተዋህበት፣ ማለት እዩ።
29. ሽዑ ቤልሻጽር ንዳንኤል ቀይሕ ሃሪ ኪኸድንዎ፣ ኣብ ክሳዱ ኸኣ ድሪ ወርቂ ኺኣስሩሉ ኣዘዘ፣ ኣብታ መንግስቲ ሳልሳይ ገዛኢ ኪኸውን ድማ ኣዋጅ ኣንገረሉ።
30. በታ ለይቲ እቲኣ ቤልሻጽር ንጉስ ከለዳውያን ተቐትለ።
31. ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸኣ፣ ወዲ ስሳን ክልተን ዓመት ከሎ፣ ነታ መንግስቲ ተቐበላ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...