1. ንጉስ ቤልሻጽር ንሽህ መኳንንቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሎም፣ ኣብ ቅድሚ እቶም ሽሕ ድማ ወይኒ ይሰቲ ነበረ።

2. ቤልሻጽር ሰኺሩ፣ ንጉስን መዃንንቱን ኣንስቱን ዕቁባቱን ብእኡ ምእንቲ ኺሰትዩ፣ ነቲ ኣቦኡ ነቡካድነጻር ካብ መቕደስ የሩሳሌም ዝወሰዶ ኣቓሁ ወርቅን ብሩርን ኬምጽእዎ ኣዘዘ

3. ሽዑ ነቲ ኻብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ መቕደስ ቤት ኣምላኽ ዝወሰድዎ ኣቓሑ ወርቂ ኣምጽእዎ። እቲ ንጉስን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቁባቱን ከኣ ብእኡ ገይሮም ሰተዩ

4. ወይኒ እናሰተዩ፣ ነቶም ብወርቅን ብብሩርን በስራዝን ብሃጺንን ብዕጨይትን ብእምንን እተገብሩ ኣማልኽቶም ወደሱ

5. በታ ሰዓት እቲኣ ኣብቲ ልቕልቕ መንደቕ ኣዳራሽ ንጉስኣብ መንጽር እቲ ቐዋሚ ቐንዴልሲ ኣጻብዕ ኢድ ሰብ ወጻን ጸሐፋን። እቲ ንጉስ ድማ ነታ ኢስ ሰብ ረኣያ

6. ሽዑ እቲ ንጉስ ገጹ ተለወጠሓሳባቱ ኸኣ ኣጨነቖጅማውቲ ሕቝኡ ድማ ላህልሔኣብራኹውን ንሃድሕዱ ተዋቕዔ

7. እቲ ንጉስ ነቶም ኣስማተኝእታትን ከለዳውያንን ቈጸርቲ ኸዋክብትን ኬእትውዎምዓው ኢሉ ጨደረ። እቲ ንጉስውን ነቶም ጠቢባን ባቢሎን፣ ዝዀነ ይኹን ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ዜንብባን ትርጓሜኣ ኸኣ ዚነግረንን ቀይሕ ሃሪ ኺለስብድሪ ወርቂ ኺኣስር፣ ኣብታ መንግስቲ ድማ ሳልሳይ ገዛኢ ኪኸውን እዩ፣ ኢሉ መለሰ

8. ሽዑ ዅላቶም ጠቢባን ንጉስ ኣተዉ፣ ግናኸ ነታ ጽሕፈት ኬንብብዋን ትርጓሜኣ ኸኣ ነቲ ንጉስ ኪነግርዎን ኣይከኣሉን

9. ሽዑ ንጉስ ቤልሻጽር ኣዝዮ ሰምበደገጹ ተለወጠመኳንንቱውን ተጨነቑ

10. እታ ንግስቲ በቲ ንንጉስ መኳንንቱን ዝበጽሖም ነገር ናብ ቤት ምሳሕ ኣተወት። እታ ንግስቲ ኸኣ ከምዚ ኢላ በለት፣ ዎ ንጉስንዘለኣለን ህያው ኩን፣ ሓሳባትካ ኣየጨንቕካገጽካውን ኣይለወጥ

11. መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንግስትካ አሎብዘመን ኣቦኻ ድማ ብርሃንን ኣእምሮን ከምቲ ጥበብ ኣማልኽቲ ዝዀነ ጥበብን ተረዕቦ። ዎ ንጉስኣቦኻ ንጉስ ነቡካድነጻር፣ ባዕሉ ኣቦኻ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ጠቢባን ኣስማተኛታትን ከለዳውያንን ቈጸርቲ ኸዋክብትን ሾሞ

12. ኣብቲ እቲ ንጉስ ቤልሻጽር ኢሉ ዘውጽኣሉ ዳንኤል ብሉጽ መንፈስን ፍልጠትን ምስትውዓልን ምትርጓም ሕልምን ምግላጽ ምስጢርን ምቕናዕ እተጠላለፈ ነገርን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ሕጂ ዳንኤል ይጸዋዕ፡ ንሱውን ነቲ ትርጓሜ ኼፍልጠካ እዩ።

13. ሽዑ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣምጽእዎ። እቲ ንጉስ ከኣ ንዳንኤል፣ እቲ ኻብቶም ኣቦይ ንጉስ ካብ ይሁዳ ዝማረኾም ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ዝዀንካ ዳንኤል ንስኻዶ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰ

14. ኣነ ብዛዕባኻ መንፈስ ኣማልኽቲ ኸም ዘሎካ፣ ብርሃንን ምስትውዓልን ብሉጽ ጥበብን ድማ ከም እተረኸበካሰማዕኩ

15. ሕጂ ኸኣ እቶም ጠቢባን ፈለጥትን፣ ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ኼንብብዋ እሞ ትርጓሜኣ ኼፍልጡኒ፣ ኣብ ቅድመይ ኣምጻእዋ፣ ግናኸ ትርጓሜ እቲ ነገርሲ ኼፍልጡኒ ኣይከኣሉን

16. ብዛዕባኻ ግና ትርጓሜታት ምትርጓም፣ እተጠላለፈ ነገር ከኣ ምፍታሕ ከም እትኽእል ስሚዔ አሎኹ። እምብኣርስ ነዛ ጽሕፈት ከተንብባን ትርጓሜኣ ድማ ከተፍልጠንን እንተ ኸኣልካስቀይሕ ሃሪ ኽትለብስድሪ ወርቂ ኣብ ክሳድካ ኽትኣስር፣ ኣብታ መንግስቲ ኸኣ ሳልሳኡ ገዛኢ ኽትከውን ኢኻ፣ በሎ።

17. ሽዑ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ከምዚ ኢሉ መለሰህያብካ ንኣኻ ይኹን፡ ውህበታትካውን ንኻልእ ሀቦ። ዝዀነ ዀይኑ ንንጉስ እታ ጽሕፈት ከንብበሉትርጓሜኣውን ክፍልጦ እየ።

18. ንጉስ፣ እቲ ልዕል ኣምላኽ ነቦእካ ነቡካድነጻር መንግስትን ዕቤትን ክብርን ግርማን ሀቦ

19. ስለ እቲ ንሱ ዝሀቦ ዕቤት ኵሎም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡን ይፈርሁን ነበሩ። ንዝደለዮ ቐተሎ፣ ንዝደለዮ ብህይወት ኪነብር ሐደጎ። ንዘደለዮ ልዕል ኣበሎ፣ ንዝደለዮ ኸኣ ኣዋረዶ

20. ግናኸ ልቡ ልዕል ምስ በለ፣ መንፈሱ ኸኣ ተሪሩ ምስ ተዐበየ፣ ካብ ዝፋን መንግስቱ ወረደክብረቱውን ተወስዶ

21. ካብ ደቂ ሰብ ተሰጐልቡ ኸኣ ከም ናይ እንስሳ ዀነ፣ ምስ ኣድጊ በረኻ ድማ ሰፈረ፣ ከም ነብዑርውን ሳዕሪ ኣብልዕዎስጋኡ ብኣውሊ ሰማይ ተልቀየ፣ እዚ ኸኣ እቲ ልዕል ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዘመልኽንዝደለዮ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዜቝመሉክሳዕ ዜስተውዕሎ እዩ ዝዀነ።

22. ኣታ ቤልሻጽር ወዱ፣ ምንም እኳ እዚ ዅሉ ፈሊጥካ ኽነስካስልብኻ ኣየትሐትካን

23. ነቲ ጐይታ ሰማይ ርእስኻ ኣሎአልካሉ፣ ነቲ ኣቓሑ ቤቱ ኣብ ቅድሜኻ ኣምጽእዎ እሞ፣ ንስኻን መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ወይኒ ሰቴኹምሉ። ነቶም ዘይርእዩን ዘይሰምዑን ዘይፈልጡን ኣማልኽቲ ብሩርን ወርቅን ኣስራዝን ሓጺንን ዕጨይትን እምንን ወደስካ እምበር፡ ነቲ ንስትንፋስካን ንዅለን መገድኻን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ኣምላኽሲ ኣየኽበርካዮን

24. ስለዚ ኸኣ እታ ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ዝጸሀፈት ኢድ ካብኡ እያ እተላእከት

25. እዛ ጽሕፍቲ ጽሕፈት እትብሎ ዘላ ኸኣ፣ መኔ፣ መኔቴቄል ኡፋርሲን፣ እዩ።

26-28. ትርጓሜኡ ድማ መኔኣምላኽ ንመንግስትኻ ቘጸሮን ጠረሶን፣ ቴቄልብሚዛን ተመዚንካቀሊልካ ተረኽብካኡፋርሲንመንግስትኻ ተመቒላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተዋህበት፣ ማለት እዩ።

29. ሽዑ ቤልሻጽር ንዳንኤል ቀይሕ ሃሪ ኪኸድንዎኣብ ክሳዱ ኸኣ ድሪ ወርቂ ኺኣስሩሉ ኣዘዘ፣ ኣብታ መንግስቲ ሳልሳይ ገዛኢ ኪኸውን ድማ ኣዋጅ ኣንገረሉ።

30. በታ ለይቲ እቲኣ ቤልሻጽር ንጉስ ከለዳውያን ተቐትለ

31. ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸኣ፣ ወዲ ስሳን ክልተን ዓመት ከሎ፣ ነታ መንግስቲ ተቐበላ