1. ንጉስ ነቡካድነጻር ድማ ስሳ እመት ዝቝመቱ፣ ሹድሽተ እመት ዝወውርዱ ናይ ወርቂ ምስሊ ገበረ። ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ኣቘሞ።
2. ንጉስ ነቡካድነጻር ከኣ ንመሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ዳኛታትን መገብትን ኣማኸርትን ሓላቑን ኣብ ብሃገሩ እተሾሙ ምስለኒተትን፣ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ምእንቲ ኺጽምልዎ፣ ኪእከቡ ለኣኸሎም።
3. ሽዑ እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ኣእስታትን ዳኛታትን መገብትን ኣማኸርትን ሓላቑን ኣብ ብሃገሩ እተሾሙ ምስለኔታትን ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ኺጽምብልዎስ ተኣከቡ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ንምስሊ ኸኣ ቘሙ።
4-6. እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ፣ ኣቱም ህዝብታትን ወገናትን ቋንቋታትን፣ ደሃይ መለኸት እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪት ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስ ሰማዕኩም፣ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ክትሰግድሉ፣ ተኣዚዝኩም አሎኹም። ፍግም ዘይበለ ዘይሰገደን ግና ብኡብኡ ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርበ እዩ፣ ኢሉ ኣወጀ።
7. ስለዚ ዅሎም ኣህዛብ ነቲ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስ ሰምዑ፡ ብኡብኡ ዅሎም እቶም ኣህዛብ ወገናትን ቋንቋታትን ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
8. በቲ ጊዜ እቲ ከለዳውያን ሰባት ቀረቡ እሞ ነቶም ኣይሁድ ክሰስዎም።
9. ንሳቶም ከኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር መለሱሉ በልዎውን፣ ዎ ንጉስ፣ ንዘለኣለም ህያው ኩን።
10-11. ዎ ንጉስ፣ ንስኻ ነፍሲ ወከፍ ንደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ኪሰምዕ ከሎ፣ ፍግም ኢሉ ነቲ ምስሊ ወርቂ ኺሰግዱአሉል ነፍሱ ወከፍ ፍግም ዘይብልን ዘይሰግድን ድማ፣ ኣብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርበ፣ ኢልካ ኣዘዝካ።
12. እምብኣርሲ ዎ ንጉስ፡ ኣብ ልዕሊ ተግባር ኣውራጃ ባቢሎን ዝሾምካዮም ኣይሁድ ሰባት፡ ሲድራቅን ሚሳቅን፡ ዓብድ-ኔጎን፡ ኣለዉ፡ ንሳቶም ግድኻ የብሎምን፡ ንኣማልኽትኻ ኣየምልኹን፡ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ውወርቂውን ኣይሰግዱሉን እዮም፡ በልዎ።
13. ሽዑ ነቡካድነጻር ኰርዩን ነዲሩን ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኬምጽእዎም ኣዘዘ። ሽዑ ነዞም ሰባት እዚኣም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣምጽእዎም።
14. ነቡካድነጻር መለሰ በሎምውን፡ ኣቱም ሲድራቅ፡ ሚሳቅ፡ ዓብድ-ኔጎ፡ እቲ ንኣማልኽተይ ዘይምምላኽኩም፡ ነቲ ዘቘምክዎ ምስሊ ወርቂውን ዘይምስጋድኩምሲ ንዕቀት ድዩ፧
15. ሕጂ ድማ ነቲ ደሃይ መለኸት እምንብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪት ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ክትሰምዑ ኸሎኹም፣ ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክዎ ምስሊ ኽትሰግዱሉን ተዳለወ። እንተ ዘይሰገድኩምሉ ግና፣ ብኡብኡ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኽትድርበቱ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዜናግፈኩም ኣምላኽከ መን እዩ፡ በሎም።
16. ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብዱ-ኔጎን ነቲ ንጉስ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፣ ዎ ነቡክድነጻር፣ በዚ ነገርዚ ምላሽ ክንህበካ ኣይድልየናን።
17. ዎ ንጉስ፣ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ጕሁር ሓዊ ኼናግፈና ይኽእክ እዩ፣ ካብ ኢድካውን ኬናግፈና እዩ።
18. ዎ ንጉስ፣ ንሱ ኼናግፈና እንተ ዘይፈተወ፣ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይንምልኾም፣ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ፣ በልዎ።
19. ሽዑ ነቡካድነጻር ብሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ነኢጎን እምብዛ ተናደደ፣ ትርኢቱ ገጹውን ተለወጠ። ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮ ሾብዓተው ኢድ ዝበለጸ ኼንድድዎ ኣዘዘ።
20. ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኪኣስርዎም እሞ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርብይዎም፣ ካብቲ ሰራዊቱ ሓያላት ሰባት ኣዘዘ።
21. ሽዑ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብቐምሾምን ባርኖሶምን መጓናጸፍያኦምን ብዅሉ ኽዳውንቶምን ተኣስሩ፣ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኸኣ ተደርበዩ።
22. እቲ ትእዛዝ ንጉስ እምብዛ ስለ ዝገንሔ፣ እቲ እቶን ድማ ኣዝዩ ስለ ዝረሰነ፣ እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ነቶም ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዝደርበይዎም ሰባት ቀተሎም።
23. እዞም ሰለሰተ ሰባት እዚኦም፣ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን፣ ብእሱራቶም ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ወደቑ።
24. ሽዑ እቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ሰምበደ፣ ተቐላጢፉውን ተንስኤ፣ ነማኸርቱ ድማ፣ እቶም ኣሲርና ናብ ሓዊ ዝደርቤናዮምሲ ሰለስተ ሰባትዶ ኣይኰኑን፡ ኢሉ በሎም። ንሳቶም ከኣ ንንጉስ፣ ርግጽ እዩ፣ ዎ ንጉስ፣ ኢሎም መለሱሉ።
25. ንሱ ኸኣ፣ እንሆ፡ ኣነ ኣርባዕተ ፍቱሓት ሰባት፡ ገለ እዃ ኸይተጐድኡ፡ ኣብ ማእከል ሓዊ ኺመላለሱ እርኢ አሎኹ፡ ትርኢቱ እቲ ራብዓይ ድማ ወዲ ኣምላኽ ይመስል፡ ኢሉውን መለሰ።
26. ድሕርዚ ነቡክዝድነጻር ናብ ኣፍ እቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ቐረበ እሞ፣ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎ፣ ኣቱም ባሮት ኣምላኽ፣ ውጹ፣ ናብዚ ንዑ፣ ኢሉ ተዛረበ። ሽዑ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ካብቲ ሓዊ ወጹ።
27. እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ኣማኸርቲ ንጉስን ተኣኪቦም፡ ነቶም ሰባት እቲ ሓዊ ኣብ ስጋኦም ገለ ሓይሊ ኸም ዘይነበሮን ረኣዩ። ጸጕሪ ርእሶም ኣይቃረየን፡ ክዳውንቶም ኣይተለወጠን፡ ኤረ ጨና ሓዊ እኳ ኣይሐለፎምን።
28. ነቡካድነጻር ከኣ፣ እቲ ነቶም ባሮቱ መላኹ ሰዲዱ ዘናገፎም ኣምላኽ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ይባረኽ። ንሳቶም ኣብኡ ተወኪሎም ትእዛዝ ንጉስ ኣበዩ፣ ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹን ከይሰግዱንሲ ስጋኦም ወፈዩ፣ ኢሉ መለሰ።
29. ከምኡ ገይሩ ኼናግፍ ዚኽእል ካልእ ኣምላኽ የልቦን እሞ፣ ስለዚ ኣነ፣ ዝዀነ ይኹን ካብ ብዘለዉ ኣህዛብን ወገናትን - ቋንቋታትን ንኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ሕሱም ቃል ዜውስእ፣ ንሱ ኺስየፍ፣ ቤቱ ኸኣ ምድርባይ ጐሓፍ ኪኸውን፣ እእዝዝ አሎኹ፣ ኢሉ መለሰ።
30. ድህርዚ እቲ ንጉስ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ሾሞም።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...