1. ንጉስ ነቡካድነጻር ድማ ስሳ እመት ዝቝመቱሹድሽተ እመት ዝወውርዱ ናይ ወርቂ ምስሊ ገበረ። ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ኣቘሞ

2. ንጉስ ነቡካድነጻር ከኣ ንመሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ዳኛታትን መገብትን ኣማኸርትን ሓላቑን ኣብ ብሃገሩ እተሾሙ ምስለኒተትን፣ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ምእንቲ ኺጽምልዎ፣ ኪእከቡ ለኣኸሎም

3. ሽዑ እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ኣእስታትን ዳኛታትን መገብትን ኣማኸርትን ሓላቑን ኣብ ብሃገሩ እተሾሙ ምስለኔታትን ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ኺጽምብልዎስ ተኣከቡ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ንምስሊ ኸኣ ቘሙ

4-6. እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ፣ ኣቱም ህዝብታትን ወገናትን ቋንቋታትንደሃይ መለኸት እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪት ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስ ሰማዕኩም፣ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ክትሰግድሉተኣዚዝኩም አሎኹም። ፍግም ዘይበለ ዘይሰገደን ግና ብኡብኡ ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርበ እዩ፣ ኢሉ ኣወጀ።

7. ስለዚ ዅሎም ኣህዛብ ነቲ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስ ሰምዑ፡ ብኡብኡ ዅሎም እቶም ኣህዛብ ወገናትን ቋንቋታትን ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ

8. በቲ ጊዜ እቲ ከለዳውያን ሰባት ቀረቡ እሞ ነቶም ኣይሁድ ክሰስዎም

9. ንሳቶም ከኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር መለሱሉ በልዎውን፣ ዎ ንጉስንዘለኣለም ህያው ኩን።

10-11. ንጉስ፣ ንስኻ ነፍሲ ወከፍ ንደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ኪሰምዕ ከሎ፣ ፍግም ኢሉ ነቲ ምስሊ ወርቂ ኺሰግዱአሉል ነፍሱ ወከፍ ፍግም ዘይብልን ዘይሰግድን ድማ፣ ኣብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርበ፣ ኢልካ ኣዘዝካ

12. እምብኣርሲ ዎ ንጉስ፡ ኣብ ልዕሊ ተግባር ኣውራጃ ባቢሎን ዝሾምካዮም ኣይሁድ ሰባትሲድራቅን ሚሳቅንዓብድ-ኔጎን፡ ኣለዉ፡ ንሳቶም ግድኻ የብሎምን፡ ንኣማልኽትኻ ኣየምልኹን፡ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ውወርቂውን ኣይሰግዱሉን እዮም፡ በልዎ።

13. ሽዑ ነቡካድነጻር ኰርዩን ነዲሩን ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኬምጽእዎም ኣዘዘ። ሽዑ ነዞም ሰባት እዚኣም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣምጽእዎም

14. ነቡካድነጻር መለሰ በሎምውን፡ ኣቱም ሲድራቅሚሳቅዓብድ-ኔጎ፡ እቲ ንኣማልኽተይ ዘይምምላኽኩም፡ ነቲ ዘቘምክዎ ምስሊ ወርቂውን ዘይምስጋድኩምሲ ንዕቀት ድዩ፧

15. ሕጂ ድማ ነቲ ደሃይ መለኸት እምንብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪት ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ክትሰምዑ ኸሎኹም፣ ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክዎ ምስሊ ኽትሰግዱሉን ተዳለወ። እንተ ዘይሰገድኩምሉ ግና፣ ብኡብኡ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኽትድርበቱ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዜናግፈኩም ኣምላኽከ መን እዩ፡ በሎም።

16. ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብዱ-ኔጎን ነቲ ንጉስ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፣ ዎ ነቡክድነጻር፣ በዚ ነገርዚ ምላሽ ክንህበካ ኣይድልየናን

17. ንጉስእቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ጕሁር ሓዊ ኼናግፈና ይኽእክ እዩ፣ ካብ ኢድካውን ኬናግፈና እዩ።

18. ንጉስ፣ ንሱ ኼናግፈና እንተ ዘይፈተወ፣ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይንምልኾም፣ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ፣ በልዎ።

19. ሽዑ ነቡካድነጻር ብሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ነኢጎን እምብዛ ተናደደትርኢቱ ገጹውን ተለወጠ። ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮ ሾብዓተው ኢድ ዝበለጸ ኼንድድዎ ኣዘዘ

20. ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኪኣስርዎም እሞ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርብይዎም፣ ካብቲ ሰራዊቱ ሓያላት ሰባት ኣዘዘ

21. ሽዑ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብቐምሾምን ባርኖሶምን መጓናጸፍያኦምን ብዅሉ ኽዳውንቶምን ተኣስሩ፣ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኸኣ ተደርበዩ

22. እቲ ትእዛዝ ንጉስ እምብዛ ስለ ዝገንሔ፣ እቲ እቶን ድማ ኣዝዩ ስለ ዝረሰነ፣ እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ነቶም ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዝደርበይዎም ሰባት ቀተሎም

23. እዞም ሰለሰተ ሰባት እዚኦም፣ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎንብእሱራቶም ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ወደቑ

24. ሽዑ እቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ሰምበደተቐላጢፉውን ተንስኤነማኸርቱ ድማ፣ እቶም ኣሲርና ናብ ሓዊ ዝደርቤናዮምሲ ሰለስተ ሰባትዶ ኣይኰኑን፡ ኢሉ በሎም። ንሳቶም ከኣ ንንጉስ፣ ርግጽ እዩ፣ ዎ ንጉስኢሎም መለሱሉ

25. ንሱ ኸኣ፣ እንሆኣነ ኣርባዕተ ፍቱሓት ሰባት፡ ገለ እዃ ኸይተጐድኡ፡ ኣብ ማእከል ሓዊ ኺመላለሱ እርኢ አሎኹ፡ ትርኢቱ እቲ ራብዓይ ድማ ወዲ ኣምላኽ ይመስልኢሉውን መለሰ

26. ድሕርዚ ነቡክዝድነጻር ናብ ኣፍ እቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ቐረበ እሞ፣ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎ፣ ኣቱም ባሮት ኣምላኽውጹ፣ ናብዚ ንዑኢሉ ተዛረበሽዑ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ካብቲ ሓዊ ወጹ

27. እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ኣማኸርቲ ንጉስን ተኣኪቦምነቶም ሰባት እቲ ሓዊ ኣብ ስጋኦም ገለ ሓይሊ ኸም ዘይነበሮን ረኣዩጸጕሪ ርእሶም ኣይቃረየንክዳውንቶም ኣይተለወጠን፡ ኤረ ጨና ሓዊ እኳ ኣይሐለፎምን

28. ነቡካድነጻር ከኣ፣ እቲ ነቶም ባሮቱ መላኹ ሰዲዱ ዘናገፎም ኣምላኽ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ይባረኽ። ንሳቶም ኣብኡ ተወኪሎም ትእዛዝ ንጉስ ኣበዩብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹን ከይሰግዱንሲ ስጋኦም ወፈዩኢሉ መለሰ።

29. ከምኡ ገይሩ ኼናግፍ ዚኽእል ካልእ ኣምላኽ የልቦን እሞ፣ ስለዚ ኣነ፣ ዝዀነ ይኹን ካብ ብዘለዉ ኣህዛብን ወገናትን - ቋንቋታትን ንኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ሕሱም ቃል ዜውስእ፣ ንሱ ኺስየፍቤቱ ኸኣ ምድርባይ ጐሓፍ ኪኸውንእእዝዝ አሎኹ፣ ኢሉ መለሰ።

30. ድህርዚ እቲ ንጉስ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ሾሞም