1. ነቡካድነጻር ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት መንግስቱ ሕልሚ ሐለመመንፈሱ ኸኣ ተሀወኸድቃሱ ኸኣ ካብኡ በረረ።

2. ሽዑ እቲ ንጉስ ንፈለጥትን ጠቢባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንንንንጉስ ሕልሙ ኺነግርዎ ኢሉ፣ ኪጽውዕዎም አዘዘ። ንሳቶም ከኣ መጹ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስውን ቈሙ

3. እቲ ንጉስ ድማ፣ ሕልሚ ሐሊመስ ነቲ ሕልሚ ኺፈልጥ መንፈሰይ ተሀዊኹ አሎ፣ በሎም

4. ሽዑ እቶም ከለዳውያን ንንጉስ ብእራማይስጢ፣ ዎ ንጉስ ንዘለኣለም ህያው ኩን፣ ንባሮትካ ሕልምኻ ንገረና፣ ንሕናውን ትርጉሙ ኽንነግረካ ኢና፣ በልዎ።

5-6. እቲ ንጉስ ከኣ ነቶም ከለዳውያን፣ እቲ ነገር ረሲዐዮ እየ። ነቲ ሕልምን ትርጉሙን እንተ ዘየፍለጥኩምኒ፣ ንስኻትኩም ክትስየፉኣባይትኹም ድማ ምድርባይ ጐሓፍ ኪኸውን እዩ። ነቲ ሕልምን ትርጉሙን እንተ ነገርኩምኒ ግና፣ ህያብን ውህበትን ዓብዪ ኽብረትን ክህበኩም እየ፣ እምብኣርስኸ ነቲ ሕልምን ትርጉሙን ንገሩኒ፣ ኢሉ መለሰሎም

7. ንሳቶም ድማ ካልእይ ጊዜ፣ እቲ ንጉስ ንባሮቱ ሕልሙ ይንገረና፣ ንሕናውን ትርጉሙ ኽንነግር ኢና፣ ኢሎም መለሱሉ

8. እቲ ንጉስ ከኣ፣ እቲ ነገር ከም ዝረሳዕክዎ ስለ ዝርኤኹምጊዜ ኽትረኽቡ ትደልዩ ኸም ዘሎኹም፣ ብርግጽ እፈልጥ አሎኹ።

9. ነቲ ሕልሚ እንተ ዘየፍለጥኩምኒ ግና፣ ፍርድኹም ሓንቲ እያ። ንስኻትኩም ጊዜ ኽሳዕ ዚሓልፍ፣ ኣብ ቅድመይ ቃላት ሓሶትን ምትላልን ክትዛረቡ ተሳማሚዕኩም አሎኹም፣ እምብኣርስኸ ነቲ ሕልሚ ንገሩኒ፣ ኣነ ኸኣ ትርጉሙ ኸም እትነግሩኒ እፈልጥ እየ፣ ኢሉ መለሰሎም።

10-11. እቶም ከለዳውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ ንጉስሲ፣ ምንም እኳ ዓብይን ብርቱዕን እንተ ዀነ፣ ንፈላጥን ጠቢብን ከለዳውን ከምዚ ነገር ዝጠየቐ የልቦን እሞ፣ ነቲ ነገር ንጉስ ዜፈልጥ ሰብ ኣብ ምድሪ ከቶ ኣይርከብን እዩ። እቲ ንጉስ ዚደልዮ ነገር ዜሸግር እዩ እሞ ኣማልኽቲ እንተ ዘይኰይኖም፣ ነዚ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኬፍልጦ ዚኽእል የልቦንማሕደሮም ድማ ምስ ስጋ ዝለበሱ ኣይኰነንኢሎም መለሱ

12. ስለዚ እቲ ንጉስ ኰረየኣዝዩ ተናደደንዘለዉ ጠቢባን ባቢሎን ከኣ ኬጥፍእዎም አዘዘ

13. እቲ ፍርዲ ድማ ወጸ፣ ነቶም ጠቢባን ከኣ ኪቐትልዎም ጀመሩ፣ ንዳንኤልን ንመሓዙቱንውን ኪቐትልዎም ኢሎም ይደልይዎም ነበሩ።

14. ሽዑ ዳንኤል ንኣርዮክ፣ ነቲ ንጠቢባን ባቢሎን ኪቐትሎም ዝወጸ ሓለቓ ዘብዔኛታት ንጉስብምኽርን በእምሮን መለሰሉ

15. ንሱ ንኣርዮክ፣ ናይ ንጉስ መኰነን፣ እዚ ብርቱዕ ፍርዲ ኻብ ንጉስ ስለምንታይ ወጸ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኣርዮክ ድማ እቲ ነገር ንዳንኤል ኣፍለጦ

16. ዳንኤል ከኣ ናብ ንጉስ አትዩ፡ እቲ ትርጉሙ ኬፍልጦስ ጊዜ ኺህቦንንጉስ ለመኖ

17-18. ድሕርዚ ዳንኤል ናብ ገዝኡ ኸደ እሞ፣ ዳንኤልን መሓዙቱን ምስቶም ዝተረፉ ጠቢባን ባቢሎን ከይጠፍኡ፣ ብዛዕባ እዚ ምስጢር እዚ ኻብ ኣምላኽ ሰማይ ምሕረት ኪልምኑስ ንሃናንያን ንሚሻኤልን ንኣዛርያን መሓዙቱ፣ እቲ ነገር ኣፍለጦም

19. ሽዑ እቲ ምስጢር ንዳንኤል ብራእይ ለይቲ ተገልጸሉዳንኤል ከኣ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስገኖ

20. ዳንኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበጥበብን ስልጣንን ናቱ እዩ እሞ፡ ስም ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ

21. ንሱ ዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥነገስታት ይስዕር ነገስታት ከኣ ይሸይም፣ ነቶም ጠቢባን ጥበብ ነቶም ኣስተውዓልቲ ኸኣ ምስትውዓል ይህቦም

22. ንሱ ዓሚቝ ሕቡእን ይገልጽ፡ እቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ይፈልጥብርሃንውን ምስኡ እዩ ዚነብር

23. ኣምላኽ ኣቦታተይ፣ ነቲ ነገር ንጉስ ኣፍሊጥካኒ ኢኻ እሞ፣ ጥበብን ሓይልን ስለ ዝሀብካኒሕጂውን እቲ ዝለመንናካ ስለ ዝገለጽካለይ፣ ኤመስግነካን እውድሰካን አሎኹ።

24. ስለዚ ዳንኤል ናብቲ እቲ ንጉስ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኬጥፍኦም ዝኣዘዞ ኣርዮክ ከደአትዩ ኸኣ፣ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኣይተጥፍኣዮም፣ ናብ ቅድሚ ንጉስ ውሰደኒ፣ ኣነውን ንንጉስ እቲ ትርጉም ከፍልጦ እየ፣ ኢለ ነገሮ።

25. ሽዑ ኣርዮስ ንዳንኤል ቀልጢፉ ናብ ንጉስ ኣእተዎ እሞ፣ እኔኹ ኻብቶም ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ንንጉስ ትርጉም ዜፍልጥ ሰብኣይ ረኺበ አሎኹ፣ በሎ

26. እቲ ንጉስ ከኣ ነቲ ቤልጥሻጽር እተሰምየ ዳንኤል፣ ነቲ ዝርኤኽዎ ሕልምን ትርጉምን ከተፍልጠኒዶ ትኽእል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ

27. ዳንኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ ነዛ ንጉስ ዙሐተላ ዘሎኢ ምስጢርስ እቶም ጠቡባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ፈለጥትን ንንጉስ ኪነግርዎ ኣይኽኣሉን እዮም፣ ኢለ መለሰ

28. ግናኸ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዚገልጽ፣ ንሱ ኸኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር በቲ ዳሕራይ ዘመንሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍለጦ። እቲ ኣብ ምድቃስካ ዝርኤኻዪ ሕልምኻን ራእያት ርእስኻን እዚ እዩ፣

29. ንጉስ፣ ብዛዕባ እቲ ብድሕርዚ ዚኽውን፣ ኣብ ምድቃስካ ኸሎኻ፣ ሓሳባት ተንሳኣካ። እቲ ምስጢራት ዚገልጽ ከኣ ነቲ ዚኽውን ኣስለጠካ።

30. ንኣይ እዚ ምስጢር እተገልጸለይሲ፡ እቲ ትርጓሜኡ ንንጉስ ምእንቲ ክነግር እሞ፡ እቲ ሓሳባት ልብኻ ኽትፈልጦ እዩ እምበር፣ ካብ ኵላቶም ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ብጥበብ ስለ ዝበለጽኩ ኣይኰንኩን።

31. - ዎ ንጉስእንሆንስኻ ዓብዪ ምስሊ ርኤኻእዚ ገዚፍን ምንጽብራቑ ኸኣ ዜገርምን ዝነበረ ምስሊ ኣብ ቅድሜኻ ቘመ ትርኢቱውን ዜፍርህ ነበረ።

32. እዚ ምስሊ እዚ፣ ርእሱ ብሉጽ ወርቂደረቱን ቀላጽሙን ብሩርካብዱን ሕቝኡን ከኣ ኣስራዚ ነበረ፣

33. መሓውሩ ሓጺንኣእጋሩ ኸኣ ገሊኡ ሃጺን፣ ገሊኡ መሬት ነበረ።

34. ንስኻ ትጥምት ነበርካ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኢዱ ከይተንከዮ እምኒ ተፈንቂሉ፣ ነቲ ጺንን መሬትን ዝዀነ ኣእጋር እቲ ምስሊ ወቖኦን ዳዕመኾን

35. ሽዑ እቲ ሓጺንን መሬት ኣስርራዝን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተዳዕመዀ፣ ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ቐውዒ ዀነ፣ ኣሰሩ ኽሳዕ ዚጠፍእ ከኣ ንፋስ ወሰዶ። ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዪ ኸረን ኰነ፡ ንብዘላ ምድሪውን መልኣ

36. እቲ ሕልሚ እዚ እዩ፣ ትርጓሜኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክነግሮ ኢና።

37. ንጉስ፣ እቲ ኣምላኽ ሰማይ ንኣኻ መንግስትን ልስታንን ሓይልን ክብርን ዝሀበካ ንጉስ ነገስታት ንስካ ኢኻ።

38. ደቂ ሰብን እንስሳ መሮርን ኣዕዋፍ ሰማይን ዚነብሩለ ዘበለ ኸኣ ኣብ ኢድካ ሀበካ፣ ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ድማ ኣግዝኣካ፣ እቲ ርእሲ ወርቂ ንስኻ ኢኻ።

39. ብድሕሬኻ ድማ ካባኻ እትንእስ ካልእ መንግስቲ ኽትትንስእ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እትገዝእ ካልእ ሳልሳይቲ መንግስቲ ኣስራዚውን ክትትንስእ እያ።

40. እታ ራብዐይቲ መንግስቲ ኸም ሓጺን ብርትዕቲ ኽትከውን፣ ከምቲ ሓጺን ንዅሉ ነገር ዚጭፍልቕን ዚሰብርን፣ ከምኡ ኸኣ ከም ዚቕጥቅጥ ሓጺን ኰይና፣ ነዚ ዅሉ ኽትጭፍልቕን ክትቅጥቅጥን እያ።

41. እቲ ኣእጋርን ኣጻብዕን ገሊኡ መሬት፣ ግርሊኡ ሓጺን ዝርኤካዮ፣ ከምኡ እተፈላለየት መንግስቲ ኽትከውን እያ። ግናኸ፣ ከምቲ ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት ተሐዊሱ ዝርኤኻዮ፣ ካብ ጽንዓት ሓጺን ገለ ኺህልዎ እዩ።

42. ከምቲ ኣጻብዕ ኣእጋር ገሊኡ ሓጺንገሊኡ ኽኣ ምሬት ዝነበረ፡ ከምኡውን እታ መንግስቲ ገሊኣ ብርትዕቲገሊኣ ኸኣ ተሰባሪት ክትከውን እያ።

43. እታ ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት ተሐዋሲ ዝርኤካዮ፣ ንሳቶም ምስ ዘርኢ ሰብ ኪተሃዋወሱ፣ ግናኸ፣ ከምቲ ሓጺን ምስ መሬት ዘይላገብ፣ ንሓድሕዶም ኣይኪላገቡን እዮም።

44. ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን፣ ግዝኣታ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ፣ ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።

45. ከምቲ እምኒኢዱ ከይተንከዮ፡ ካብ ክረን ተፈንቂሉ ንሃጺንን ኣስራዝን መሬትን ብሩርን ወርቅን ኪዶምኾ ኸሎ ዝርኤኻዮ፡ እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ንንጉስ ነቲ ድህርዚ ዚኸውን ኣፍለጦ። እቲ ሕልሚ ርግጽትርጓሜኡ ኸኣ እሙን እዩ።

46. ሽዑ ንጉስ ነቡካድነጻር ብግምባሩ ተደፊኡ ንዳንኤል ሰገደሉ። መዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ኬቕርቡሉ ድማ ኣዘዘ

47. እቲ ንጉስ ንዳንኤል፣ ንስኻ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትገልጻ ካብ ከኣልካስ፣ እቲ ኣምላኽኩም ብሓቂ ኣምላኽ ኣማልኽትን ጐይታ ነገስታትን ገላጺ ምስጢራትን እዩ፣ ኢሉ መለሰሉ

48. ሽዑ እቲ ንጉስ ንዳንኤል ልዕል ኣበሎብዙሕን ዓብይን ውህበት ሀቦ፣ ኣብ ልዕሊ ዅላ ኣውራጃ ባቢሎን ኣግዝኦ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ጠቢባን ባቢሎን ከኣ ሓለቓ ገበሮ

49. ዳንኤል ንንጉስ ለሚኑንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብዱ-ኔጎን ኣብ ልዕሊ ተግባር ኣውራጃ ባቢሎን ሾሞምዳንኤል ግና ኣብ ደገ ንጉስ ነበረ።