1. ነቡካድነጻር ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት መንግስቱ ሕልሚ ሐለመ፣ መንፈሱ ኸኣ ተሀወኸ፣ ድቃሱ ኸኣ ካብኡ በረረ።
2. ሽዑ እቲ ንጉስ ንፈለጥትን ጠቢባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንን፣ ንንጉስ ሕልሙ ኺነግርዎ ኢሉ፣ ኪጽውዕዎም አዘዘ። ንሳቶም ከኣ መጹ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስውን ቈሙ።
3. እቲ ንጉስ ድማ፣ ሕልሚ ሐሊመስ ነቲ ሕልሚ ኺፈልጥ መንፈሰይ ተሀዊኹ አሎ፣ በሎም።
4. ሽዑ እቶም ከለዳውያን ንንጉስ ብእራማይስጢ፣ ዎ ንጉስ ንዘለኣለም ህያው ኩን፣ ንባሮትካ ሕልምኻ ንገረና፣ ንሕናውን ትርጉሙ ኽንነግረካ ኢና፣ በልዎ።
5-6. እቲ ንጉስ ከኣ ነቶም ከለዳውያን፣ እቲ ነገር ረሲዐዮ እየ። ነቲ ሕልምን ትርጉሙን እንተ ዘየፍለጥኩምኒ፣ ንስኻትኩም ክትስየፉ፣ ኣባይትኹም ድማ ምድርባይ ጐሓፍ ኪኸውን እዩ። ነቲ ሕልምን ትርጉሙን እንተ ነገርኩምኒ ግና፣ ህያብን ውህበትን ዓብዪ ኽብረትን ክህበኩም እየ፣ እምብኣርስኸ ነቲ ሕልምን ትርጉሙን ንገሩኒ፣ ኢሉ መለሰሎም።
7. ንሳቶም ድማ ካልእይ ጊዜ፣ እቲ ንጉስ ንባሮቱ ሕልሙ ይንገረና፣ ንሕናውን ትርጉሙ ኽንነግር ኢና፣ ኢሎም መለሱሉ።
8. እቲ ንጉስ ከኣ፣ እቲ ነገር ከም ዝረሳዕክዎ ስለ ዝርኤኹም፣ ጊዜ ኽትረኽቡ ትደልዩ ኸም ዘሎኹም፣ ብርግጽ እፈልጥ አሎኹ።
9. ነቲ ሕልሚ እንተ ዘየፍለጥኩምኒ ግና፣ ፍርድኹም ሓንቲ እያ። ንስኻትኩም ጊዜ ኽሳዕ ዚሓልፍ፣ ኣብ ቅድመይ ቃላት ሓሶትን ምትላልን ክትዛረቡ ተሳማሚዕኩም አሎኹም፣ እምብኣርስኸ ነቲ ሕልሚ ንገሩኒ፣ ኣነ ኸኣ ትርጉሙ ኸም እትነግሩኒ እፈልጥ እየ፣ ኢሉ መለሰሎም።
10-11. እቶም ከለዳውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ ንጉስሲ፣ ምንም እኳ ዓብይን ብርቱዕን እንተ ዀነ፣ ንፈላጥን ጠቢብን ከለዳውን ከምዚ ነገር ዝጠየቐ የልቦን እሞ፣ ነቲ ነገር ንጉስ ዜፈልጥ ሰብ ኣብ ምድሪ ከቶ ኣይርከብን እዩ። እቲ ንጉስ ዚደልዮ ነገር ዜሸግር እዩ እሞ ኣማልኽቲ እንተ ዘይኰይኖም፣ ነዚ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኬፍልጦ ዚኽእል የልቦን፣ ማሕደሮም ድማ ምስ ስጋ ዝለበሱ ኣይኰነን፣ ኢሎም መለሱ።
12. ስለዚ እቲ ንጉስ ኰረየ፣ ኣዝዩ ተናደደ፣ ንዘለዉ ጠቢባን ባቢሎን ከኣ ኬጥፍእዎም አዘዘ።
13. እቲ ፍርዲ ድማ ወጸ፣ ነቶም ጠቢባን ከኣ ኪቐትልዎም ጀመሩ፣ ንዳንኤልን ንመሓዙቱንውን ኪቐትልዎም ኢሎም ይደልይዎም ነበሩ።
14. ሽዑ ዳንኤል ንኣርዮክ፣ ነቲ ንጠቢባን ባቢሎን ኪቐትሎም ዝወጸ ሓለቓ ዘብዔኛታት ንጉስ፣ ብምኽርን በእምሮን መለሰሉ።
15. ንሱ ንኣርዮክ፣ ናይ ንጉስ መኰነን፣ እዚ ብርቱዕ ፍርዲ ኻብ ንጉስ ስለምንታይ ወጸ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኣርዮክ ድማ እቲ ነገር ንዳንኤል ኣፍለጦ።
16. ዳንኤል ከኣ ናብ ንጉስ አትዩ፡ እቲ ትርጉሙ ኬፍልጦስ ጊዜ ኺህቦ፡ ንንጉስ ለመኖ።
17-18. ድሕርዚ ዳንኤል ናብ ገዝኡ ኸደ እሞ፣ ዳንኤልን መሓዙቱን ምስቶም ዝተረፉ ጠቢባን ባቢሎን ከይጠፍኡ፣ ብዛዕባ እዚ ምስጢር እዚ ኻብ ኣምላኽ ሰማይ ምሕረት ኪልምኑስ ንሃናንያን ንሚሻኤልን ንኣዛርያን መሓዙቱ፣ እቲ ነገር ኣፍለጦም።
19. ሽዑ እቲ ምስጢር ንዳንኤል ብራእይ ለይቲ ተገልጸሉ። ዳንኤል ከኣ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስገኖ።
20. ዳንኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ጥበብን ስልጣንን ናቱ እዩ እሞ፡ ስም ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ።
21. ንሱ ዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥ፣ ነገስታት ይስዕር ነገስታት ከኣ ይሸይም፣ ነቶም ጠቢባን ጥበብ ነቶም ኣስተውዓልቲ ኸኣ ምስትውዓል ይህቦም።
22. ንሱ ዓሚቝ ሕቡእን ይገልጽ፡ እቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ይፈልጥ፡ ብርሃንውን ምስኡ እዩ ዚነብር።
23. ዎ ኣምላኽ ኣቦታተይ፣ ነቲ ነገር ንጉስ ኣፍሊጥካኒ ኢኻ እሞ፣ ጥበብን ሓይልን ስለ ዝሀብካኒ፣ ሕጂውን እቲ ዝለመንናካ ስለ ዝገለጽካለይ፣ ኤመስግነካን እውድሰካን አሎኹ።
24. ስለዚ ዳንኤል ናብቲ እቲ ንጉስ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኬጥፍኦም ዝኣዘዞ ኣርዮክ ከደ፣ አትዩ ኸኣ፣ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኣይተጥፍኣዮም፣ ናብ ቅድሚ ንጉስ ውሰደኒ፣ ኣነውን ንንጉስ እቲ ትርጉም ከፍልጦ እየ፣ ኢለ ነገሮ።
25. ሽዑ ኣርዮስ ንዳንኤል ቀልጢፉ ናብ ንጉስ ኣእተዎ እሞ፣ እኔኹ ኻብቶም ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ንንጉስ ትርጉም ዜፍልጥ ሰብኣይ ረኺበ አሎኹ፣ በሎ።
26. እቲ ንጉስ ከኣ ነቲ ቤልጥሻጽር እተሰምየ ዳንኤል፣ ነቲ ዝርኤኽዎ ሕልምን ትርጉምን ከተፍልጠኒዶ ትኽእል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
27. ዳንኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ ነዛ ንጉስ ዙሐተላ ዘሎኢ ምስጢርስ እቶም ጠቡባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ፈለጥትን ንንጉስ ኪነግርዎ ኣይኽኣሉን እዮም፣ ኢለ መለሰ።
28. ግናኸ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዚገልጽ፣ ንሱ ኸኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር በቲ ዳሕራይ ዘመንሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍለጦ። እቲ ኣብ ምድቃስካ ዝርኤኻዪ ሕልምኻን ራእያት ርእስኻን እዚ እዩ፣
29. ዎ ንጉስ፣ ብዛዕባ እቲ ብድሕርዚ ዚኽውን፣ ኣብ ምድቃስካ ኸሎኻ፣ ሓሳባት ተንሳኣካ። እቲ ምስጢራት ዚገልጽ ከኣ ነቲ ዚኽውን ኣስለጠካ።
30. ንኣይ እዚ ምስጢር እተገልጸለይሲ፡ እቲ ትርጓሜኡ ንንጉስ ምእንቲ ክነግር እሞ፡ እቲ ሓሳባት ልብኻ ኽትፈልጦ እዩ እምበር፣ ካብ ኵላቶም ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ብጥበብ ስለ ዝበለጽኩ ኣይኰንኩን።
31. - ዎ ንጉስ፣ እንሆ፣ ንስኻ ዓብዪ ምስሊ ርኤኻ። እዚ ገዚፍን ምንጽብራቑ ኸኣ ዜገርምን ዝነበረ ምስሊ ኣብ ቅድሜኻ ቘመ ትርኢቱውን ዜፍርህ ነበረ።
32. እዚ ምስሊ እዚ፣ ርእሱ ብሉጽ ወርቂ፣ ደረቱን ቀላጽሙን ብሩር፣ ካብዱን ሕቝኡን ከኣ ኣስራዚ ነበረ፣
33. መሓውሩ ሓጺን፣ ኣእጋሩ ኸኣ ገሊኡ ሃጺን፣ ገሊኡ መሬት ነበረ።
34. ንስኻ ትጥምት ነበርካ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኢዱ ከይተንከዮ እምኒ ተፈንቂሉ፣ ነቲ ጺንን መሬትን ዝዀነ ኣእጋር እቲ ምስሊ ወቖኦን ዳዕመኾን።
35. ሽዑ እቲ ሓጺንን መሬት ኣስርራዝን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተዳዕመዀ፣ ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ቐውዒ ዀነ፣ ኣሰሩ ኽሳዕ ዚጠፍእ ከኣ ንፋስ ወሰዶ። ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዪ ኸረን ኰነ፡ ንብዘላ ምድሪውን መልኣ።
36. እቲ ሕልሚ እዚ እዩ፣ ትርጓሜኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክነግሮ ኢና።
37. ዎ ንጉስ፣ እቲ ኣምላኽ ሰማይ ንኣኻ መንግስትን ልስታንን ሓይልን ክብርን ዝሀበካ ንጉስ ነገስታት ንስካ ኢኻ።
38. ደቂ ሰብን እንስሳ መሮርን ኣዕዋፍ ሰማይን ዚነብሩለ ዘበለ ኸኣ ኣብ ኢድካ ሀበካ፣ ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ድማ ኣግዝኣካ፣ እቲ ርእሲ ወርቂ ንስኻ ኢኻ።
39. ብድሕሬኻ ድማ ካባኻ እትንእስ ካልእ መንግስቲ ኽትትንስእ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እትገዝእ ካልእ ሳልሳይቲ መንግስቲ ኣስራዚውን ክትትንስእ እያ።
40. እታ ራብዐይቲ መንግስቲ ኸም ሓጺን ብርትዕቲ ኽትከውን፣ ከምቲ ሓጺን ንዅሉ ነገር ዚጭፍልቕን ዚሰብርን፣ ከምኡ ኸኣ ከም ዚቕጥቅጥ ሓጺን ኰይና፣ ነዚ ዅሉ ኽትጭፍልቕን ክትቅጥቅጥን እያ።
41. እቲ ኣእጋርን ኣጻብዕን ገሊኡ መሬት፣ ግርሊኡ ሓጺን ዝርኤካዮ፣ ከምኡ እተፈላለየት መንግስቲ ኽትከውን እያ። ግናኸ፣ ከምቲ ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት ተሐዊሱ ዝርኤኻዮ፣ ካብ ጽንዓት ሓጺን ገለ ኺህልዎ እዩ።
42. ከምቲ ኣጻብዕ ኣእጋር ገሊኡ ሓጺን፡ ገሊኡ ኽኣ ምሬት ዝነበረ፡ ከምኡውን እታ መንግስቲ ገሊኣ ብርትዕቲ፡ ገሊኣ ኸኣ ተሰባሪት ክትከውን እያ።
43. እታ ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት ተሐዋሲ ዝርኤካዮ፣ ንሳቶም ምስ ዘርኢ ሰብ ኪተሃዋወሱ፣ ግናኸ፣ ከምቲ ሓጺን ምስ መሬት ዘይላገብ፣ ንሓድሕዶም ኣይኪላገቡን እዮም።
44. ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን፣ ግዝኣታ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ፣ ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።
45. ከምቲ እምኒ፡ ኢዱ ከይተንከዮ፡ ካብ ክረን ተፈንቂሉ ንሃጺንን ኣስራዝን መሬትን ብሩርን ወርቅን ኪዶምኾ ኸሎ ዝርኤኻዮ፡ እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ንንጉስ ነቲ ድህርዚ ዚኸውን ኣፍለጦ። እቲ ሕልሚ ርግጽ፡ ትርጓሜኡ ኸኣ እሙን እዩ።
46. ሽዑ ንጉስ ነቡካድነጻር ብግምባሩ ተደፊኡ ንዳንኤል ሰገደሉ። መዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ኬቕርቡሉ ድማ ኣዘዘ።
47. እቲ ንጉስ ንዳንኤል፣ ንስኻ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትገልጻ ካብ ከኣልካስ፣ እቲ ኣምላኽኩም ብሓቂ ኣምላኽ ኣማልኽትን ጐይታ ነገስታትን ገላጺ ምስጢራትን እዩ፣ ኢሉ መለሰሉ።
48. ሽዑ እቲ ንጉስ ንዳንኤል ልዕል ኣበሎ፣ ብዙሕን ዓብይን ውህበት ሀቦ፣ ኣብ ልዕሊ ዅላ ኣውራጃ ባቢሎን ኣግዝኦ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ጠቢባን ባቢሎን ከኣ ሓለቓ ገበሮ።
49. ዳንኤል ንንጉስ ለሚኑ፣ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብዱ-ኔጎን ኣብ ልዕሊ ተግባር ኣውራጃ ባቢሎን ሾሞም። ዳንኤል ግና ኣብ ደገ ንጉስ ነበረ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...