1. ንመግስቲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም መጸ ከበባውን

2. እግዚኣብሄር ድማ ንዮኣቂም ንጉስ ይሁዳን ካብ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽ ከኣ ሓደ ኽፍልን ኣብ ኢዱ ሀቦ። ናብ ሃገር ሲንኣር ናብ ቤት ኣምላኹ ወሰዶም፣ ነቲ ኣቓሑውን ኣብ ቤት መዝገብ ኣምላኹ ኣእተዎ

3. እቲ ንጉስ ከኣ ንኣሽፈናዝሓለቓ እቶም ስሉባቱ፣ ካብ ደቂ እስራኤል፣ ካብ ዓሌት ንጉስን ካብ ወለዶ ጭዋታትን መንእሰያት ኬምጽእ ነገሮ

4. እዚኣቶም ከኣ ጕድለት ዜብሎም መልክዔኛታት ብዅሉ ጥበብ ኣስተውዓልትን ምሁራትን ኣእምሮኛታትን ኣብ ኣደራሽ ንጉስ ምቛም ዚኽእሉን ኪዀኑ፣ ናይ ከለዳውያን መጻሕፍትን ቋንቋን ከኣ ኪምህርዎም፣ ኢሉ ነገሮ።

5. እቲ ንጉስ ድማ ካብቲ ብልዒ ንጉስን ካብቲ ንሱ ዚሰትዮ ወይንን ጸጽባሕ ድርጎ ሰርዓሎምሰለስተ ዓመት ኪምገቡድሕሪዚውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኪቘሙ፣ ኢሉ ኣዘዘ።

6. ኣብ ማእከል እዚኣቶም ድማ ካብ ደቂ ይሁዳዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ነበሩ።

7. እቲ ሓለቓ ስሉባት ከኣ ስማት ኣውጽኣሎም፣ ንዳንኤል ቤልሻጽርንሃናንያ ሲድራቅንሚሻኤል ሚሳቅንኣዛርያ ድም ኣዓብድ-ኔጎ ኢሉ ሰመዮም

8. ዳንኤል ግና፣ በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዚሰትዮ ወይንን ከይረክስብልቡ ሐለነ፣ ብግዲ ኸይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖ

9. ኣምላኽ ከኣ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ስሉባት ሞገስ ምሕረትን ሀቦ

10. እቲ ሓለቓ ስሉባት ከኣ ንዳንኤል፣ ኣነ ነቲ መብልዕኩምን መስቴኹምን ዘዳረገኩም ጐይታይ ንጉስ እፈርሆ አሎኹ። ንገጽኩምሲ ኻብ ናይቶም መሳቱኹም መንእሰያት ዐቢሩ እንተ ረኸቦ፣ ሽዑ ንርእሰይ ብንጉስ ከይተቕጽዕዋ እፈርህ አሎኹ፣ በሎ

11. ሽዑ ዳንኤል ነቲ፣ እቲ ሓለቓ ስሉባት ኣብ ልዕሊ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝሸሞ መጋቢ፣

12. ጥረ እንበልዖ ማይ ከኣ እንሰትዮ ሂብካዓሰርተ መዓልቲ እሞ ንባሮትካ ተዐዘበና

13. ደሓር ገጽናን ገጽ እቶም ብልዒ ንጉስ ዝበልዑን ኣብ ቅድሜኻ ይርኤ፣ ሽዑ ንባሮትካ ኸምቲ ዝርኤኻዮ ግበረና፣ በሎ።

14. ንሱ ድማ ነዚ ነገርዚ ሕራይ ኢሉ፣ ዓሰርተ መዓልቲ ተዐዘቦም

15. እተን ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ተወድኣ ኸኣ፣ ካብ ኵሎም እቶም መብልዕ ንጉስ ዝበልዑ መንእሰያት ዝበለጸ፣ በሪሁን ሀጢሮምን ተራእዩ

16. ሽዑ እቲ መጋቢ ነቲ ድርጎኦም ብልዕን ዚሰትይዎ ወይንን ኣትሪፉጥረ ሀቦም

17. ኣምላኽ ከኣ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰያት እዚኦም ፍልጠት፣ ብዅሉ መጻሕፍትን ጥበብን ከኣ ምስትውዓል ሀቦምዳንኤል ድማ ኵሉ ራእያትን ሕልምታትን የስተውዕል ነበረ።

18. እታ፣ እቲ ንጉስ ኪኣትዉላ ኢሉ ዝመደባ መዓልቲ ምስ በጽሔት፣ እቲ ሓለቓ ስሉባት ኣብ ቅድሚ ነቡካድነጻር ኣኣተዎም

19. እቲ ንጉስ ከኣ ተዛረቦም፣ ካብ ኵላቶም ድማ ከም ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝበለ ኣይተረኽበን። ንሳቶምውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቈሙ

20. ብዛዕባ እቲ ንጉስ ዝጠየቖም ናይ ጥበብን ምስትውዓልን ኵሉ ነገር፣ ካብቶም ኣብ ግዝኣቱ ዝነበሩ ጠቢባንን ፈለጥትን ዓሰርተ ኢድ በሊጾም ረኸቦም

21. ዳንኤል ድማ ክሳዕ እታ ቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ ጸንሔ።