1. ኤልሳእ ድማ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑበለእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ኣብ ደገ ሰማርያ ሓደ መስፈሪ ድኹም ሓርጭ ብሲቃልክልተ መስፈሪ ስገም ከኣ ብሲቃል ኺሽመት እዩ።

2. እቲ ንጉስ ኣብ ኢዱ ዚጒዝጐዞ ዝነበረ ሓለቓ ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብእንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መሳዂቲ እንተ ዚገብርሲእዚ ነገር እዚ ይኸውንዶ፧ ኢሉ መለሰሉንሱ ኸኣበዒንትኻ ኽትርእዮ ኢኻ፡ ግናኸ ኻብኡ ኣይክትበልዕን ኢኻ፡ በለ

3. ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ድማ ኣርባዕተ ሰብ ለምጺ ነበሩ። ንሓድ ሕዶም ከኣ፡ ስለምንታይ ኢና ኽሳዕ እንመውት ኣብዚ ኾፍ እንብል፧

4. ናብ ከተማ ንእቶ እንተ በልናኣብ ከተማ ጥሜት አሎ እሞ፡ ኣብአ ኽንመውት ኢና፡ ኣብዚ እንተ ተቐመጥናውን ክንመውት ኢናሕጂ ኸኣ ንኺድናብ ሰፈር ሶርያውያን ንሰደድብህይወት እንተ ሐደጉናብህይወት ንነብርእንተ ቐተሉና ኸኣ፡ ንመውት፡ ተባሃሀሉ።

5. ጽልግልግ ምስ ኰነ ድማ፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ኪኸዱ ተንስኡ። ኣብ ወሰን ሰፈር ሶርያውያን ምስ በጽሑ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብኡ ሰብ ኣይነበረን።

6. ኣምላኽ ድማ ኣብቲ ሰፈር ሶርያውያን ደሃይ ሰረገላታት ደሃይ ኣፍራስን ደሃይ ብዙሕ ሰራዊትን ኣስሚዕዎም ነበረ እሞ፡ ንሓድ ሕዶም፡ እንሆ፡ ንጉስ እስራኤል ንነገስታት ሔታውያንን ነገስታት ግብጻውያንን ተኻርዩ ኣባና ኣምጺእዎም እዩ፡ ተባሃሀሉ

7. ጽልግልግ ምስ ኰነ ድማ፡ ተንሲኦምሀደሙድንኳውንቶምን ኣፍራሶምን ኣእዱጎምን እቲ ሰፈሮም ከም ዘሎ ሓዲጎምዎ ነፍሶም ኬድሕኑ ሀደሙ

8. እቶም ለምጻማት እቲኣቶም ናብ ወሰን እቲ ሰፈር ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብ ሓደ ድንኳን ኣትዮም በልዑን ሰተዩን፡ ካብኡ ድማ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ወሰዱከይዶም ከኣ ሐብእዎተመሊሶም ድማ ናብ ካልእ ድንኳን ኣተዉ፡ ካብኡ ኸኣ ወሰዱከይዶምውን ሐብእዎ

9. ሽዑ ንሓድ ሕዶም እዚ ንሕና እንገብሮ ዘሎና ቕኑዕ ኣይኰነን፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ንሳ መዓልቲ ብስራት እያ፡ ንሕና ኸኣ ስቕ ኢልና አሎናንግሆ ኽሳዕ ዚበርህ እንተ ጸናሕና ድማ፡ በደል ኪዀነና እዩ። ሕጂ ኸኣ ንኺድ እሞ ኣብ ቤት ንጉስ ኣቲና ንንገርተባሃሀሉ

10. መጺኦም ድማ ንዘብዔኛ ደገ እታ ኸተማ ጸዊዖም፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ኬድና ኔርና፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ እሱራት ኣፍራስን እሱራት ኣእዱግን ድንኳውንቲውን ከም ዘለዎ እምበር፡ ሰብ ኰነ፡ ድምጺ ሰብ ኰነ የልቦን፡ ኢሎም ነገሩ

11. እቶም ዘብዓኛታት ከኣ ጸዊዖም ኣብ ውሽጢ ቤት ንጉስ ነገሩ

12. እቲ ንጉስ ብለይቲ ተንሲኡ ድማ ንገላዉኡ፡ እቶም ሶርያውያን ዝገበሩና እሞ ክነግረኩም፡ ንሕና ጥሙያት ከም ዝዀንና ፈሊጦም አለዉ እሞ ካብ ከተማ ምስ ወጹብህይወቶም ንሕዞምናብ ከተማ ኸኣ ንአቱኢሎም ካብ ሰፈር ወጺኦም ኣብ መሮር ተሐቢኦም አለዉ፡ በሎም

13. ሓደ ኻብ ገላዉኡ ድማ፡ ካብቶም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዘለዉ ኣፍራስበጃኻ፡ ሓሙሽተ ይውሰዱእንሆ፡ ከም ብዘሎ ብዝሒ እቲ ተሪፉ ዘሎ እስራኤል እዮም፡ እንሆ፡ ከም ብዘሎ ብዝሒ እቲ እተወድኤ እስራኤል እዮም እሞ፡ ኪስልዩ ንስደዶምኢሉ መለሰ

14. ሽዑ ኽልተ ሰረገላ ምስ ኣፍራስ ወሰዱእቲ ንጉስ ድማ፡ ኪዱ እሞ ርአዩኢሉ ደድሕሪ ሰራዊት ሶርያውያን ሰደዶም

15. ክሳዕ ዮርዳኖስ ድማ ደድሕሪኦም ከዱ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኲሉ መገዲ እቶም ሶርያውያን ብምህዋኾም ዝደርበይዎ ኽዳውንትን ኣቓሑን መሊኡ ነበረ። እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም ንንጉስ ነገርዎ

16. ሽዑ እቲ ህዝቢ ወጺኡ ነቲ ሰፈር ሶርያውያን ገፈፎከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ዀነ፡ ሓደ መስፈሪ ድኹም ሓርጭ ብሲቃልክልተ መስፈሪ ስገም ከኣ ብሲቃል ተሸመተ

17. እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኣብ ኢዱ ዚጒዝጐዞ ዝነበረ ሓለቓ ነቲ ደገ ኺሕሉ ኣቘሞ። ግናኸ ከምቲ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብንጉስ ናብኡ ምስ ወረደ እተዛረቦ ቓልእቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረገጽዎሞተ ኸኣ።

18. ከምቲ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ንንጉስጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ኣብ ደገ ሰማርያ ኽልተ መስፈሪ ስገም ብሲቃል፡ ሓደ መስፈሪ ድኹም ሓርጭ ድማ ብሲቃል ኪሽመት እዩ፡ ኢሉ እተዛረቦ ኸኣ ዀነ።

19. እቲ ሓለቓ ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እንሆ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መስኰት እንተ ኸፈተ እኳ፡ ከምዚ ነገር እዚ ዝበለዶ ይኸውን ኢሉመሊሱ ነበረ። ንሱውን፡ እንሆ፡ በዒንትኻስ ክትርእዮ ኢኻ፡ ካብኡ ግና ኣይትበልዕንኢሉ ነበረ።

20. ከምኡ ድማ ዀኖ፡ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረገጽዎሞተ ኸኣ።