1. ንየሮብዓም ንጉስ እስራኤል ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን ዓመቱ ኣዛርያወዲ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳነገሰ

2. ኪነግስ ከሎ ኸኣ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ነበረ፡ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ የሩሳሌም ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ የኮልያ እዩ። ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።

3. ከምቲ ኣቦኡ ኣማስያ ዝገበሮ ዂሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ

4. ግናኸ ነቲ በረኽቲ ኣየግለስዎን ነበሩ፡ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ።

5. እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ንጉስ ወቕዖክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸኣ ለምጻም ኰነ፡ ኣብ ፍልይቲ ቤትውን ይቕመጥ ነበረ። ዮታም ወዲ ንጉስ ድማ ዋና እታ ቤት ኰይኑ ንህዝቢ እታ ሃገር ይፈርድ ነበረ።

6. እቲ ዝተረፈ ናይ ኣዛርያ ነገርን ኲሉ እቲ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን

7. ኣዛርያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊትውን ምስ ኣቦታቱ ቐበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ዮታም ወዱ ነገሰ

8. ንኣዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሾሞንተን ዓመቱ ዘካርያስ ወዲ የሮብዓም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰሹድሽተ ወርሒ ኸኣ ገዝኤ።

9. ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኣኤል ዘሕጥአሉኣየግለሰን

10. ሻሉም ወዲ ያቤሽ ድማ ተማሓሐለሉ እሞ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ወቒዑ ቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ነገሰ

11. እቲ ዝተረፈ ናይ ዘካርያስ ነገር፡ ንሱ እንሆኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ አሎ።

12. እቲ እግዚኣብሄርስ ንየሁደቅኻ ኽሳዕ ራብዓይ ወለዶ ኣብ ዝፋን እስራኤል ኪቕመጡ እዮም፡ ኢሉ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ። ከምኡ ኸኣ ዀነ።

13. ንኡዝያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ ሻሉም ወዲ ያቤሽ ነገሰ እሞ ኣብ ሰማርያ ሓንቲ ወርሒ ገዝኤ

14. ምናሔም ወዲ ጋዲ ኸኣ ካብ ቲርጻ ደዪቡ ናብ ሰማርያ መጸንሻሉም ወዲ ያቤሽ ድማ ኣብ ሰማርያ ወቒዑ ቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡውን ነገሰ

15. እቲ ዝተረፈ ናይ ሻሉም ነገርን እቲ እተማሓሐሎ ማሕላን፡ ንሱ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ አሎ።

16. ሽዑ ምናሔም ንቲፍሳሕን ኣብአ ንዝነበረ ዂሉን፡ ንዶባታ ድማ ካብ ቲርጻ ጀሚሩ ተዋግኣ፡ እታ ኸተማ ኣይከፈቱሉን፡ ስለዚ ኸኣ ሰዐራ፡ ኣብአ ንዝጸንሓ ዂለን ጥኑሳትውን ቀደደን

17. ንአዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ ምናሔም ወዲ ጋዲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ እሞ ኣብ ሰማርያ ዓሰርተ ዓመት ገዝኤ።

18. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፉእ ገበረብዂሉ ዘመኑ ኸኣ ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕትአሉ ሓጢኣትኣየግለሰን

19. ፉል ንጉስ ኣሶር ድማ ናብታ ሃገር መጸምናሔም ከኣ እታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ምእንቲ ኽትጸንዕ ኪድግፎ ኢሉ፡ ንፉል ሽሕ ታለንት ብሩር ሀቦ

20. ምናሔም ድማ ንንጉስ ኣሶር ምእንቲ ኺህብ፡ ካብ እስራኤል ካብቶም ኣዝዮም ሃብታማት ዘበሉ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓምሳ ሲቃል ብሩር ኣውጽኤእቲ ንጉስ ኣሶር ከኣ ተመልሰ፡ ኣብአ ኣብታ ሃገርውን ኣይቈመን

21. እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሔም ነገርን ኲሉ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየልን

22. ምናሔም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ጴቃሕያ ነገሰ

23. ንኣዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሓምሳ ዓመቱ ጴቃሕያ ወዲ ምናሔም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰክልተ ዓመት ከኣ ገዝኤ

24. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉኣየግለሰን

25. ጴቃሕ ወዲ ረማልያ፡ ንሱ ሓደ ኻብቶም ሓላቑኡ፡ ድማ ተማሓሐለሉ እሞ ንእኡ ምስ ኣርጎብርን ኣርየን ገይሩ ኣብ ሰማርያ ኣብ ኣደራሽ ቤተ ንጉስ ቀተሎ። ምስኡ ድማ ካብ ደቂ ጊልዓዳውይን ሓምሳ ሰብ ነበሩ፡ ንእኡ ቐቲሉ ከኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ

26. እቲ ዝተረፈ ናይ ጴቃሕያ ነገርን ኲሉ እቲ ዝገበሮንንሱ እንሆኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ አሎ።

27. ንኣዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሓምሳን ክልተን ዓመቱጴቃሕ ወዲ ረማልያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰዕስራ ዓመት ድማ ገዝኤ።

28. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ክፉእ ገበረ፡ ካብቲ ሓጢኣኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥአሉኣየግለሰን

29. ብዘመን ጴቃሕ ንጉስ እስራኤልቲግላት-ጲሌሰር ንጉስ ኣሶር መጸንዒዮንን ንአቤል-ቤት-ማዓካን ንያኖኣን ንቃዴስን ንሓጾርን ንጊልዓድን ንገሊላንብዘላ ምድሪ ንፍታሌም ሐዛ፡ ናብ ኣሶር ከኣ ማረኾም

30. ሆሴእ ወዲ ኤላ ድማ ንጴቃሕ ወዲ ረማልያ ተማሓሐለሉወቒዑ ኸኣ ቀተሎንዮታም ወዲ ኡዝያ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ድማ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ

31. እቲ ዝተረፈ ናይ ጴቃሕ ነገርን ኲሉ እቲ ዝገበሮን፡ ንሱ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ አሎ።

32. ንጴቃሕ ንጉስ እስራኤልወዲ ረማልያ፡ ኣብ ካልአይቲ ዓመቱ ዮታምኡዝያ ንጉስ ይሁዳነገሰ

33. ኪነግስ ከሎ ኸኣ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝኤስም ኣዲኡ ድማ የሩሻ እዩ፡ ንሳ ጓል ጻዶቅ እያ።

34. ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረከምቲ ኣቦኡ ኡዝያ ዝገበሮ ዂሉ ገበረ

35. ግናኸ ነቲ በረኽቲ ኣየግለስዎን፡ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ። ንሱ ነቲ ላዕላይ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ሰርሖ

36. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮታም ነገርን ኲሉ እቲ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን

37. በቲ ጌዜ እቲ እግዚኣብሄር ንረጺን ንጉስ ሶርያን ንጴቃሕ ወዲ ረማልያን ንምጽራር ይሁዳ ኺሰዶም ጀመረ

38. ዮታም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ከኣ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊት ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሃዝ ነገሰ