1. ንእማን ድማ፡ ንንጉስ ሶርያ ሓለቓ ሰራዊቱእግዚኣብሄር ንሶርያ ብእኡ ዲል ሂብዎም ነበረ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ዓብይን ክቡርን ሰብ ነበረ፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ ብርቱዕ ጅግና ነበረ፡ ግናኸ ለምጻም ነበረ

2. ሶርያውያን ድማ ሓደጋ ኺወድቁ ወጺኦም ነበሩ፡ ካብ ምድሪ እስራኤል ከኣ ንእሽቶ ጓል ማሪኾም ወሰዱ። ንሳ ድማ ኣብ ቅድሚ ሰበይቲ ንእማን ተገልግል ነበረት።

3. ንእመቤታ ኸኣ፡ ጐይታይሲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማርያ ዘሎ ነብዪ እንተ ዚህሉሽዑ ኻብ ለምጹ መሕወዮ ነይሩ፡ በለት

4. ንእማን ከኣ አትዩ ንጐይታኡ፡ እታ ኻብ ምድሪ እስራኤል ዝመጸት ጓል ከምዝን ኢላ ተዛሪባ፡ ኢሉ ነገሮ

5. እቲ ንጉስ ሶርያ ድማ፡ እምበእርሲ ኺድ፡ ኣነ ኸኣ ንንጉስ እስራኤል ደብዳበ ኽሰደሉ እየ፡ በለ። ሽዑ ንሱ ዓሰርተ ታለንት ብሩርን ሹድሽተ ሽሕ ሲቃል ወርቅን ዓሰርተው ለውጢ ኽዳውንትን ምስኡ ሒዙ ኸደ

6. ነታ ደብዳበ ድማ ንንጉስ እስራኤል ኣብጽሓሉ፡ ንሳ ኸምዚ ትብል፡ ሕጂ ኸኣ፡ እዛ ደብዳበ እዚኣ ምስ መጸትካእንሆንእማን ጊልያይ ካብ ለምጹ ኸተሕውዮ ኢለ ናባኻ ሰዲደዮ አሎኹ።

7. ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ እስራኤል ነታ ደብዳበ ምስ ኣንበባክዳውንቱ ቐዲዱነዚ ሰብኣይ እዚ ኻብ ለምጹ ኸሕውዮ ኢሉ ዝሰደደለይዝቐትልን ዘሕውንሲኣነዶ ኣምላኽ እየ ንሱ ምኽንያት ጥራይ ይደልየኒ ኸም ዘሎበጃኹም፡ ፍለጡን ርአዩን፡ በለ

8. ኰነ ድማ፡ ኤልሳእ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስ እስራኤል ክዳውንቱ ኸም ዝቐደደ ምስ ሰምዔ፡ ናብቲ ንጉስ ልኢኹ፡ ስለምንታይከ ኢኻ ኽዳውንትኻ ዝቐደድካ፡ ኣብ እስራኤል ነብዪ ኸም ዘሎ ኺፈልጥሲ ናባይ ይምጻእበሎ

9. ንእማን ከኣ በፍራሱን ብሰረገላታቱን መጺኡ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ኤልሳእ ደው በለ።

10. ኤልሳእ ከኣ ናብኡ ልኡኽ ሰዲዱ፡ ናብ ዮርዳኖስ ኪድ እሞ ሾብዓተ ሳዕ ተሓጸብእቲ ስጋኻ ድማ ጥዕዩ ይምለሰካክትጸሪውን ኢኻ፡ በሎ

11. ንእማን ግና ኰርዩ ኸደ እሞ፡ እንሆ፡ ኣነስ ብርግጽ ወጺኡብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተማህሊሉ፡ ነቲ ለምጺ ዘለዎ ስፍራ ብኢዱ ዳህሲሱ ዜሕውየኒ መሲሉኒ ነይረ።

12. ካብ ኲሉ ማያት እስራኤልሲ፡ እቲ ርባታት ደማስቆ ኣባናን ፈርጳርንዶ ግዳ ኣይበልጽን ኣብኡ ተሐጺበዶ ኣይምጸሬኹን፧ በለ። ተናዲደ ኸኣ ገጹ መሊሱ ኸደ

13. ገላውኡ ግና ቅርብ ኢሎም፡ ኣቦየ፡ እዚ ነብዪ ጽኑዕ ነገር እንተ ዚዛረበካስኣይምገበርካዮንዶተሐጺብ እሞ ጽረእንተ በለካ ግዳ ኸመይ፧ ኢሎም ተዛረብዎ

14. ሽዑ ወረዱከም ዘረባ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ሾብዓተ ሳዕ ጠሐለስጋኡ ኸኣ ከም ስጋ ንእሽቶ ቘልዓ ዀይኑ ተመልሶጸረየውን

15. ሽዑ ንሱ ምስ ብዘሎ ጭፍራኡ ተመሊሱ፡ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጾ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ፡ እንሆ፡ ሕጂስ ብጀካ ኣብ እስራኤል ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣምላኽ ከምዜልቦ ፈለጥኩ፡ ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ካብ ጊልያኻ ገጽ በረኸት ተቐበልበለ

16. ንሱ ግና፡ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ከይቅበለካ፡ በለ። ንሱ ድማ ኪቕበሎ ግዲ በሎ። ንሱ ግና ኣበየ

17. ሽዑ ንእማን፡ እዚ ኻብ ዘይኸውንሲ ንጊልያኻ ኽልተ ጽዕነት በቕሊ መሬት ክትህቦ በጃኻ። ድሕሪ ደጊምሲ ጊልያኻ ንእግዚኣብሄር እምበር፡ ንኻልኦት ኣማልኽትስ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ኣየቕርብን እዩ።

18. በዚ ነገር እዚ ግዳ እግዚኣብሄር ንጊልያኻ ይስረየለይጐይታይ ኣብ ቤት ሪሞን ኣብኣ ኺሰግድ ኢሉ ምስ ዚአቱ፡ ንሱ ኣብ ኢደይ ይጐዝጐዝ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቤት ሪሞን እሰግድ፡ ኣብ ቤት ሪሞን ክሰግድ ከሎኹ ድማ፡ በዚ ነገር እዚ ደኣ እግዚኣብሄር ንጊልያኻ ይስረየለይ፡ በለ።

19. ንሱ ድማብሰላም ኪድ፡ በሎ። ካብኡ ኸኣ ገለ ቕሩብ መገዲ ኸደ

20. ገሓዚ ጊልያ ኤልሳእ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ግና፡ እንሆ፡ ጐይታይ ነዚ ንእማን ሶርያዊ ዘምጽኦ ኻብ ኢዱ ኸይወስድ ነሐፎህያው እግዚኣብሄር ኢለ፡ ደድሕሪኡ ጐይየ ገለ ኻብኡ ኽወስድ፡ እየ፡ በለ

21. ሽዑ ገሓዚ ደድሕሪ ንእማን ሰዐበንእማን ከኣ ደድሕሪኡ ኺጐዪ ምስረአዮኪቕበሎ ኻብ ሰረገላ ዘሊሉ ወረደ እሞ፡ ደሓንዶበለ

22. ንሱ ድማደሓንጐይታይ ደኣ፡ እነዉ ኽልተ መንእሰይ ካብ ደቂ ነብያት ካብ ከረን ኤፍሬም ሕጂ መጺኦምኒ እሞ፡ በጃኻ፡ ንኣታቶም ሓደ ታለንት ብሩርን ክልተ ለውጢ ኽዳውንትን ሀቦም፡ ኢሉ ልኢኹኒበለ

23. ንእማን ከኣ፡ ኤረ ኽልተ ታለንት ውሰድበለግዲ ድማ በሎ። ክልተ ታለንት ብሩር ኣብ ክልተ ኸረጺት ኣሲሩክልተ ለውጢ ኽዳውንቲውን ገይሩ ንኽልተ ገላውኡ ሀቦም፡ ንሳቶም ድማ ቀቅድሚኡ ተሰከምዎ

24. ኣብታ ዂርባ ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ካብ ኢዶም ወሲዱ ኣብ ቤት ኣርነቦ፡ ነቶም ሰባት ድማ ሰደዶምከዱውን

25. ንሱ ኸኣ አትዩ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ደው በለኤልሳእ ድማ፡ ገሓዚካበይ መጺእካ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጊልያኻ ኣብ ዝኸድክዎ የብለይን፡ በለ።

26. ንሱ ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ካብ ሰረገላኡ ተመሊሱ ኪቕበለካ ኸሎ፡ ልበይዶ ምሳኻ ኣይከደንብሩር ክትወስድክዳውንትን ኣታኽልቲ ዘይትን ወይንን ኣባጊዕን ኣሓን ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ከኣ ክትወስድሲ ጊዜኡ ድዩ፧

27. እምብኣርሲ እቲ ለምጺ ንእማን ንዘለአለም ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ይልገብ፡ በሎ። ሽዑ ለምጻም ኰይኑ ኸም በረድ ጻዕድዩ ኻብ ቅድሚኡ ወጸ