1. ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ዮራም ወዲ ኣከኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰዓሰርተው ክልተ ዓመት ከኣ ገዝኤ

2. ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ከም ኣቦኡን ኣዲኡን ግና ኣይኰነን፡ ንሱስ ነቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓወልቲ በዓል ኣርሐቖ

3. ግናኸ ኣብቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ጠበቐ እምበር፡ ካብኡ ኣየግለሰን

4. ሜሳ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ብዓል ኣባጊዕ ነበረ። ንንጉስ እስራኤል ድማ ሚእቲ ሽሕ ገንሸልን ሚእቲ ሽሕ ድዑል ምስ ጸጒሮምን ይግብረሉ ነበረ።

5. ኰነ ኸኣ፡ ኣከኣብ ምስ ሞተ፡ እቲ ንጉስ ሞኣብ ካብ ንጉስ እስራኤል ዐለወ

6. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ንጉስ ዮራም ካብ ሰማርያ ወጺኡ ንብዘሎ እስራኤል ቈጸረ

7. ናብ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ልኢኹ ኸኣ፡ ንጉስ ሞኣብ ካባይ ዐልዩ እዩ እሞ፡ ንንጉስ ሞኣብ ክንዋግኦስምሳይዶ ትኸይድ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ድማ፡ ሕራይ እድይብኣነ ኸማኻ፡ ህዝበይ ከም ህዝብኻኣፍራሰይ ከም ኣፍራስካበለ

8. ንሱ ኸኣ፡ በየናይ መገዲኸ ንደይብበለብመገዲ በረኻ ኤዶምበለ

9. ንጉስ እስራኤልን ንጉስ ይሁዳን ንጉስ ኤዶምን ድማ ኸዱመገዲ ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ዞሩ ኸኣ፡ ንሰራዊቶምን ነተን ዚስዕባኦም ዝነበራ እንስሳን ማይ ሰኣኑ

10. ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤልኣየእግዚኣብሄር ነዞም ሰለስተ ነገስታት እዚኣቶም ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ኺህቦም ጸውዖምበለ

11. ዮሳፋጥ ግና፡ ብእኡ ንእግዚኣብሄር እንሐተሉ ነብዪ እግዚኣብሄርዶ ኣብዚ የልቦን፧ በለ። ሽዑ ሓደ ካብ ገላዉ ንጉስ እስራኤል፡ እቲ ናብ ኣእዳው ኤልያስ ማይ ዜፍስስ ዝነበረ ኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ እባ ኣብዚ አሎ፡ ኢሉ መለሰ

12. ዮሳፋጥ ከኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ምስኡ አሎበለንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥን ንጉስ ኤዶምን ኰይኖም ድማ ናብኡ ወረዱ

13. ኤልሳእ ከኣ ንንጉስ እስራኤል፡ ንኣይን ንኣኻን እንታይ ኣኣራኺቡና፧ ናብቶም ነብያት ኣቦኻን ናብ ነብያት ኣዴኻን ደኣ ኺድ፡ በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ፡ ኣይፋል፡ እግዚኣብሄር ነዞም ሰለስተ ነገስታት እዚኣቶም ደኣ ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ ዝጸውዖምበሎ

14. ኤልሳእ ከኣ፡ ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ እንተ ዘይብልሲ፡ ኣነ ኣይምጠመትኩኻን ኣይምርኤኹኻን ድማ፡ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ህያው እዩ፡

15. ሕጂ ኸኣ ሓደ ብዓል በገና ኣምጽኡለይበለ። ኰነ ድማ፡ እቲ ብዓል በገና ምስ ወቕዔኢድ እግዚኣብሄር መጸቶ፡

16. በለ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብዚ ርባ እዚ ጐዳጒዲ ኣብ ርእሲ ጐዳጒዲ ዂዐቱ

17. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ንፋስ ኣይትርእዩንዝናምውን ኣይትርእዩን፡ እዚ ርባ ደኣ ባዕሉ ማይ ይመልእ እሞ፡ ንስኻትኩምን እንስሳኹምን ከብትኹምን ክትሰትዩ ኢኹም።

18. እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቀሊል እዩ እሞ፡ ንሞኣብውን ኣሕሊፉ ኣብ ኢድኩም ኪህበኩም እዩ።

19. ንስኻትኩም ድማ ንዂለን ዕሩዳት ከተማታትን ንዂለን ሕሩያት ከተማታትን ከተጥፍእወን ኢኹም፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበለ ኦም ከኣ ክትቈርጹ፡ ኲሉ ዓይኒ ማያትውን ክትደፍኑ ኢኹም፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበል ግራት ከኣ በእማን ከተብኣላሽውዎ ኢኹም።

20. ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ በታ መስዋእቲ ብልዒ ዚዐርገላ ጊዜ፡ እንሆማይ ብመገዲ ኤዶም ኣቢሉ መጸ፡ እታ ሃገር ከኣ ማይ መልኤት

21. ብዘለዉ ሞኣባውያን ድማ እቶም ነገስታት ኪዋግእዎም ከም ዝደየቡ ምስ ሰምዑኣጽዋር ኪዐጥቕ ዚኽእል ዘበለ ኻብኡ ንላዕሊውን ከቲቶም ኣብቲ ዶብ ቈሙ

22. ንግሆ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡጸሓይ ከኣ ኣብቲ ማይ ምስ ኣንጸባረቐት፡ እቶም ሞኣባውያን እቲ ማይ ኣብ መንጽሮም ከም ደም ቀዪሒ ረአይዎ

23. ሽዑ፡ እዚ ደም እዩ፡ እቶም ነገስታት ብርግጽ ተዋጊኦም ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ቐቲሉ እዩ። እምበአር ሕጅስ፡ ኣታ ሞኣብ፡ ኪድ ማርኽበሉ

24. ናብቲ ሰፈር እስራኤል ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ እቶም እስራኤላውያን ተንሲኦም ንሞኣባውያን ተዋግእዎም፡ ንሳቶምውን ካብ ቅድሚኦም ሀደሙ። ንሞኣባውያን ስዒሮም ድማ ናብታ ሃገር ኣተዉ

25. ነተን ከተማታት ከኣ ኣፍረሱንዂሉ ጽቡቕ ዘበለ ግራት ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኤእምኖም ደርብዮም መልእዎንዂሉ ዓይኒ ማያትውን ደፈንዎ፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበለ ኦም ድማ ቈረጽዎንቂር-ሓረሰት እምኒ ጥራይ ክሳዕ ዜትርፍዋ ሰብ ወንጭፍ ከቢቦም ተዋግእዋ

26. እቲ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ውግእ ከም ዝበርትዖ ምስ ረአየጥሒሱ ናብ ንጉስ ኤዶም ኪሐልፍ፡ ሾብዓተ ሚእቲ ሴፍ ዚመልሑ ሰብ ወሰደ፡ ግናኸ ኣይከአሉን

27. ሽዑ ነቲ ኣብ ክንዳኡ ዚነግስ በዂሪ ወዱ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጎ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ብርቱዕ ኲራ ዀነ እሞ፡ ካብኡ ረሐቑናብ ሃገሮም ድማ ተመልሱ