1. ብዘመኑ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ደየበ እሞ፡ ዮያቂም ክሳዕ ሰለስተ ዓመት ተገዝኦ። ግናኸ መሊሱ ዐለዎ

2. እግዚኣብሄር ድማ ጭፍራታት ከለዳውያንን ጭፍራታት ሶርያውያንን ጭፍራታት ሞኣባውያንን ጭፍራታት ደቂ ዓሞንን ሰደደሉ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኣፍ ባሮቱ ነብያት እተዛረቦ ቓል ከኣ ምእንቲ ኼጥፍእዋ ናብ ይሁዳ ሰደዶም

3-4. እዚ ኸኣ ብሰሪ እቲ ምናሴ ዝገበሮ ዂሉ ሓጢኣትን ድማ ብሰሪ እቲ ንጹህ ደም ዘፍሰሶንንየሩሳሌም ከኣ ብንጹህ ደም ስለ ዝመልኣንይሁዳ ኻብ ቅድሚ ገጹ ኼግልሳ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር እዩ ዝዀነ። በዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ይቕረ ኺብል ኣይፈተወን

5. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮያቂም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን ከኣ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧

6. ዮያቂም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮያኪን ነገሰ

7. ነቲ ናይ ንጉስ ግብጺ ዘበለ፡ ካብ ርባ ግብጺ ጀሚሩ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስንጉስ ባቢሎን ሒዝዎ ነበረ እሞ፡ ድሕርዚ እቲ ንጉስ ግብጺ ኻብ ሃገሩ መሊሱ ኣይወጸን

8. ዮያኪን ኪነግስ ከሎ ወዲ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ገዝኤስም ኣዲኡ ነሑሽታ እዩ፡ ንሳ ጓል ኤልናታን ብዓል የሩሳሌም እያ።

9. ንሱ ኸኣ ከምቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ

10. በቲ ጊዜ እቲ ገላዉ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ደየቡ፡ እታ ኸተማ ድማ ተኸበት።

11. እቶም ገላዉኡ ኸቢቦምዋ ኸለው ኸኣ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብታ ኸተማ መጸ

12. ሽዑ ዮያኪን ንጉስ ይሁዳ፡ ንሱን ኣዲኡን ገላውኡን ሓላቑኡን ስሉባቱን ናብ ንጉስ ባቢሎን ወጹ፡ እቲ ንጉስ ባቢሎን ከኣ ብሳምነይቲ ዓመት መንግስቱ ሐዞ

13. ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ድማ፡ ንብዘሎ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን መዛግብቲ ቤት ንጉስን ኣውጽኤ፡ ነቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ዂሉ ኣቓሑ ወርቂ ኸኣ ሰባበሮ

14. ንብዘላ የሩሳሌምን ንዂሎም ሓላቑን ንዂሎም ሓያላት ጀጋኑንዓሰርተ ሽሕ ምሩኻት፡ ንዂሎም ጸረብትን ሰራሕቲ ሓጺንን ከኣ ማረኸ። ካብ ህዝቢ እታ ሃገር፡ ብዘይ እቶም ድኻታት፡ ገለ እዃ ኣይተረፈን

15. ንዮያኪን ድማ ናብ ባቢሎን ማረኾነደ ንጉስን ነንስቲ ንጉስን ንስሉባቱን ንዓበይቲ እታ ሃገርን ከኣ ካብ የሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም

16. ንዂሎም ሓያላት ሰባት ሾብዓተ ሽሕ ዚዀኑ፡ ጸረብትን ሰራሕቲ ሓጺንን ከኣ ሽሕ፡ ኲሎም ጀጋኑ ንውግእ ዚበቕዑ፡ እቲ ንጉስ ባቢሎን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ኣእተዎም

17. እቲ ንጉስ ባቢሎን ድማ ንሓው ኣቦኡ ማታንያ ኣብ ክንዳኡ ኣንገሶስሙ ኸኣ ጼዴቅያስ ኢሉ ለወጠሉ

18. ጼዴቅያስ ኪነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝኤስም ኣዲኡ ድማ ሓሙጣል እዩ፡ ንሳ ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ።

19. ንሱ ኸኣ ከምቲ ዮያቂም ዝገበሮ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ

20. እዚ ንየሩሳሌምን ንይሁዳን ካብ ቅድሚ ገጹ ኽሳዕ ዚድርብዮም ዝዀነ፡ ብምኽንያት ኲራ እግዚኣብሄር እዩ። ጼድቅያስ ድማ ካብ ንጉስ ባቢሎን ዐለወ