1. ንየሁ ኣብ ሳብዐይቲ ዓመቱ ዮኣስ ነገሰኣብ የሩሳሌም ከኣ ኣርብዓ ዓመት ገዝኤስም ኣዲኡ ድማ ጺብያ፡ ንሳ ኻብ ብኤር-ሺባዕ እያ።

2. ዮአስ ከኣ በቲ ኻህን ዮያዳ ኺምህሮ ኸሎ ዝነበሮ ዂሉ ዘመን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ

3. ግናኸ ነቲ በረኽቲ ኣየግለስዎንእቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ።

4. ዮአስ ድማ ነቶም ካህናት፡ ኲሉ እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዚአቱ እተቐደሰ ገንዘብዚተሐላለፍ ገንዘብነፍሲ ወከፍ ናይ ገምጋም ነፍሲ ዚህቦ ገንዘብን እቲ ልቡ ዝደፍኦ ሰብ ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ዘምጽኦ ዂሉ ገንዘብን

5. እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ከካብ ዚፈልጥዎ ይውሰዱ እሞ ንሳቶም ነቲ ፍራሳት እታ ቤት፡ አብኣ እተረኽበ ዘበለ ዂሉ ፍራሳት ይጸግኑ፡ በሎም።

6. ግናኸ እቶም ካህናት ነቲ ፍራሳት እታ ቤት ክሳዕ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ንንጉስ ዮአስ ኣይጸገንዎን

7. ሽዑ ንጉስ ዮአስ ንኻህን ዮያዳን ነቶም ካልኦት ካህናትን ጸዊዑ፡ ስለምንታይ ኢኹም ፍራሳት እዛ ቤት ዘይጸገንኩምዎ፧ ሕጂ ኸኣ ንመጸገን ፍራሳት እታ ቤት ሀቡ እምበር፡ ደጊምሲ ኸካብቶም እትፈልጥዎም ገንዘብ ኣይውሰዱበሎም

8. እቶም ካህናት ድማ ካብቲ ህዝቢ ገንዘብ ከይወስዱንፍራሳት እታ ቤት ከኣ ከይጽግኑ ሰመሩ

9. ካህን ዮያዳ ግና ሓደ ሳጹን ወሲዱ ኣብ መኽደኑ ነዃል ገበረ፡ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ነቶም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዚአትዉ ሰብ ብየማኖም ኣቐመጦ። እቶም ደገ ዚሕልዉ ኻህናት ድማ ነቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝአተው ዂሉ ገንዘብ ናብኡ ኣእተዎዎ

10. ኰነ ኸኣ፡ ኣብቲ ሳጹን ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘሎ ምስ ረአዩ፡ ናይ ንጉስ ጸሓፍን እቲ ሊቀ ኻህናትን ደየቡ፡ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተረኽበ ገንዘብ ቈጺሮም ኣብ ኣኽያሽ ኣሰርዎ

11. እቲ እተመዝነ ገንዘብ ድማ ኣብ ኢድ እቶም ነቲ ዕዮ ዚዐዩ ዋናታት ቤት እግዚኣብሄር ሀቡ። ንሳቶም ከኣ ነቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዚዐዩ ጸረብቲ ዕጨይትን ንሃነጽትን

12. ንነደቕትን ንወቐርቲ እምንን ንምዕዳግ ኣእዋምን ውቑር እምንን ንምጽጋን እቲ ፍራሳት ቤት እግዚኣብሄር ዚኸውን፡ ንምጽጋን እታ ቤት ዝወጸ ዂሉ ድማ ይህብዎም ነበሩ፡

13-14. እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝአተወ ገንዘብ ከኣ ነቶም ነቲ ዕዮ ዝዐየዩ ሀብዎም፡ ንሳቶም ከኣ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ጸገኑሉ እምበር፡ ካብኡስ ንቤት እግዚኣብሂር ዜድሊ ጻሕሊ ብሩርመሳቐዪታትጭሔሎታትመለኸት፡ ገለ እኳ ኣቕሓ ወርቂ ወይ ኣቕሓ ብሩር ኣይተገብረን

15. ነቶም ነቲ ዕዮ ዚዐዩ ኺህቡ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ዝሀብዎም ሰባት ብእምነት ስለ ዝገበርዎኣይጸባጸብዎምን ነበሩ

16. እቲ ገንዘብ መስዋኣቲ በደልን ገንዘብ መስዋእቲ ሓጢኣትን ንኻህናት ኰነ እምበር፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄርሲ ኣይአተወን

17. ሽዑ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ደየበ እሞ፡ ንጋት ተዋጊኡ ሓዛሓዛኤል ድማ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ገጹ ኣቕንዔ

18. ዮአስ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ እቲ ኣቦታቱ ዮሳፋጥን ዮራምን ኣሓዝያንነገስታት ይሁዳዝቐደስዎ ዂሉ ቅዱስ ነገርን ንሱ ዝቐደሶን ድማ፡ ኣብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ናይ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ዂሉ ወርቅን ወሲዱንሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ሰደደሉ። ንሱ ኸኣ ካብ የሩሳሌም ተመልሰ

19. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮአስ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን

20. ንዮኣስ ድማ ገላዉኡ ተንሲኦም ማሕላ ተማሓሓሉሉ፡ ኣብታ ኣብ መውረዲት ሲላ ዘላ ቤት ሚሎ ኸኣ ቀተልዎ

21. እቶም ገላዉኡ ዮዛካር ወዲ ሺምዓትን ዮዛባድ ወዲ ሾሜርን ኰይኖም ወቕዕዎሞተ ድማ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ምስ ኣቦታቱ ቐበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣማስያ ነገሰ