ዛራ ህይወት!

Posted on 2012-04-09 · 898 · 0 · 0

32 resources uploaded

ዝፈስስ ብመንፈስ ኣምላኸይ
ዝቐድሓሉ በረኸት ሰማይ
ምንጩ ካብ ኣቦ ጐይታይ
ዝመልእ ዘህድእ ልበይ
ዘብዝሕ ዘውሕዝ ሰላመይ
ዘይነጽፍ ነባሪ ሓጎሰይ
ካብ ውሽጠይ ከም ውሒዝ ዝዛሪ
ብእምነት ዝቕዳሕ ዛራ ፍቕሪ
ዔላ ህይወት ዘለኣለም ፈልፋሊ
ጽምኢ ጽድቀይ ብምልኣት ዘርዊ
ዝኾነለይ ብእኡ በቲ ዘፍቀረኒ
ብሞቱ ምስ ኣቦ ዝዓረቐኒ
ኣብ ሰማይ ምስኡ ዘቐመጠኒ
ብፍቕሩን ምሕረቱን ዝጓስየኒ
ንስሙ ምስ ኣመንክዎ መንፈሱ ‘ሃበኒ
ንዘለኣለም ካብ ውሽጠይ ማይ ህይወት ዘዛሪ
ብኹሉ ዘኽብሮ ንጎይታ ክብሪ።

“ዝጸምኤ እንተሎ፣ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ። ብኣይ ዚኣምን፣ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፣ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ።”
(ዮሃ.7፡37-38)

0 comments