ኣብ ጸግዒ 'ቲ ልዑል

Posted on 2012-11-14 · 1096 · 0 · 0

4 resources uploaded

ኣየ ኣነ የዋህ ሰብ እንተዘስተውዕሎ
ትንፋስ ኩሉ ፍጡር አብ ኢድካ ከምዘሎ
ሰማይን ምድርን ብቓልካ ከምዝቖመ
ኩሉ ዝርአን ዘይርአን ብኣኻ ከምዝተፈጥረ
እታ ንዓይ ኢልካ ዝገበርካያ ዕለት
ሎሚ ጥራሕ ምኻና እንተዝግንዘብ
ከምድላይካ ጌርካ ከምትሰርሓኒ
ብድላይካ መገዲ ከምትመርሓኒ
እንተዝርደኦ ብኣግኡ
ክንደይ ኮን ምጸበቐ ኔሩ
ከምቲ ኣቕሓ መሬት ንሰራሒኡ
ከምዚ ጌርካ ስርሓኒ ክብሎ ዘይኮነሉ
ከምቲ ክኾኖ ኢልካ ዝፈጠርካኒ
ከምኡ ኾይነ ከይከውን ንምኻን ኣብዩኒ
ባዕለይ ክኸውን ፈንጠርጠር 'ናበልኩ
ምስ ስጋን ዓለምን እቃለስ ኣለኹ
ምውጻእ'ካ ክንደየናይ ከይወጾ
ካብቲ ዝብለጾስ በዚሑ ዝልሕጸጾ
ምኽንያቱ
እናተጻረረ መንፈሰይ ምስ ስጋይ
ስጋይ ምስ መንፈሰይ
ከምድላየይ ክኸውን ከመይ'ሉ ይኾነለይ
ሓደ ነገር ግን ኣስተብሂለ
ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ተወኪለ
ሓይሊ ክርስቶስ 'ናጸዋዕኩ
ድልየታት ስጋይ 'ናገታእኩ
መንፈሰይ ኣሐይለ ክግስግስ
ምስ መንፈስ ኣምላኽ ክምርሽ
እምበር ዓለም ድኣ ሎሚ
'ቲ ጽቡቐይ ትብሎ ኩሉ ተጸንቂቑ
ጉድጋዳ ንውሽጢ ገጹ ዓሚቑ
ክፋኣ 'ንድዩ ክወጽእ ጀሚሩ
ናይ መጨረሽታ ክፋኣ
ድሕሪ ሕጂ'ዶ ግዳ ጽቡቕ ነገር ከይወጽኣ
ጽቡቕስ ሓደን ሓደን ጥራሕ'ዩ
'ቲ ብክርስቶስ ዝርከብ
ናይ ዘለኣለም ህይወት'ዩ
ነዚ ኣስተውዒለ ምስ ኣመንኩ
ዕር...ፍ ኢለ እነብር ኣለኹ
የሱስ ወዲእዎ ከሎ ናተይ ስራሕ
ኣብቲ እንዳ ኣድገ-በቕሊ 'ታይ 'ለኒ ዝርጋሕ
ካብ ገልጠምጠም
ካብ ማዕበላት ናይ ዓለም
ኣብ ጸግዑ ክሓድር ሓሊነ
ኣብ ጽላሉ ክነብር ወሲነ
ምኽንያቱ
ኣብ ጸግዒ 'ቲ ልዑል ዝሓድር
ኣብ ጽላል 'ቲ ኹሉ ዝኽእል ስለዝነብር.

0 comments
Other Poem