ንኣኻ እንተዝፈርህሲ ከምዚ ኣይምኾንኩን !

Posted on 2012-10-03 · 1252 · 0 · 0

32 resources uploaded

ምንጩ ግዲ ረሲዐ ፣ ሑኽ እብል እጋደል
በቲ ውህበት ጸጋኻ ክርአ ክብል ጸብለል
ቅጽል-ስመይ ክገብሮ “እገለ...” ኽብሃል
ልበይ ዘየጽረኹስ ብጥቕሲ ዝኽወል
ንኽብሪ መን ደኣ‘የ “ዊጥ...ዊጥ” ዝብል ?

ውህበት ጸጋ ዝሃብካ ቤትካ ንምጽባቕ
ግብሪ ሓይልኻ ፍሉይ ንምርኣዩ ዘደንቕ
ኣብ ሓወይ እንክግለጽ ግን ዝብለኒ ውሽጠይ ሕቕቕ
ልበይ ክንዲ ዝሕጎስ ብምርኣይ ‘ዚ ጽቡቕ
ስለምንታይ ደኣ ዝጓየ ዘረባ ኣብ ምድቓቕ ?

ጥቕሲ ምፍላጥ መጠረሽታ ህይወት ዝመስለኒ
እንተ ንብጻየይ ምፍቃር ግና ዝኸብደኒ
“ሓወይ ካባይ ይበልጽ” ምባል ፍጹም ነየኽእለኒ
“ኣነ እፈልጥ” ክብል እነብሕ ህልኽ-ውድድር ሒዙኒ
ትሕትና ዘህድም ዕሽነት እምበር’ዩ ዓሚቱኒ !

ጎይታየ፣ ዝደኮንካኒ መግለጺ ክብርኻ ክኽውን
ቅዱስ መንፈስካ ዝመላእኩ ባህሪኻ ኽውንን
ርእሰይ እናኣንስኩ ዓብዪ ስምካ ኸግንን
ሰለምንታይ ደኣ ሎሚ ዝጽዕር “ ገለ ምዃን ” ዝህቅን
ንኣኻ እንተዝፈርህሲ ከምዚ ኣይምኾንኩን ።

“ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል: ንእግዚኣብሄር ፍራህ: ካብ ክፉእ ከኣ ርሓቕ።”
(ምሳሌ 3: 7)

0 comments
Other Poem